
ናይ ሐዘን መልእኽቲ ናይ ሐዘን መልእኽተይ ንክቡር ሐወይን ብጻየይን መሐመድ ሳልሕ ኢብራሂም። ትማሊ አጋ ፍርቂ ለይቲ ዝቀራረብ መልእኽቲ ሞት ዕረፍትኻ ምስምዔይ ክአምኖ አይከአልኩን። አዝየ’ውን ጉህየ ሐዚነ ነቢዔ። ክሳብ ዝሐለፈ ቀረባ መዓልቲ ምርኻብናን፣ አብቲ ኩሉ ዝካየድ ድቃስ ዘይህብ ሃገራዊን ህዝባዊን ጉዳይና ከአ ወትሩ ጉጅም መባህልቲ ስለዝነበርና፣ ንኹሉ ምትብባዕካን ሃገራዊ ሐልዮትካን ከቶ አይርስዖን። ሞት ወትሩ ንወዲ ሰብ ዝተዋህበ ጽዋእ ብምዃኑ ግን፣ ምስ አምላኽ ዝማጎት የልቦን እሞ፣ አብ ሂወተይ ከቶ ዘይርስዓካ መሐመድ ሳልሕ ሐወይ ረቢ/ እግዚአብሄር አብ ጀና ይቀበልካ። ናይ ዘለአለም ዕረፍቲ ከአ ይሃብካ። ክቡር ሃገራዊ ተቓላሳይ መሐመድ ሳልሕ ኢብራሂም፣ ካብቶም አብ ማእከላይ ምስራቕ ሃገረ ሶርያ ዝምሃሩ ዝነበሩ፣ አባል ማሕበር ተመሃሮ ኤርትራውያን ብምዃን ዝነጥፍ ዝነበረ ኮይኑ፣ ብትብዓት ዝተቓለሰ ተባዕ ሃገራዊ ኤርትራዊ ኢዩ ኔሩ። ትምህርቱ አብ ሶርያ ዩኒቨርሲቱ ወዲኡ ዝተመረቐ፣ ወትሩ ከአ ብዛዕባ ኩነታት ሃገሩ ኤርትራ ዝሻቐልን ዝግደስን ኢዩ ኔሩ። ሃገራዊ ቃልሲታቱ አብ ሃገር ስደቱ’ውን እንተኾነ ብምቕጻል፣ አብ አሜሪካ ድሕሪ ምስዳዱ’ውን እንተኾነ አባል ተ.ሐ.ኤ. (ሰ/ ባይቶ) ብምዃን፣ ኩሉ ዝኽእሎን ዝግብኦን ዘበርከተን ብጻይ ኢዩ ኔሩ። መሐመድ ሳልሕ አብ አስመራ ካብ ብሩኻት ስድራ ቤት ተወሊዱ ዝዓበየ ኮይኑ፣ ብጠባዩ ሕያዋይ ምስ ኩሉ ዝረዳዳእ ዝፍቶ፣ ካብ ድሑር ዝንባሌታት ከአ ሐራ ዝኾነ ወዲ ሃገር ኢዩ ኔሩ። ሎሚ ነቲ ካብ ነዊሕ አትሒዙ ዝተቓለሰላ ሃገሩን፣ ናታ ሐርነትን፣ ወጋሕታ ብርሃን ህዝቡን ከይርኤን ምሕላፉ ከአ ብሐቂ ሐዘን ይስመዓኒ። ክቡር ሐርበኛ ወዲ ሐርበኛታት መሐመድ ሳልሕ ኢብራሂም ሐወይ ብጻየይ መቓልስተይ ወዲ ህዝበይ ድሐን ኩን። ዘለአለማዊ ዕረፍቲ ይሃብካ። ንኩሎም አዝማድን ቤተሰብን ስድራን መቓልስትን ከአ አምላኽ መንፈስ ምጽንናዕን ብርታዔን ይሃብ። ተስፋይ ተኽለ ደበሳይ ሕ/መ/አሜሪካ