
ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ እዋን ኣብ ጥምየትን ቀረብ መግቢ ሕጽረትን ትርከብ፡ብሕልፊ እዃ ህጻናት ኣብ ሕማቅ ኩነትታት ከምዘለዉ ይግለጽ ኣሎ።እዚ መንግስቲ ንምንታይ ኢዩ ኣስታት 32 ዓመት ለውጢ ክገብር ዘይከኣለ ፡ንግብረሰናይ ሐገዝ ኣየድልየንን ኤርትራ ብጽፍራ ክትነብር ትኽእል ሃገር ኢያ ኢሉ ነጺኡ ነዚ ህዝቢ ኣብ ብጥምየትን ሸርፊ ገንዘብ ሕጽረትን ማይን ኣብ ዕጽዋን ክባን ዘሎ ።
ኤርትራ ሃብቲ ዓሳ ዘለዊ ሀግር ክነሳ ህዝብና ንኸይጥቀመሉ ንኹሉ ሀብቲ ዓሳ ኤርትራ ናብ ወጻኢ ብምስዳድ ኣታዊ ገንዘብ ካኣ ኣብ ናይ ኩናት ብረትን ናይ ኢትዮጵያ ወታሃደራት ምዕላምን መግቦም ክዳኖም ዝኸውን ውጻኢታት መሸፈኒ ይገብሮ ስለ ዝሎ።እቲ ህዝቢ ኣይ ካብ ሃብቲ ዓሳ ኣይ ካብቲ ሕርሻ ብገዛእ ሀብቱ ኣብ ጥምየትን መከራን ክሽመም ይገብሮ ኣሎ።ዓለማት ከምዝብሎለኦ ዘለዋ እዛ ሃገር ምሕደራ እንተዘይ ቀዪራ ኣብ ዝሐጸረ እዋን ንቁልቁል ከምት ወርድ ሪኢቶኦም ይገልጹ።
“ኣብ 2021 መዐቀኒ ሰብኣዊ ምዕባለ (HDI) ኤርትራ 0.492 ኰይኑ፡ ነታ ሃገር ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ኣስፊርዋ’ሎ- እዚ ማለት ካብ 191 ሃገራትን ግዝኣታትን መበል 176 ትስራዕ” ይብል ጸብጻብ ትካል ልምዓት ሕቡራት ሃገራት (UNDP)።BBC sources.