
ናብ ኩሉ ክበጽሕ Share Share ንግበሮ።ኣዛዚ ወተሃደራዊ ስለያ ምንስትሪ ምክልካል ኤርትራ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።ትማሊ ዓርቢ ዕለት 02/ ሚያዝያ/ 2021 ካብ ወትሃደራዊ ስለያ ምክልካል ኤርትራ 4 – ኣባላት ዘለዋ ጉጅለ ኣባላት ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ከምዘለዉ ተረጋጊጹ። ነታ ጉጅለ ወተሃደራዊ ስለያ ዝመርሓ ኮለነል ኣስመላሽ ገብረመስቀል (ወዲ ሓፍቲ) ኮይኑ፡ ናይ ስራሕ መዝነቱ ድማ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ናይ ወትሃደራዊ ስለያ ላዕለዋይ ኣዛዚ እዩ። ኮሎነል ኣስመላሽ ( ወዲ ሓፍቲ) ኣብ ደብረ ዘይቲ (ኢትዮጵያ) ዝካየድ ኣኬባ ንምስታፍ ንስለያ ሚኒስትሪ ምክልኻል ወኪሉ ከምዝኸደ ይፍለጥ። ዕላማ ናይ’ቲ ኣኼባ ዝርዝሩ ብልክዕ ዝፍለጥ ዋላ እንተዘይኮነ፡ ናይ ክልቲኦም ሃገራት ወከልቲ ግና በቲ ዝሰርሕሉ ክፍልታት ዝምልከቱ ጉዳያት ንኣብነት ወትሃደራዊ ኩነታት ንጸጥታዊ ዝምልከት ኣርእስታት ክዘረራቡ ብዝዕባ ቐጻሊ መደባቶም እዉን ሓዲሽ ውጥን ከውጽኡ ከምዝኽእሉ ዘገድዶም ክልተ ዓበይቲ ምኽንያታት ይግምቱ ምንጭታትና። እቲ ቐዳማይ ምኽንያት፡ ኮሎነል ኣስመላሽ ( ወዲሓፍቲ) ኣብ ምክልኽል ሓላፊ ወትሃደራዊ ስለያ ኮይኑ ነዊሕ ዓመታት ዝሰርሔ እዩ። ንሱ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ኩናት እዉን ብቐጥታ ስለዝተሳተፈ ድማ፡ ንሰራዊት ኤርትራን ንፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያን ብወትሃደራውን ስለያውን ሓበሬታ ምልውዋጥ፡ ንመኣዝን ኩናት ዝሕግዙ ዉጥናትን ኣብ ምውህሃድ ዝዓበየ ተራ ካብ ዝነበሮም ወትሃደራዊ መኮነን ናይ ወተሃደራዊ ስለያ እዩ። ካልኣይ ምኽንያት፡ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብህጹጽ ክወጽእ፡ ኣመሪካን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ይገብሩ ኣለዉ። ቀዳማይ ምንስተር ኢትዮጵያ ኣቢ ኣሕመድ እዉን ሰራዊት ኤርትራ ክወጽእ ምስ ኢሰያስ ተሰማሚና ኣለና ዝብል በይናዊ መግለጺ ኣውጺኡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ብወገን ስርዓት ህግደፍ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝወጸ መግለጺ የሎን።ስለዚ ሰራዊት ኤርትራ ብግብሪ ክወጽእ እንተኾይኑ ናይ ኣፈጻጽማ ኣገባቡ ዓቢ ኣርእስቲ ይኸውን። ምኽንያቱ ብጀካ ናይ ትግራይ ብተወሳኺ ኣብ ምዕራባዊ ክልላት ወለጋ ቤን ሻንጉል፡ መተከልን ጉምዝን ክሳብ ትማሊ ዕለት 01/ ምያዝያ/ 2021 ውሽጣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዘሎ ግዜ ቕትለትን ናይ ህዝቢ ምዝንባልን ንምቑጽጻሩ ኣጸጊሙ ዘይርጉእ ኩነታት ከምዘሎ ብወግዒ ይዛረብሉ ኣለዉ። ስለዚ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከምዚ ሃዋሁው መኣስ’ዩ ዝወጽእ? ኩሉ ሓይሉ ዲዩ ብከፊሉ ዲዩ ዝስሕብ ? ክወጽእ እንተኾይኑ’ኸ ሰራዊት ኤርትራ ሸፊኑዎ ዝጸንሔ እስትራተጅን መስመር ጽርግያታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ብከመይ ክትክኦ ይኽእል? – ወዘተ ዝብሉ እስትራተጂካዊ ኣሰላልፋን ዘድልዮ ወትሃደራውን ስለያውን ዓበይቲ ሕቶታት ብከመይ ከምዝምልሹዎ ቐስ ኢልና ንሰምዖ እዩ።መደምደምታ፡ በዚ ኮይኑ በቲ ግና ኮሎነል ኣስምላሽ (ወዲ ሓፍቲ) ኣብ ሚኒስትሩ ምክልኻል ከም ሓላፊ ወትሃደራዊ ስለያ ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ ደበረ ዘይቲ ዝግበር ናይ ሓባር ኣኼባ ንክሳተፍ ንኢትዮጵያ ከይዱ ከምዘሎ ብግቡእ ተረጋጊጹ ኣሎ። ስለዚ ኣብ ኣኼባ ደብረ ዘይቲ ብጀካ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ኣርእስታት ድማ፡ ብተወሳኺ እዉን ንወትሃደራውን ስለያውን ዝምልከቱ ካልእ ሓዲሽ እስትራተጂ ከውጽኡ ከምዝኽእሉ ዓቢ ግምት ከምዝወሃቦ ይሕብሩ ምንጭታትና። ክፍሊ ዜና፡ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ ንደሞክራሲ/ንሓርነት3/ምያዝያ/2021
ምንቕስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ንደሞክራሲ Eritrean Youth Movement for Democracy