
ብዕለት 17/ መስከረም/ 2020 ካብ ኤርትራ 4- ሰበ ስልጣናት ናብ ሱዳን ሚስጥራዊ መገሻ ገይሮም ብ-19/ መስከረም/ 2020 – ኣብ 3ይ መዓልቶም ብዱባይ ገይሮም ኣስመራ ከምዝተመልሱ
ሓበሬታ በጺሑና። ንኤርትራ ዝወከሉ 4 – ሰበስልጣናት ኣስማቶም ሓላፍነቶም ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
⦁ መጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሰ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ (2) እምናይ ሱሌማን ወኪል ሃገራዊ ድሕነት። (3) ኮሎኔል መልኣከ / ወዲ ፊተውራሪ/ ምክትል ሓላፊ ሓይሊ ባሕሪ ምስ
ኢንጅነር ተወልደ ኣረፋይነ። (4) መጀር ግርማይ ሃብተገርግሽ ሓላፊ ጸረ ኣየር ከምዝነበሩ ይሕበር። ዝገበሩዎ ሚስጥራዊ መገሻ መቐጸልታ ናይ ዝሓለፈ ወግዓዊ ርክብ ከምዝኾነ ይግለጽ።
ኣብ July 20, 2020- ብጀነራል ፊሊጶስ ዝምራሕ ጉጅለ ዘሰነዩዎ፡ ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ዳይረክተር ሃገራዊ ድሕነት፡ መጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካረ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ፡ መጀር ጀነራል
ሮሞዳን ዑስማን / ኣውሊያይ/ ኣዛዚ ተወርወር እዚ ብወግዒ ንሱዳን ከምዝበጽሑ ብመራኸቢ ዓለም ተዘርጊሑ ነይሩ። ኣብ ርክባቶም ወትሃደራዊ ጸጥታውን ናይ ባሕርን ገለ ስምምዕ
ከምዝገበሩ ይሕበር። ኣብ ርክባቶም ኤርትራ ዘቕረበቶ ሓሳብ፡ ኣቕሪባ ገማግም ቐይሕ ባሕሪ ሱዳንን ኤርትራን ንምቑጽጻር ንክልቲኡ ሓይሊ ባሕሪ ዘወሃህድ ሓይሊ ዕማም ክቐውም ሓቲቶም
ነይሮም። ብወገን መንግስቲ ሱዳን ግና ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ይሕበር። ብወገን ሱዳን ነፍሲ ወከፍ ሃገር ነናታ ገማግም ባሕሪ ክትቖጻጸር ኣለዋ ኢሎም ከምዝወሰኑ ብቐረባ ዝፈልጡ ሰበ –
ስልጣናት ሱዳን ብዘይወግዓዊ መንገዲ ክዛረብሉ ይስማዕ።
ኢሰያስን መራሕቲ ህግደፍን ብባህርያቶም ኣብ ኤርትራን ከባቢናን ሰላምን ቕሳነትን ዘለዎ ሂወት ክርእዩ ኣይተዓደሉን። ሓዊ ወሊዖም መጥፋእቲ ሓዊ ኮይኖም ክቐርቡ ስለዝፍትኑ ፖለቲካውን
ዲፕሎማስያውን ትያትሮ ምጽዋት ባህርያቶም ንምብራቕን ቐርኒ ኣፍሪቓን ከሸግርዎ ከምዝጸንሔ ብዙሕ ተጻሒፉ ነይሩ። ብኤርትራ ዝቐረበ ሓሳብ ተቐባልነት ስለዘይነበሮ ኢሰያስን ህግደፍን
ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዝፍሕሱዎ ውዲት ዕላማኡን እንታይ ከምዝመስል፡ ብከመይ ሓዊ የሳዉሩዎ ብከመይ መጥፋእቲ ሓዊ መሲሎም ይቐርቡ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከነካፍለኩም።
