ሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ፣ ሓሙሽተ መነኩሳት ደብረ-ቢዘን ኣሲሮም Dictator Isseyas arrested 5 priest from Debre bizen Radio Erena: 13 June 2019

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሎሚ ሓሙስ 13 ሰነ፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ሓሙሽተ መነኩሳት ደብረ-ቢዘን ከምዝኣሰሩ ተሓቢሩ።

እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ መነኩሳት፣ ኣባ ማርቆስ ገብረኪዳን፣ ኣባ ክብርኣብ ተኪኤ፣ ኣባ ኪዳነ ማርያም ተኸስተ፣ ኣባ ገብረትንሳኤ ዘሚካኤል፣ ኣባ ገብረትንሳኤ ተወልደመድህን ምዃኖም ኣባ ሰመረ ካብ እስራኤል ንሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ኣባ ክብራብ ተኪኤ ኣቐዲሞም’ውን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ’ዮም።

ጠንቂ ምእሳር እዞም፣ ሰለስተ ካብ ኣቶም ኣብ ክሊ ዕድመ መፋርቕ 70ታት ዝርከቡ መነኩሳት ደብረ-ቢዘን፣ ምስቲ ኣብ መንጎ ህግደፍን ኣብ ቤት ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝፍጽሞ ዘሎ ምትእትታውን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ኣባ ሰመረ ካብ እስራኤል ብቴሌፎን ዝሃቡና ዝርዝራዊ መብርሂ ስዒቡ ይቐርብ።

by Radio Erena

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *