
መጸዋዕታ
ካብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ
መዓልቲ ናጻነት ኤርትራ፡ ጉንበት 24፡ 2020 ኣብ እትኣትወሉ፡ ኩላትና ኤርትራውያን፡ ን30 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ ብምክያድ ናይ ዝተረጋገጸ ሃገራዊ ናጻናትና መበል 29 ዓመት በዓል ከነኽብር ኢና። ዓሰርተታት ናይ ኣሽሓት ዜጋታት፡ እቲ ዝኸበረ ዋጋ፡ ማለት ሂወቶም፡ ምእንቲ ናጻነት ክስውኡ ከለዉ ሰላማዊት፡ ደሞክራሲያዊት፡ ብልጽግቲ ሃገር ንምህናጽ ብዝነበሮም ትጽቢት እዮም ዝተበጀዉ። ብአንጻሩ ግን፡ እቲ ኩሉ ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍለሉ ትጽቢታት ተወጊኑ፡ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ሓደ ካብቶም ዓለምና ዝረኣየቶም ሕሉፋት ጨቆንቲ ዝኾነ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ናይ ህግደፍ ሰበስልጣናትን ናብ ዝግዘኣሉን ዝርገጸሉን ኩነታት’ዩ ኣምሪሑ። ኣብ ትሕቲ’ዚ ዓማጽን መላኽን ዲክታቶሪያዊ ስርዓት’ዚ፡ ሂወት ህዝቢ ኤርትራ ብራዕድን ሽበራን ዝተዓብለለ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።
መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቀጻሊ ናይ ውግእ ኩነታት ከም ዝጐዓዙ ተጌሩ።
ኤርትራ ሰብአዊ መሰል ዝተሓረማ፡ ግዘአተ-ሕጊ ዝተነፍጋ፡ ሕገ ኣልቦ ማእሰርትን ምቕያድ ዜጋታትን ዝሰፈና፡ ናይ ምዝራብን ማሕተምን ነጻነት ዘይብላ፡ ነጻ ዕዳጋ ዝበኾረላ፡ ደረት ኣልቦ ጻማ ዘይርከቦ ናይ ኣስገዳድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሰፈነላ ሃገር ኮይና ኣላ። እዚ ኩነታት’ዚ ብሓፈሽኡ ንህዝቢ ኤርትራ ንመንእሰያቱ ድማ ብፍላይ፡ ብናይ ኣሽሓት ሕፍሶ ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ስደት ከምርሑ ይግድዶም። እታ ብዙሕ ተስፋታትን ተኽእሎታትን ዝተነብረላ ዕሸል ሃገር ብዘሕዝን ኣገባብ ናብ ናይ ኣፍሪቃ “ሰሜን ኮርያ” ተቐይራ። ኣብዚ ቀረባ ጊዜ፡ ብሓምለ 9፡ 2018፡ ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ንብዙሓት ኣብ ሓጺር እዋን ለውጢ ናይ ምምጻእ ንእሽቶ ናይ ተስፋ ብልጭታ ሂቡ ኔሩ’ዩ። ይኹንምበር እቲ ክሳብ 100,000 ሂወት ዘብረሰ፡ ብዶብ ዘሳበበ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ቀታሊ ምርጻም ንምዝዛም ዝተበጽሔ ስምምዕ ኣይተተግበረን። ኢትዮ-ኤርትራዊ ዶብ ጌና ኣይተሓንጸጸን።
ባይቶ ሰበአዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝሕብሮ፡ ኣብ መጋቢት 2020 ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝቐረበ ፍሉይ ጸብጻብ፡ “ዝኾነ ጭቡጥ መረጋገጺ ናይ ምስጓም የለን” ዝብል እዩ። በዚ ድማ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ምስግጋር፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝፍጸም ዘሎ ፖለቲካውን ሰብኣውን ዓመጻትን ግህሰታትን ጉልባብ ፈጢርካ፡ ዲክተይተር ኢሳያስ ኣፈወርቅን ስርዓቱን ተሓታትነት ብዘይብሉ ግፍዓዊ ተግባራቶም ንክቕጽል ዘገልግል መናወራት ካብ ምዃን ንላዕሊ ካልእ ፋይዳ ከም ዘይብሉ ተጋሂዱ’ዩ። ከም ኤርትራውያን ኣመሪካውያን መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ከነኽብር ሓበን ይስመዓና። ይኹንምበር፡ ዋላኳ ኤርትራ ናጻን ልዑላዊት ሃገርን እንተኾነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጅምላዊ ግፍዕታትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላቱን ከም ዘይተናገፈን፡ ካብ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ንነጀው እውን ንዓሰርተታት ዓመታት ንፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ ግድላትን ጭቆናታትን ከም ዝተጋለጸን ክንዝክር ናይ ግድን እዩ። እዚ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ዘይንቡርን ኢሰበአዊን ኩነታት’ዚ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣፍሪቃዊ ሓድነት፡ ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ማሕበረኮም ብሰፊሑ፡ ስርዓት ኤርትራ፡ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ከኽብር፡ ብድሕነትን ሰላምን ዜጋታት ግሉጽነትን ተሓታትነትን ከዘውትር ንኸገድዱ ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎ ጉዳይ ይገብሮ።
ኣብዚ ቀረባ ጊዜ፡ ብሓምለ 9፡ 2018፡ ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ንብዙሓት ኣብ ሓጺር እዋን ለውጢ ናይ ምምጻእ ንእሽቶ ናይ ተስፋ ብልጭታ ሂቡ ኔሩ’ዩ። ይኹንምበር እቲ ክሳብ 100,000 ሂወት ዘብረሰ፡ ብዶብ ዘሳበበ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ቀታሊ ምርጻም ንምዝዛም ዝተበጽሔ ስምምዕ ኣይተተግበረን። ኢትዮ-ኤርትራዊ ዶብ ጌና ኣይተሓንጸጸን። ባይቶ ሰበአዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝሕብሮ፡ ኣብ መጋቢት 2020 ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝቐረበ ፍሉይ ጸብጻብ፡ “ዝኾነ ጭቡጥ መረጋገጺ ናይ ምስጓም የለን” ዝብል እዩ። በዚ ድማ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ምስግጋር፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝፍጸም ዘሎ ፖለቲካውን ሰብኣውን ዓመጻትን ግህሰታትን ጉልባብ ፈጢርካ፡ ዲክተይተር ኢሳያስ ኣፈወርቅን ስርዓቱን ተሓታትነት ብዘይብሉ ግፍዓዊ ተግባራቶም ንክቕጽል ዘገልግል መናወራት ካብ ምዃን ንላዕሊ ካልእ ፋይዳ ከም ዘይብሉ ተጋሂዱ’ዩ። ከም ኤርትራውያን ኣመሪካውያን መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ከነኽብር ሓበን ይስመዓና። ይኹንምበር፡ ዋላኳ ኤርትራ ናጻን ልዑላዊት ሃገርን እንተኾነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጅምላዊ ግፍዕታትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላቱን ከም ዘይተናገፈን፡ ካብ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ንነጀው እውን ንዓሰርተታት ዓመታት ንፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ ግድላትን ጭቆናታትን ከም ዝተጋለጸን ክንዝክር ናይ ግድን እዩ። እዚ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ዘይንቡርን ኢሰበአዊን ኩነታት’ዚ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣፍሪቃዊ ሓድነት፡ ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ማሕበረኮም ብሰፊሑ፡ ስርዓት ኤርትራ፡ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ከኽብር፡ ብድሕነትን ሰላምን ዜጋታት ግሉጽነትን ተሓታትነትን ከዘውትር ንኸገድዱ ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎ ጉዳይ ይገብሮ።
ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ስደት ማዓልቲ ናጻነት ኤርትራ ከነብዕልን ክንጽምብልን ከለና ሃለዋት ናይቶም ብአሽሓት ዝቑጸሩ፡ ናይ ጥዕና ሽግር ዘለዎም፡ ካብ ስድራቤቶም ዝተነጸሉ ትሕተ-ዕድመ ቆልዑ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም፡ ኣብ መላእ ዓለም ተበታቲኖም ንስቓይን ሞትን ዝተቓልዑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከይዘንጋዕና እዩ። ብዙሓት ካብዞም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ከም’ኒ ኢትዮጲያ፡ ሱዳን፡ ሊብያ ክዕቆቡ ዝፍትኑ ግዳያት ዘይሕጋዊ ሰብአዊ ጠለፋን መጭወይትን ዝኾኑ እዮም። ናይ ኤርትራውያን ይኹን ብዓቢኡ ናይ ኣፍሪቃውያን/ጸለምትን ስደተኛታት ዝምልከት ቅልውላው፡ ኣብ ኣዚዩ ዘስግእ ኩነታት’ዩ ዘሎ። ኮቪድ-19 ተላባዒ ሕማም ተወስኺዎ ድማ፡ ካብ ዝነበሮ ንላዕሊ ዝበኣሰ መዓት ኮይኑ’ሎ። ኣብ ሊብያ ዝነበረ ናይ መዳጎኒ ማእከላት ብምዕጻዉ፡ ስደተኛታት ዝኸድዎ ቦታ ዘይብሎም ዘርሚ-ዘርሞ ክኾኑን፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣብ ዘይረኽብሉ ንልኽፈት ቫይረስ ክቃልዑን ጌሩ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓደ ካብቲ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝሰፈሩሉ መደበር ስድተኛታት ብምዕጻው፡ ናብ ካልእ ብብዝሒ ዝተጨቓጨቐ መደበር ክጥርነፉ ዘውጸኦ መደብ፡ ብኮቪድ-19 ቫይረስ ናይ ምልካፍ ሓደጋ ኣዚዩ ኣዛይድዎ ይርከብ። ኣብ እንነብሩሉ ሃገር፡ ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ እንተኾነ’ውን፡ ብዙሓት ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ብብዝሒ ዘጥለቕለቐ መዳጎኒ ማእከላት ብምህላዎምን፡ ምስቲ ዝህልዎም ናይ ባህልን ቋንቋን ድሩት ዓቕምታት ተደሪቡ ብኮቪድ-19 ቫይረስ ናይ ምልካፍ ተኽእሎ ኣብ ኣዚዩ ኣስጋኢ ደረጃ ዓሪጉ ይርከብ።
ብዙሓት ኣህጉራዊ ውድበታት፡ ኣፍሪቃዊ ሓድነትን ናይ ሕብራት ሃገራት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተሓወሰኦ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ዝወዓሎም ዓበይቲ ግህሰታት ሰብኣዊ፡ ሲቪካዊ፡ ሃይማኖታዊ መሰላት ድሮ ድምጸን ኣስሚዔን’የን። ኣብ 2015 ከመኡውን 2016 ናይ ሕብራት ሃገራት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፡ ፍሉይ ጸብጻብ ከቕርብ ዝተመዘዘ ኣካል መርማሪ ኮምሽን ጉዳይ ሰበአዊ መሰላት ኤርትራ፡ ዘጉላዕለዔ “ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝተፈጸመ ግፍዕታት” ከም ዝረኸበ ኣስሚሩ። ኣብ ቀረባ፡ ኣብ መጋቢት 2020፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ብኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ጸብጻብ ከቕርብ ዝተመዘዘ ኣካል’ውን፡ ኣብ ኤርትራ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝጸንሔ ጨቋንን ኢሰበአውን ኩነታት ምምሕያሹ ዘረጋግጽ ዝኾነ ይኹን ጭብጢ የለን ይብል። በዚ ድማ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ከምኡውን ኣህጉራዊ ማሕበረኮም ብሰፊሑ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ህዝብን፡ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርዮም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ኣሰቃቒ ሂወት ዝግበኦ ኣድህቦ ብምሃብ ነዘን ህጹጽ ጠመተ ዝሓታ ኣገደስቲ ጉዳያት ኣብ ምትግባር ዝከኣሎም ደገፍ ከበርክቱ ኣቤቱታና ነቕርብ።
- ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ካብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መዳጎኒ ማእከላት ምፍታሕ፡
- ኣብ መላእ ዓለም ፖለቲካዊ ዑቕባ ንዝሓቱ ኤርትራውያን ሰብኣውነቶም ምኽባር፡ ተቐባልነት ከም ዝርኽቡ’ውን ምርግጋጽ።
- ኣብ ሊብያ ብዘሎ ኩናት ሕድሕድ ምኽኒያት፡ ኩሎም ኣብታ ሃገር ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት(UNHCR) ዝተመዝገቡ፡ ብፍላይ ከኣ ጥዕና ዘይብሎም፡ ካብ ቤተሰቦም ዝተነጸሉ ትሕተ-ዕድመ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ናብ ድሕነቶም ዝሕለወሉ ምግዓዝ።
- ክሳብ እቲ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ዘየልገሰ፡ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ምጥራዝ ምእጋድ።
- ኣብ ኤርትራ ግዝኣተ-ሕጊ ንኽሰፍን ናይ ኤርትራ ቅዋም ክትግበር ምድፋእ።
- ኩሎም ናይ ሕልና እሱራት ምፍታሕ፡ ሃይማኖታዊ ውገዛ ምልጋስ።
- ንመንግስቲ ኤርትራ ዝወሃብ ኩሉ ዓይነት ገንዘባዊ ሓገዛትን ለቓሓትን፡ ነጻ ተቖጻጻርነትን ግሉጽነትን ብዘለዎ፡ ሰራሕተኛታት ብመሰረት ስርሖም ዝግበኦም ደሞዝ ብዝረኽብሉን፡ ኣህጉራዊ ናይ ዕዮ ሕግታት ብዝኽበረሉን ኣገባብ ከም ቅድመኩነት ዝተሰነየ ክኸውን ምግባር።
- ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ምክትታል ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ቀጻልነት ምርግጋጽ።
- ሕቡራት ሃገራት ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝበጽሖ ነገራት ክስረሓሉን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ናይ ህግደፍ ሰበ-ስልጣናትን ኣንጻር ሰብኣውነት ብዝፈጸምዎ ገበናት ክሕተቱ ኣብ ቅድሚ ኣህጉራዊ ናይ ገበን ቤትፍርዲ ምቕራብ።
ካብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ደቂ ኣንስትዮ ሰምየን ኣመሪካ ጉንበት 17፡ 2020
As Eritrean Independence Day approaches on May 24, 2020, Eritreans will be honoring 29 years of independence, which resulted from a 30-year armed struggle. The ultimate sacrifice in life is, one’s life, and hundreds of thousands of Eritreans sacrificed their lives for freedom, independence, and self- governance. Unfortunately, the heavy price paid for freedom, instead, has led Eritreans to be ruled under one of the world’s most enduring totalitarians, Isaias Afwerki and officials of the People’s Front of Democracy and Justice. As a result of this oppressive dictatorship and authoritarian rule, fear and repression has become the horrendous reality for the people of Eritrea. Eritrea has become a nation where Human Rights are non-existent, forcing thousands of Eritreans to flee their country in masses. A nascent nation that once had so much hope and potential has instead turned into the “North Korea of Africa.”
Although many Eritreans in the Diaspora will be honoring and celebrating Eritrean Independence, there are also thousands of Eritrean refugees, which include, the sick, unaccompanied minors, women and babies that are dispersed throughout the world suffering and dying. Many Eritrean refugees taking refuge in neighboring countries, such as Ethiopia, Libya and Sudan have fallen prey to human traffickers and kidnapping. The migrant crisis as it pertains to Eritreans and the overall African/Black migrants’ crisis is a very detrimental situation. With the addition of the current COVID-19 Pandemic, the plight of refugees becomes even more so catastrophic. The closure of many detention centers in Libya, have left refugees stranded with nowhere to go, and vulnerable to contracting the virus with no health net in place. The Ethiopian government introduced plans to close a refugee camp that holds thousands of Eritrean refugees and move these refugees to another overcrowded refugee camp, increasing the risk of these refugees in contracting COVID-19. Here in the United States, many Eritrean refugees seeking asylum are being detained in crowded detention centers also making them vulnerable in contracting COVID-19; and the lack of competent language and cultural resources also places them at an even worse disadvantage and greater risk. Therefore, we urge the United States, the European Union, the United Nations, and the International Community,
- Release Eritrean refugees and asylum seekers from U.S. detention centers.
- Eritreans who are asking for political asylum anywhere in the world should be accorded humanitarian treatment and be given political asylum.
- Due to the Civil War in Libya it is urgent that all Eritrean refugees in Libya registered with the UNHCR be immediately evacuated to safety; and resettled in a safe 3rd country especially the sick, unaccompanied minors, women, and babies.
- No Eritrean should be repatriated back to Eritrea so long the current regime is in power.
The recent peace deal brokered between Isaias Afwerki and Abiy Ahmed on July 9, 2018, gave many a small glimmer of hope that change may be imminent. However, the Peace Accord, ending the deadly border conflict between both nations, where 100,000 lives were lost, has yet to be resolved since the border still has not been demarcated. According to the United Nations Human Rights Council, in March 2020, the UN Special Rapporteur on the situation of human rights in Eritrea stated there had been “no concrete evidence of progress.” Ultimately, the normalization between Eritrea and Ethiopia is simply a veneer for the authoritarian leader of Eritrea, Isaias Afewerki, to continue to rule with an iron fist; and evade the political and human rights atrocities facing the nation of Eritrea and its people.
As Eritrean Americans we are very proud to honor Eritrean independence; and although Eritrea is a sovereign state, the people of Eritrea are still not free of gross abuse of human rights, enduring close to three decades of political, economic, social, hardship and repression. Therefore, it is essential for the United States, European Union, the United Nations, and the international community to place pre-conditions upon the Eritrean regime to uphold human rights, transparency, and accountability to the welfare of its citizens. In 2015 and 2016, the United Nations Human Rights Council, Special Rapporteur, Commission of Inquiry on Human Rights, found widespread, “Crimes Against Humanity,” committed in Eritrea. Therefore, the following pre-conditions are imperative.
- Implement the rule of law: Eritrean Constitution
- Free all prisoners of consciousness; End all religious persecution.
- Freedom of speech, press, opinion, expression, religion, peaceful assembly & association.
- Abolish indefinite and compulsory national military service.
- Any financial grant or loan provided to the Eritrean regime should be independently audited with transparency; verifying the wages and salary of its employees allowing them to earn fair wages by proper employment in accordance with international labor standards.
- Support extension of the Mandate of the United Nations Special Rapporteur on Eritrea.
- Immediately act upon the findings of the COIE and hold Isaias Afwerki and senior PFDJ officials accountable for crimes against humanity, and face justice at the International Criminal Court.