ናይ ዝተናወሓ ፖለቲካን ዝመረረ ዕጥቃዊ ቃልስን ተሞክሮ ዘለዎም ኤርትራውያን እንታይ ይገብሩ ኣለው? ተኣምራታዊ ኢድ ኣእታውነት ፈጣሪ ድዮም ዝጸበዩ ዘለው

Image result for eritrea isayas and abiy at saudi

ዕርቀ ሰላም ዝበሃል ነገር ምስ ኢትዮጵያ ካብ ዝጅምር ንነጀው ኤርትራውያን ብሕልፊ’ቶም ብጉዳይ ሃገሮም
ዝግደሱ ቅሳነት ኣይረኸቡን። ሓደ ካብ’ቲ ክሻቐሉ ዝገብሮም ዘሎ ምኽኒያት ድማ፡ ኩሉ ግዜ ብሕቡእ
ምስምማዕ ከም ፖለቲካዊ መርሆ ዝሓዘ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብስውር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር
ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ዝገበሮን ገና ዝገብሮ ዘሎ ውዑላት’ዩ። ብፍላይ ከኣ እዚ ዝበሃል ዘሎ
ስምምዓት ንልኡላውነት ሃገረ ኤርትራ ዝጻባእ ወይ ዝሸራርፍ ስትራተጂካዊ ውዲት ኣለዎ ዝብል’ዩ።
ሻቕሎት ኤርትራውያን እዚ ብህዝቢ ዘይተመርጸን ናይ ህዝቢ ደገፍ ድማ ዘይብሉን ውልቀ መላኺ፡
ብመንጽር ነዛ ሃገር ሃገር ክትከውን ዝኸፈልዎ መስዋእቲ ኣብ ግምት ብምእታው ናብ ፍጹም ዘይምህላው
ስትራተጂካዊ ዋጋ ዕዳጋ የውርዳ ኣሎ ካብ ዝብል ከቢድ ስግኣት ዝምንጩ’ዩ። ብሓቂ ኤርትራውያን ንስለ
ሃገራዊ መንነቶምን ህዝባዊ ሓርነቶምን ክብሉ ዝኸፈልዎ ዋጋ ታሪኽካ ዝውዳእ ኣይኮነን። እቲ ብምኽንያት
ዶብ ዝኽሰርዎ ክድመሮ እንከሎ ድማ ነቲ ሻቕሎት መሊሱ ሰማይ የዕርጎ። እቲ ሻቕሎት ስቕ ኢሉ ብስምዒት
ዝተፈጥረ ኣይኮነን። ብር መምስ ኣበሉ፡ ብዛዕባ’ቶም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣካሎም ዝጎደሉ፣
ኣእምሮም ዝተናወጹ፣ ክቡር መስዋእቲ ድማ ዝኸፈሉ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ ቅድሚኦም ቅጅል ስለ
ዝብሎም’ዩ።
ኣብ’ዛ ነጻ እትበሃል ኤርትራ ብሰንኪ’ዚ ናይ ስልጣን ገበተ ኣረጋጊጹ ዘሎ ውልቀ መላኽን ውሑዳት እሺ
በሃልትን ኩሎ መሰላቶም ተሓማቲሉ ይርከብ። እወ እዚ ውልቀ መላኽን ውሑዳት እሺ በሃልቲ ናይ ሕልና
ምሩዃቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ይቕረ ዘይበሃሎ ገበታ ገበናት ፈጺሞምን ይፍጽሙ ኣለውን።
እቶም እሺ በሃልቲ ልኡኻት ‘ምበር ናይ ገዛእ ርእሶም መንነት የብሎምን። ከም ሰብ ይዛረቡ ናይ ጥዑይ ሰብ
ኣተሓሳስባ ግን የብሎምን። ካብ ዝሓለፈ ተግባሮም ኣይመሃሩን። ሰብ እንታይ ይብለና፡ ታሪኽ ብኸመይ
የስፍረና፡ ንደቅና ደቂ ደቅና እንታይ ሓዲግናሎም ንኸይድ ኢሎም ኣይጭነቑን። ቀጻልነት ህይወቶም ምስ