ምስ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ + ህግደፍ ጽቡቕ ዝምድና ዘለዎ ናይ ባሕሪ ሸፋቱ ሓደ ሳልሕ ኣቡ ፋጥና ዝበሃል (ሓልፋዊ) ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ናይ ምንቕስቓስ ባሕሪ ስለዝኾነ፡ ምስ 09-
ትካል ንግዲ ቐይሕ ባሕሪ ኤርትራ ነዊሕ ግዜ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ተዋፊሩ ክሰርሕ ከምዝጸንሔ ይግለጽ። ኣብ 2015 – ብፍላይ ኣቡ ፋጥና ምስ ገለ ግብጻውያን በደዊን ኮይኑ ኣብ ዘይሕጋዊ
ምስጋር ደቒሰባት ተዋፊሩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዝነበረ በደል ኢድ ከምዝነበሮ ዘረጋግጹ ጭብጥታት ከምዘለዉ ይሕበር። ሳልሕ ኣቡ ፋጥና ሓዳሩን ደቑን ኣብ ከተማ ኣልቓሂራ
ስለዝቕመጡ፡ ምስ ግብጻውያን ዘይሕጋውያን በደዊን ዋላ ምስ ገለ ሰበ ስልጣናት ግብጻውያን ነጋዶን ናይ ረብሓ ጥቡቕ ርክባት ከምዘሎዎ ይንገረሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንኮሎ ንነብሶም ተቛወምቲ ምብራቕ ሱዳን ተባሂሎም ዝጽውዑ፡ ናይ መሬት ናይ መንነት ጉዳይ ዝምልከቱ ብባሕሪ ዝፍጠር ዓበይቲ ዘይተፈትሑ ፖለቲካዊ ጉዳያት
ስለዘለለዉና ኢሎም ንመንግስቲ ሱዳን ንዝቛወም ጥርዓን ከቕርቡ ከምዝጸንሑ ይገልጹ። መንግስቲ ሱዳን ንዘሎ ሽግር እንተዘይተፈቲሑዎ ኣብ ገማግም ባሕርን ወደብ ፖርት ሱዳን ዝኣትዋ
መራኽብ ክሃርሙወን ከምዝኾኑ ብድምጺ ዝተሰነየ ምፍርራሕ ዘለዎ መጠንቐቕታ ክህቡን ክገልጹን ጸኒሖም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ገምግም ባሕሪ ክሳብ ዓጊግ ዘሎ ቦታታት ሱዳን መራኽብ ኮለላ የካይዱ ነይሮም። ፓትሮል ኣብ ዘካይድሉ ዝነበረ ግዜ ናይ ሱዳን ሓንቲ ፈጣን ጃልባ ተሃሪማ መጠነኛ
ጉድኣት ከምዝወረዳ ናይቲ ዞባ ነበርቲ ይሕብሩ። መንግስቲ ሱዳን ብወገኑ መንነቶም ዘይፍለጡ ናይ ባሕሪ ሸፋቱ ተኹሲ ከፊቶም ነታ ፈጣን ጃልባ ምስሃረሙዋ፡ መርከቦም ሒዞም ብቕጽበት
ናብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ከምዘቕንዑ ይገልጹ። እቲ ብተቛወምቲ ምብራቕ ክወሃብ ዝጸንሔ መጠንቐቕታ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሱዳን ዝተሰምዔ ተኹሲ ናብ ሱዳን ዝግበር ንግዳዊ ንጥፈትን
ምንቕስቓስ መራኽብ ውሕስነት ከምዘይብሉይግለጽ ኣሎ። ብሃብታማት ዝውነና ብሕታዊ ናይ ንግዲ መራኽብ ኣብ ባሕሪ ሱዳን ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ስግኣት ስለዝፈጠረሎም ምቑጽጻር
ክግበረሉ ንመንግስቲ ሱዳን ክሕብሩ ከምዝጸንሑ ይስማዕ። ስዑድያን ዓረብ ኤሚራት ብወገንን ናይ ባሕሪ ጸጥታዊ ስግኣት ክውገድ ምቑጽጻር ክግበረሉ ምስ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ሓቢርካ
ዝስርሓሉ ኩነታት ክፍጠር ዘቕርቡዎ ሓሳብ፡ ብተዘዋዋሪ ኣገባብ ንስርዓት ህግደፍ ዘርብሕ ንሱዳን ጸቕጢ ክፈጥር ከምዝኽእል ዝገልጹ ናይ ጂኦ ፖለቲካ ኪላታት ትንታኔ ክህብሉ ይስምዑ።
ናይ ሱዳን ገማምግ ባሕሪ ከምዚ እናሃለወ
12/ 09/ 2020- ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ካብ ገማግም ባሕርን ደሴታትን ከባቢ ሓስመት ተበጊሶም፡ ንሰሜን ንማርሳ ጉልቡብ ንማርሳ ተኽላይ ንበሪጠ ክሳብ ክሊ ግዝኣት ባሕሪ ሱዳን ክሳብ
ዓጊግን ብፈጣናት ጃላቡ ገይሮም ኮለላን ፓትሮልን የካይዱ ከምዘለዉ ይፍለጡ። ሓደ ካብ ተዘዋዋሪ ውዲት ህግደፍ ንገማግም ባሕሪ ሱዳን ርግኣትን ውሕስነትን ከምዘይህልዎ ሓዊ ወሊዕካ፡
ንግዳዊ ቕልውላው ኣዕቢኻ ኣብ ኢኮኖሚ ሱዳን ዝፈጥሮ ቕልውላው ምዕባይ ይጽዕሩ። ህግደፍ ነቲ ዝወልዕዎ ሓዊ ንምጥፋእ ጥዉይ ኢሎም ካልእ መንገዲ ሒዞም ነቲ ሽግር ንምፍታሕ
ዓረቕቲ መሲሎም ክቐርቡ ይፍትኑ። ቐንዲ ዕላምኡ ኣብ ገማግም ቐይሕ ባሕሪ ሱዳን በይኖም ክቖጻጸሩዎ ስለዘይክእሉ፡ ምስ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ተወሃሂዶም ክሰርሑ ጸጥታዊ ውሕስነት
ባሕሪ ክረጋገጽ ይኽእል ኢሎም ከእምኑዎ ይፍትኑ። ሱዳን ናይ ባሕሪ ጸጥታዊ ውሕስነት እንተዘየለ ንግዳዊ ምንቕስቓስ ስለዝጎድል
ኢኮኖምያዊ ቕልውላው ከጋጥሞም ከምዝኽእል ስለዝግምግሙ፡ ኤርትራ ዘቕረበቶ ሓሳብ ሱዳን ክቕበሉ ኣማራጺ የብሎምን ዝብል መረዳእታ ስለዘለዎም፡ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ከቢድ
ኢኮኖምያዊ ጸቕጢ ምግባር ዝዓበየ ተልእኾ ኣለዎም። ኤርትራን ሱዳንን ብሓባር ንገማግም ቐይሕ ባሕሪ ክቖጻጸራ ብጸቕቲ ኣብ ስምምዕ እንተበጺሖም ሱዳን ካብ ብልሽውናን ዘይሕጋዊ ንግዲ
ኣይምልጡን እዮም። 09- ትካል ንግዲ ቐይሕ ባሕሪ ኤርትራ፡ ምስ ሳልሕ ኣቡፋጥና በደዊን ምስ ሃብታማት ሱዳን ተወሃሂዱ ዘይሕጋዊ ንግድን ኮንትሮባንዳን ብጸሊም ምቕይያር ገንዘብ ሓዋላ
ልምዲ ዘለዎም ኣብ ኢኮኖምያዊ ቕልውላው ከእትዎም ከምዝኽእል ሱዳናውያን ናይ ኢኮኖሚ ሙሁራት ይገልጹዎ እዮም።
ኢሰያስ ምስ ዶክቶር ኣቢ ብዘለዎ ዝምድና ዓለማዊ እገዳ ስለዝወረደሉ፡ ኣብ የመን ምስ ኣዕራብ ዘለዎ ጂኦ ፖለቲካዊ ዝምድና ተጠቒሙ ቐርኒ ኣፍሪቓ ንምሕማስ ክሰርሕ ዕድል ዝተኸፍተሉ
ይመስል ዝብል ብገለ ሰበ ስልጣንን ናይ ጂኦ ፖለቲካ ተንተንትን መግለጺ ክህብሉ ይስማዕ። ኢሰያስን ህግደፍን ነብሶም ሰላም ዘይብሎም ሰላም ዞባ ኣፍሪቓ ክርምሱ ፖለቲካዊ ጸወታ
ከምዘየቑርጹ እቲ ቐደም ዝኸሰሩዎ ሕጂ ናይ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቓ ጎብለል ክኾኑ ነቲ ዲፕሎማሲያዊ ኩነታት ክጥቐሙሉ ከምዝጽዕሩ ይሕበሩ።
ክፍሊ ዜና: ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ ንደሞክራሲ