
ኣብ ዞባ ኣሌ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ናይ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ መኪና ተጻዒኖም ናብ ኬንያ ዝጓዓዙ ዝነበሩ 53 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ዞባ አሌ እቶም ስደተኛታት 53 ኤርትራውያን ሙኻኖም ኣፍሊጦም።እቶም ኤርትራውያን ብሕዳር 16/2023 ኣብ ትሕቲ ቀይዱ ከማዛኣትዉ እቲ ናቲ ዞባ ምምሕዳር ገሊጹ።እቶም ሰደተኛታት ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑት ዘለውዎም ኮይኖም ካብ ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላለየ ካፋል ኢትዮጵያ ከምዝተኣኻኸቡ ደላሎ ከምዝተበገሱን ይገልጹ።እቲ ዘሕዝን ካኣ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዛኣተዉ ናኣሽቱ ሕጻውንቲ ጥሕቲ ወርሒ ምንባሮምን ኣብ ሕማቅ ቦታ ተኣሲሮም ማይን ምግብን ጽርየትን ዘይብሉ ከምዛኣሰሩዎም ኣምሳሉ ኣብሪሁ ንቢቢስ ገሊጹ ።እቶም ስደተኛታት ኣብ ከባቢ ኮላንጎ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ተታሒዞም ከም ዘለዉ ጠቒሱ