ጸላም መዓልቲ 18 መስከረም ማሕላና ነሔድሰላ ነዞም ኣብ ጎዳጉዲ ክነብሩ ዝተፈርዱ ኣሕዋትና ካኣ ብኽብሪ ንዝክረላ ዕለት ኢያ።

ህዝቢ ኤርትርራ ብዕሊ ኣፉ ክዕጾን ንመሰሉ ከይሐትትን ዝተፈርደላ ጸላም መዓልቲ ኢያ፡ሙኩራት ጋዜጠኛታትና ሕቶኦም ኣክንዲ ህዝቦም ንዲሞክራሲ ንፍትሒ ዝበሉ ኣብ ጎዳጉዲ ክሕየሩን ክሞቱን ዝተፈርዱላ ዕለት ኢያ።ከምኡውን ኣብ 2001 ዓመት ንላዕለዎት ሐለፍቲ መንግስቲ ኣብ ሕቶ ምልክት የእትዩዎም ዝነበረ ዜጋታት ኣብ ቀይዲ ይእቲዩዎም ኢዩ። ኻብቲ ዝገርም ውን ካብኡ ጀሚሩ ኢዩ ዲክታቶር ኢሰያስ ፈራዲ ኣካል ባዕሉ ሚንስትሪ ሃገር ባዕሉ ጋዜጠኛ ባዕሉ ኮታ ንኹሉ መሬየት ኤርትራን ህዝባን ናይ ብሕቱ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ጌሩ ነዛ ሃገር ረሚሱዋ ዘሎ። ነዞም ጀጋኑ ኣብ ክንዲ ኣፍ ህዝብና ኮይኖም ንእስነቶም ኣብ ሰብ ክጻወሩ ዘይካእል ክሌማ ኣብ ጸልማት ን18 ዓመት ዝተኣሰሩልና ንሕና ኻኣ እዞም ህሉዋት ተቃለስቲ ኣለና ኣሕዋትኩም ኣይረሳዕናኩምን ንበሎም ዓቢ ሞጎስ ዝግበኦም ጀጋኑ ኢዮም።