ንኹልኽን ኣሕዋት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ተቀማጦ ኣብ ሂዩስተንን ከባቢኣን፡

Image may contain: tree, text, nature and outdoor

ኹቡራት ኣሕዋት ብቀዳምነት ዕዙዝ ሰላምታና ነቅርብ ብምቅጻል ካኣ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኽን ጽቡቅ ክትህልዋ ትምኒትና ኢዩ።እምበኣርከስ  ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ዝተጀመረሉ ዕለት  መስከረም 1/1961  ሰለዝኾነ ነዚ ዕዙዝ ፍላሚ ብረታዊ ቃልስና ኻኣ ክብሪ ንምሃብ በዚ ኣጋጣሚ ኩልና ነዛ ታሪኻዊት መዓልቲ ንምብዓል ዓቅምና ንዘፍቅዶ ኩልና ተኣኪብና ነዚ ወሪዱና ዘሎ ሽግር ክንመያየጥን ከሙኡ ውን ማሕላና ነከነሔድስን ንዳሎ። ንሕና ምስ ህዝብና  ወጽዓ ህዝቢ ወጽዓና ስለዝኾነ ሐላፍነት ተሰኪምና ነዘን ኣብቲ ስርዓት ዘለዋ ኣሕዋትና ውን ከነረዲኤን ሐላፍነት ኣለና።ስለዚ ነዚ በዓል ዝኸውን ኩልና በብክእለትና ሕምባሻ ሻሂ ቡን ጌርና ክንዳሎ ብኽብሪ ነተሐሳስብ ፡ኣድራሻ ጌና ኣይወጸን ዘሎ ንግዝዩኡ ግን ኩልና ደቂ ኣንስትዮ ክንዳሎ ንምሕጸነክን።እንተተኻኢሉ ውን ኩልና ሐምላይ (green)ሕብሪ ዘለዎ ካምቻ ወይ ክዳን እንተተረኺቡ ጽቡቅ ኔሩ ንምንታይሲ ነቲ ክብረትን መስዋእትን ናይቶም ኣቦታትናን ኣያታትናን ተዘክሮታት ኢዩ ኢልና ስለ ተመያየጥና ኢዩ።

ዕለት 9/1/2019

ሰዓት ካብ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀጥሪ -8፡00 ምሽት ኢዩ

ካብ ግዝያዊት ሽማግለ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ሂዩስተን

ሕቶ ወይ ክንውሰኾ ዘድሊ ምድላዋት እንተሎ ደውላ ናባይ ወይ ናብ ርግኣት ኣብርሃ

ብደሐን ምጻ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *