ንዘይትኣምነሉ ፖለቲካዊ ርእይቶ ምቅዋም መሰል’ዩ ኣብ ሓጺር ግዜ ንህግደፍ ስለ ዘይኣለይዎ ኢልካ ምኹናን ግን ፖለቲካዊ ድኽነት’ዩ።

Image may contain: one or more people, sky, twilight, cloud, outdoor and nature

ፖለቲካ ኤርትራ መበገሲኡን መደምደምታኡን ጠፊኡ ኣሎ። ብካልእ ኣዘራርባ መንገዲ ዓወትን ጥፍኣትን ወይ ህዝባውን ጸረ-ህዝብን ኣረኣእያታት ተደዋዊሱ ብዙሓት ንምፍላዩ ኣብ ዝተጸገምሉ ኩነታት ንርከብ ኣለና። ካብ መግለጺ ዝርገተ ፖለቲካ ኤርትራ ሓደ፡ ካብ ሚዛናዊ ተረድኦ ዘይብገስ ማለት፡ ንመን ሃሪሙ ንመን ከም ዘድሕን ኣበይ ከ የዕርፍ ዘይፍለጥ፡ ብይበሃል ኣሎ ይኸዱ ኣለው፡ ተለኪሙ ዝስዕብ ንሪኦን ንሰምዖን ዘለና ናይ ጣሕመሽመሽ ጉዕዞ’ዩ። ሰብኣውን ፖለቲካውን ሓልፍነት ብዝጎደሎ ኣገባብ፡ ብህንጡይነት ብኣጉል ጃህራ ኣብ ኣፍካ ዝመጽኣልካ ንዝሃረመ ይህረም ከም ዘለዎ ምድርጓሕ። ናይ ውልቀ ሰብ፣ ውድብ፣ ብሄር፣ ሃይማኖት፣ ስም ከየጥፍእ፡ ክብሪ ከይዳፋእ፡ ሕጊ ከይጥሕስ ዝብል ሓላፍነታዊ ስኽፍታ ብዘይብሉ ንበል ጥራሕ ንኺድ ጥራሕ። እንታይ ትብል ሓሳብ ከይተጸርበ፡ ናበይ ትኸይድ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ኣንፈተ ፖለቲካ ከይተነጸረ፡ ብሓሳብ ከይተዋሰብካ ብኣካል ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ምስተኣከብካ ሓደ ኢና። ካብ ኣዳራሽ ምስ ወጻእካ ብምዕቡል ስነ-ሓሳብ ዘይኮነ፡ ብፖለቲካዊ ድሕረት ምጽልላም ከም ቁም-ነገር ተታሒዙ ይስራሓሉ ኣሎ። ሰባት ንስለ መንነት፡ ድሕነትን ክብረትን ህዝቦም ንነዊሕ ዓመታት ከይሰልከዩ ንዝኸፈልዎን ዝኸፍልዎ ዘለውን ኩሉ ሽነኻዊ መስዋእቲ፡ ግቡእ ኣፍልጦን ክብርን ዘይህብ ደምሳሲ ፍርዲ ምሃብ ልሙድ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። ካብ ቅድሚኡ ዝነበረ ወለዶ ኣወንታን ኣሉታን ኣጻርዩ፡ ነቲ ዝጠቅም ዘይወስድ፡ ክብሪ ንዝግበኦ ዘየኽብር ኣተሓሳስባ፡ መዓልቲ ይንዋሕ ይሕጸር መንገዲ ምጥፋእ መንነት’ዩ። ኣብ ብሄረ ትግርኛ “ንዝገበረልካ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” ዝብል ረዚን መልእኽቲ ዝሓቖፈ ምስላ ኣሎ። እዚ ምስላ’ዚ ምሉእ ንምሉእ ሓቂ’ዩ። ጽቡቕ ንዝገበረልካ እንተኽኢልካ ክትገብረሉ፡ ኣይከኣልካን ክትነግረሉ ኣለካ። ብፍላይ ስለ ድሕነትን ክብረትን ህዝቢ ፍልጠቶም፣ ጉልበቶም፣ ገንዘቦም፣ ጥሪቶም፣ ንዝወፈዩ፤ ዕድመ ንእስነቶም ንዘብለዩ፣ ንዝረሃጹ፣ ደሞም ንዝኸዓው፣ ኣካሎም ንዝኸፈሉ፣ ህይወቶም ንዝገበሩ፣ ደቆም ሞባእ ንዝኸፈሉ፡ ከከም ኩነታቱን ከም ቃሕ ዝበለካን ‘ምበር፡ ብቑም-ነገሩ ብንቅሓት፡ ብሕግን ብተግባርን ክግበረሎም ወይ ክንገረሎም ኣይረአን ኣይስማዕን። ከምኡ ዘይኮነሉ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ገለ ኮነ ኢሉ ሓቂ ክኽሕድ ስለ ዝደሊ’ዩ። ገሊኡ ኸኣ፡ ብላኼማ ካብ ዘይፍልጠትን ጉድለት ፖለቲካዊ ኣገንዝቦን ዝነቅል’ዩ። ብፍላጥ ሓቂ ከዛብዑ ኢሎም’ውን ክቐብሩ ብመደብ ካብ ዝሰርሑ ሓደን ቀንድን ብወልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ’ዩ። ኢሳያስን ናይ ገዛእ ርእሶም ፖለቲካዊ መንነትን ናይ ሓሳብ ነጻነትን ዘይብሎም ዓጀብቱ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ኣብ መድረኽ ወጺኦም “ዓወት ንሓፋሽ” ኢሎም’ዮም ዝጭርሑ። ብሓሳብ ኮነ ብተግባር ግን ጸረ-ሓፋሽ ‘ምበር መሰል ሓፋሽ ኣየኽብሩን። ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ በዓላት ኮነ መቓብር ሓርበኛታት ተረኺቦም “ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና”’ዮም ዝብሉ። ብሓሳብ ኮነ ብተግባር ሕድሪ ስውኣት ከኽብሩን ብተግባር ክትርጉሙን ኣይረኣዩን። ዓወት ንሓፋሽ ማለት ህዝባዊ ልኡላውነት ክረጋገጽ’ዩ ማለት’ዩ። ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና ማለት ድማ፡ ክሳብ ብመስዋእቲ ዘርክበኩም ሕድርኹም ኣይጠልምን። ዝወደቕክምሉ ዕላማ ኣብ ፍጻሜ ከብጸሖየ። ብውልቀ ዝናን ረብሓን ኣይጨማለቕን። ህዝቢ ኣይብድልን ንህዝቢ ጫማ ኮነ ከገልግል’የ። ፍቓድን ውሳኔን ህዝቢ ኣኽቢረ ብቅንዕናን ብትግሃትን ክሰርሕ’የ ማለት’ዩ፡ ፖለቲካዊ መልእኽቱ። ብተግባር ዝኸውን ዘሎ ግን ኣንጻር’ቲ ተደጋጊሙ ዝስማዕ ጭርሖ’ዩ። ንህዝቢ ኣድኪኻ፡ ከፋፊልካ፡ ኣርዒድካ ምግዛእ፡ ብስም ስውኣት፡ ደቂ-ስውኣትን ወለዲ ስውኣትን ውልቃውን ጉጅላውን ሃብቲ ምኽዕባት፡ ብዘይረሃጽካሉ ገንዘብ ምስ ቀረባ ስድራ ቤትካ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ናይ ምቾት ህይወት ምንባር’ዩ። ደቂ-ስውኣት ሓቀኛ መበገሲኡ ኣብዘይፈልጥዎን ዘይፍትሓውን ኲናት ኣትዮም ከንቱ ሞት ክሞቱ፡ ሓድጊ ዘይብሎም ክጸንቱ’ዩ ዝግበር ዘሎ። ንውጉኣት ሓርነት ግቡእ ክብርንን ክንክንን ዘይምግባር፡ ጸላኢ ብዝሃረምሉ ብረት ዝተረፈ ኣካሎም ክስእኑ ምግባር ምቕታል፡ ህዝቢ ከም ህዝቢ ሰላም ሓርቢትዎ ብኲናትን ወረ ኲናትን ኣብ ሻቕሎትን ሸለብ ገለብን ክነብር፡ ብምሉእ ዓቕሙ ክረባረብ’ዩ ጸኒሑን ገና’ውን ዝቕጽል ዘሎን። እዚ ክሕደት ብፍልጠት’ዩ። መብዛሕቲኦም ከም ዜጋታት ከም መንእሰያት ብሓሳብ ኮነ ብተግባር፡ መሬት ከይመሰየ፡ ውልቀ መላኺ ናይ ጥፍኣት መሓውሩ ከይዘርገሐ፡ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ኣንፈጥና ኣንፈቱ ጠፊእዎ ከይተጠናነገ ቀልጢፎም ክነቕሑ፡ ብሓሳብ ፈታውን ጸላእን ኣለልዮም ክዋስእሉ ዝነበሮም ግዜ ኣይተጠቕምሉን። ብጸቢብ ሃገራዊ ስምዒት ዓዊሮም መንገድና መንገዲ ኢሳያስን ህግደፍ’ዮም ክብሉ ጸኒሖም። ሎሚ ግልብጥ ኢሎም ሚዛን ርእይቶኦም ንምሕላው’ኳ ጉድለት ከየልዓሉን ይቕሬታ ከይሓተቱን፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ብዓቕሞም ብተግባር ክዋስኡ ዝጸንሑን ዘለውን ገዳይምብ ተቓለስቲ ውድባት ክወራዘዩ ምስ ማዕ፡ ፖለቲካ ኤርትራ ባይታ ከምዘይሓዘ ተንሳፋፊ ምዃኑ’ዩ ዘርኢ። ኣብ ቅንዲ ልባዊ ምስገና፡ ከይትርብርቡ ንሕና ክንጎየ ንሳትኩም መንገዲ ኣርእዩና ምኽሪ ሃቡና፡ ያኢ ናይ ምቅላስ መሰል ወሃብትን ከላእትን ኮይኖም ክቕርቡ ምስማዕ የሕዝን። እቲ ዝገርም ከም መንእሰያት ሓድሽ ህዝባዊ ኣረኣእያ ሒዞም ንመሰረታዊ ለውጢ ክቃለሱ ዛጊት ኣይበቕዑን። ብልሳኖም ኣንጻር ኢሳያስን ጉጅለኡን ኢና ይብሉ፡፡ ብባህሪ ግን ካብ ናብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ናብ ደምበ ጸላኢ ወይ ህግደፍ ከም ዝቐርቡ ትዕዘብ። ንኣብነት ጸላኢ ንተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ትሕቲ ሃገራውያን፣ ወያነ፣ ዓጋመ እናበለ’ዩ ብሓሶት ከጸልመን ካብ ህዝቢ ክንጽለን ዝፍትን። ገለ ካብ’ቶም ብስመ መንእሰያት ዝተኣኻኸቡ ወገናት ነቲ ጸላኢ ዝጥቀመሉ ሕሱር ቃላት ከም ዘለዎ ወሲዶም’ዮም ዝሰርሕሉ። ንገዳይም ተጋደልትን ነባራት ውድባትን ብዓይኒ ጥርጠራ ክሪኡ፡ ጸለሎ ክለኽዩ ከቆናጽቡ ሕፍር ሕንኽ ኣይብሉን። ነባራት ፖለቲካዊ ውድባት ቀልጢፈን ንህግደፍ ኣልየን ሃገር ከደን ፖለቲካዊ ለውጢ ከምጸኣ ኣይከኣላን። ብፍቕዲ በዚሐን ንመን ከም እንድግፍ ጠፊኡና። መራሕተን ኣሪጎም’ዮም። ስለዚ ንሕና ከም መንእሰያት ብናትና ናይ መንእሰይ ስነ-ሓሳብ ( ኣብ ዓለም ናይ መንእሰይ ስነ-ሓሳብ ዝበሃል ፖለቲካ የለን) ተወዲብና ክንቃለስ ኣለና። ክጽንበራና የብለንን። ብዝብል ክግበር ዝጸንሐን ዝቕጽል ዘሎን ጎስጓሳት፡ ክሕደት ብዘይፍልጠት’ዩ። ብፍላጥ ይበሃል ብዘይ ኣፍልጦ ግን ኩሉ ክብሪ ንዝግበኦ ክብሪ ዘይህብ ድሑርን ኣዕናውን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ’ዩ። ብፍላጥ ጥልመት የዋጽኣኒ ኢሉ ንዝመረጸ ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝምራሕ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብዘካ ተቓሊስካ ምውጋድ ከም’ዚ እንተትብል እንተትገብር ዝብል ምሕጽንታን ምኽርን ምሃብ ግዜኻን ጉልበትካን ምብኻን’ዩ። ደመኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነ ብህዝባዊ ቃልሲ ጥራሕ’ዩ ክውገድ ኣለዎ። እተቲ ካብ ዘይፍልጠጥ ብመንገዲ ክሕደት ዝኸይድ ዘሎ ወገን ግን፡ ከይሰልከኻ ብልዙብ ኣቀራርባ ኣይፋልካን ኣይፋልኩምን መንገዲ ትጋገዩ ኣለኹም፡ ሕማቕ ታሪኽ ትሰርሑ ኣለኹም፡ ዝብል ምኽሪ ምልጋስ ክስገር ዘይብሉ ዋኒን ለባማት ክኸውን ይግባእ። ኣብ’ዚ ብንጹር ክፍለጥ ዘለዎ ዜጋታት ዝመስሎም ርእይቶ ክሕዙ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘይኣቱ መሰል’ዩ። ንዘይትኣምነሉ ፖለቲካዊ ርእይቶ ብእሩምን ሓላፍነታውን ኣገባብ ምቅዋም’ውን መሰል’ዩ። ኣብ ሓጺር ግዜ ንህግደፍ ስለ ዘይኣለይዎ ኢልካ ምዂናን ግን መበገሲኡ ፖለቲካዊ ድኽነትን ክሕደትን ምዃኑ ምግንዛብን ምእራምን ኣገዳሲ’ዩ። ካብ ዛራ ማና 06-10-2020

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *