
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያታ ጣልቃ ብምእታዎም ሸውዓተ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብታ ሃገር ክስጐጉ ኣዚዙ ኢዩ። ሓሙስ ናይ ግብረ – ሰናይ ሰራሕተኛታት ናብቲ ን11 ወርሒ ዝኸውን ብውግእ ተዋሒጥዎ ዝጸንሐ ውግእ ዝመልኦ ዞባ ትግራይ ክኣትዉ ከም ዘይክእሉ መጠንቀቕታ ክሰምዑ ኸለዉ ኢዩ እዚ ስጕምቲ እዚ እተወስደ ።
እቶም ሸውዓተ ኻብ ማዕከን ቈልዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ከምኡውን ካብ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ጕዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኖቻ) ዝመጹ ውልቀ-ሰባት “ፐርሶና ኖን ግራት” ተባሂሎም ተኣዊጆም ካብታ ሃገር ንኽወጹ ድማ 72 ሰዓት ከም እተዋህቦም ሚኒስትሪ ወጻኢ ሓሙስ ገለጸ።
ሰሉስ ሓላፊ ረድኤት ው. ሕ. ሃ. ማርቲን ግሪፊዝ እቲ ንሰለስተ ወርሒ ዝቐጸለ “ናይ ሓቂ ዕንቅፋት” ረድኤት ናብ 10 ሚእታዊት እቲ ኣብ ከባቢ ሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት ዜድሊ ነገራት ከም ዚቕይድ ገለጸ።
ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ እውን ብግዴኦም ነቶም ስሞም ዘይተጠቕሰ ሰራሕተኛታት ረድኤት ንሰራዊት ትግራይ ከም ዚድግፍዎምን ከም ዜዕጥቕዎምን ገይሮም ከሰስዎም።