ቀጻልነት ስልጣን ኢሳያስ ኣተኣሳሲሮም ስለ ዝሪኡ፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ገበናዊ ተግባሮም
ክቕጽሉ’ዮም።
ኣብ’ዚ እዋን ዝረአ ዘሎ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ምጸት’ዩ። ናይ ኢሳያስን እሺ በሃልቱን ፖለቲካዊ ቅለት
ድማ የመልክት። ኢሳያስን እሺ በሃልቱን ንስሙ መንግስቲ’ዮም ዝጽዋዑ። ብተግባር ግን ዝናን ጉጅላዊ
ረብሓን ‘ምበር ህዝቢ ተኸላበተ ጠመየ ሞተ ጉዳዮም ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ሓድነቱ ክበታተኽ፡ ብድኽነት ዛንዛን
ክብል፡ ብፖለቲካዊ ድሕረት ሕድሕዱ እናተመናጨተ ክነብር ‘ሞ ሓታቲ ኣልቦ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ደይቦም
ከም ቁርዲድ ደም ሰብ ክማጽዩ ዘኽእሎም ባይታ ኣብ ምድልዳል’ዮም ግዜኦም ዘሕልፍዎ።
ኤርትራውያን ነዚ ከምዚ ዝበለ ዘቤታዊ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ብኸምቲ ዝለመድዎ ተቓሊሶም ክስዕርዎ
ትጽቢት ይግበር። ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግን ኤርትራዊ ሕብረትን ሓርበኝነትን ትማሊን ሎምን ዘበለ
ይመስል። ትማል ጀጋኑ ነይሮም። ትማሊ ሕብረት ነይርዎም። ትማሊ ይረዳድኡ ነይርዎም። እዚ ምስ
ኤርትራ ቅርበት ዘለዎም ወጻእተኛታት ዝምስክርዎ ሓቂ’ዩ። ሎሚ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ግን ብኣንጻሩ’ዩ።
ትማሊ ብጀግንነትን ሕብረትን ዝተደነቑ ወጻእተኛታት፡ ሎሚ ብፖለቲካዊ ውድቀት ኤርትራውያን ክግረሙ
ክሓዝኑ እንታይ ረኺብዎም ኢሎም ክሓቱ ይስምዑ።
ብርግጽ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ኣንጻር ኢሳያስን እሺ በሃልቱን’ዮም። ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት፣ በርገስ
ማሕበራት፡ መራኸቢ ብዙሓን ኣንጻር ኢሳያስን እሺ በሃልቱን ዝተሰለፉ ኣለው’ዮም። ምቅዋሞም ጽቡቕ።
ተቓውሞኦም ብዝተወደበ መልክዕ ምግባሮም’ውን ኣዝዩ ጽቡቕ። እቲ ተቓውሞ ግን ኣንፈቱ ንጹር ኣይኮነን።

ሓድነቶም’ውን ተሪር ኣይኮነን። ልሕሉሕ’ዩ። ተወፋይነቶም ኣይከም ትማልን ጎዲሉ’ዩ። እቲ ግፍዒ ናይ
ሎሚ ይኸፍእ። ኣገጣጥማኦም ድማ ናይ ሎሚ ይደክም።
አረ እንታይ’ዩ ወሪድዎም? ዝሓለፈ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ዝተረገጽናዮ ይኣኽለና በቃ ዘይብሉ እንታይ ኮይኖም?
ሓንቲ ኣብ ለንደን ትነብር ኤርትራዊት ነዚ ጉዳይ ኣመልኪታ ዝበለቶ ሓቂ ክጠቅስ፡ ዋእ ነዚ ድኹም ብሓደ
ሰብ ዝዝወር ጨፍላቒ መንግስታዊ ጉጅለ ሓቢርና ብምቅላስ ከይንኣልዮ ዝእግመና እንታይ’ዩ? ካብ ባዕልና
ሓሊፍና ንመን ኢና ንጽበ? “መለኮታዊ ተኣምራታዊ ኢድ ኣእታውነት ዲና ንጽበ ዘለና?” ክትብል ብሕራነ
ገሊጻ። እዛ ሰብ ሓቃ’ያ። ቅድሚ 1991 ጥራሕ ልዕሊ 20 ዓመት ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ፣ ልዕሊ 30 ዓመት
መሪር ደማዊ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣካይዶም ከብቅዑ፡ ኣስታት 30 ዓመት ኣብ ትሕቲ ዘቤታዊ ምልኪ ተመቚሖም
ክነብሩ ንክትሓስቦ ዘደንጹ’ዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ቶም ኣብ ኣፍሪቃ ብስርዓት ዝነባበሩ ህዝብታት ሓደን ኣብነታውን’ዩ። እሞ ሎሚ ደኣ
እንታይ ተረኽበ ኣብ ሓደ ሰብ ምምላኽን ካብኡ ምሕረት ምጽባይን? ኣበይ ጠፊኡ እቲ ዘደንቕ ኣወንታዊ
ክብርታት? ኣበይ ኣሎ እቲ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝተራእየ ትብዓት? ሓደ ሰብ ንልዕሊ 6 ሚሊዮን ህዝቢ ከም
ቃሕታኡ ክገዝኦ ነቲ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝምስክሮ ድሙቕ ሃገራዊ ሓርበኝነታዊ ቅያ ዘህስስ’ዩ። እምበር’ዶ
ትማሊ ብውነ ብናቶም ውሳነ’ዮም ይቃለሱ ነይሮም? ሎሚ ደኣ እንታይ ኮይኖም ናይ ፖለቲካዊ ሀሁ
ጠፊእዎም ኢሎም ዝሓቱ ብዝሓት’ዮም።
ኢሳያስ ብፈራሕ ጨካን በትሩ ጥራሕ ዘይኮነ በተሓሳስባ’ውን ንውሑዳት ዘይኮኑ ኤርትራውያን
ዝተቖጻጸሮም’ዩ ዝመስል። ዝበለ እንተበለ ትርጉም ብዘለዎ ኣገባብ ከምዘይቃወምዎ ግዲ ተረዲኡ ብሓሳብ
ክገላበጥ ይስማዕ። ብዛዕባ ምጅማር ኲናት ባድመ ኣመልኪቱ እንታይ ይብል ከም ዝነበረ፡ ኣብ’ቲ ኲናት
ምስተሳዕረ እንታይ ከም ዝበለ? ኣብ’ቲ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዶባና ኣይተጠረረን ብማለት ንህዝቢ ኤርትራ
ከም ብሓጺን ሸንሸል ዝተኣሰረ ከልቢ ዓጽዩ ከመይ ከም ዝተገናዘየሉን ከም ዝረመሶን፡ ካብ 20 ሰነ 2018
ንነጀው እንታይ ይገብር ኣሎን እንተተመልኪትና ጥራሕ’ኳ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ወዲቑ ኢሳያስ ክሳብ
ክንደይ ሻዲኑ ከም ዘሎ ዘረጋግጸልና’ዩ።
ኩነታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሻቕል ‘ምበር ሰላምን ተስፋን ዝህብ ከምዘይኮነ እዚ ንሪኦ
ዘለና’ዩ። ኢሳያስ ብዘይ ምኽኒያት ባዕሉ ጸላእቲ ይፈጥር’ሞ ዝጸላእክዎ ጽልኡ ይብል። ባዕሉ ተዓሪቐ
ይብል’ሞ ዝፈተኽዎ ፍተው ይብል። ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 20 ዓመታት ከም ደመኛታት ጸላእቲ ህዝብን
ሃገርን ኤርትራ ገይሩ ዝኹንኖም ወግሐ ጸብሐ ዝጸርፎም ዝነበረ ገለ ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ሓይልታት
ገለ ብቐጥታ ገለ ከኣ ብተዘዋዋሪ ኣብ ሕቕፎም ኣትዩ ትካቦ እናተቐበለ ኣይትሙቱኒ ይብሎም ኣሎ። እዚ
ንኤርትራውያን ዝምጥን ኣይኮነን። ስለዚ ኤርትራውያን ካብ ሓደ ተኣምራታዊ መለኮታዊ ሓይሊ ኢድ
ኣእታውነታዊ ፍታሕ ከይተጸበዩ ንጉዳዮም ባዕሎም ክፍትሕዎ ኣለዎም። ግዜ ድማ ክብዎ ኣይግባእን። ግዜ
ክሳብ ዝወሰዱ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ፍታሕ ፈጺሙ ናብ ዘይርከበሉ ክዓርግ ይኽእል’ዩ።
ነበያት ለማ ካብ ለንደን
ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 22-02-2019

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *