ኹቡራት ኣሕዋት ብቀዳምነት ዕዙዝ ሰላምታና ነቅርብ ብምቅጻል ካኣ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኽን ጽቡቅ ክትህልዋ ትምኒትና ኢዩ።እምበኣርከስ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ዝተጀመረሉ ዕለት መስከረም 1/1961 ሰለዝኾነ ነዚ ዕዙዝ ፍላሚ ብረታዊ ቃልስና ኻኣ ክብሪ ንምሃብ በዚ ኣጋጣሚ ኩልና ነዛ ታሪኻዊት መዓልቲ ንምብዓል ዓቅምና ንዘፍቅዶ ኩልና ተኣኪብና ነዚ ወሪዱና ዘሎ ሽግር ክንመያየጥን ከሙኡ ውን ማሕላና ነከነሔድስን ንዳሎ። ንሕና ምስ ህዝብና ወጽዓ ህዝቢ ወጽዓና ስለዝኾነ ሐላፍነት ተሰኪምና ነዘን ኣብቲ ስርዓት ዘለዋ ኣሕዋትና ውን ከነረዲኤን ሐላፍነት ኣለና።ስለዚ ነዚ በዓል ዝኸውን ኩልና በብክእለትና ሕምባሻ ሻሂ ቡን ጌርና ክንዳሎ ብኽብሪ ነተሐሳስብ ፡ኣድራሻ ጌና ኣይወጸን ዘሎ ንግዝዩኡ ግን ኩልና ደቂ ኣንስትዮ ክንዳሎ ንምሕጸነክን።እንተተኻኢሉ ውን ኩልና ሐምላይ (green)ሕብሪ ዘለዎ ካምቻ ወይ ክዳን እንተተረኺቡ ጽቡቅ ኔሩ ንምንታይሲ ነቲ ክብረትን መስዋእትን ናይቶም ኣቦታትናን ኣያታትናን ተዘክሮታት ኢዩ ኢልና ስለ ተመያየጥና ኢዩ።
ዕለት 9/1/2019
ሰዓት ካብ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀጥሪ -8፡00 ምሽት ኢዩ
ካብ ግዝያዊት ሽማግለ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ሂዩስተን
ሕቶ ወይ ክንውሰኾ ዘድሊ ምድላዋት እንተሎ ደውላ ናባይ ወይ ናብ ርግኣት ኣብርሃ
ብደሐን ምጻ።