
ብሂወትና ምስትንፋስና ይቀብሩና ኣለው እንዳ ተደምረናል ኣንድሆነናል:ዶር ኣቢ ኢዩ ዝመርሓና ንቀልዓለም ዘይኮነስ ናይባሓቂ ክብል ከሎ ኢሳያስ ብኣንጻሩ ኢዩ:
ኢሳያስ ተሓቢኡ ብድሕሪ መጋረጃ ንዶር ኣቢ ቅያር ዑስማን ሳልሕ ደብዳቤ ሒዙ ሎኽሎኽ ከምዝብል ገይርዎ :ብስውር ንኢትዮጵያ ይመርሓ ኣሎ ብዋጋ ቃልሲ ህዝብና ዝረኸቦ ምዓርግን ስልጣንን ስለዘየዕገቦ ናይ ዓቢ መሬትን ዓቢ ህዝብን ዓቢ መራሒ ናይምኻን ዝነበሮ ሕልሚ ሓሳብ ልቡ ሰሚርሉ ብግሁድን ብስውርን ንኣዲስ ኣበባ ጊዕዞ ተታሓሒዝዎ ኣቲ ማርያም ኣስመረይቲ እንታይ ኢኺ ተርኢይና ዘለኺ ተበልናስ ንማርያም ኣስመረይቲ ሕተትዋ ኮይኑ በይኑ ዝጎይስ ዝቅድሞ ነይብሉ። በይኑ ምስ ዶር ኣቢ ብምስጢር ርክባት በዚሑ ግሉጽነት ዘይብሉ ምስ መን ተማኺርካ ኢዩ እዚ ኩሉ ተብ ተብ ??:
እቶም ደቂ ገርሂ ልባ ክኣ ናይውሽጢ ሃገርና መግለጺ ክገብረልና ኢዪ ኢልና ክንጽበ ቁልጭ ክንብል ወሪሕና:
ኣይግዳዱ ድማ ብዛዕባ ዓለምን ኢትዮጵያን ምሂሩና ሽርብ ኢሳያስ ዝርኣየ ዓይኑ ትብራህ ተበልካስ ኢሳያስ ትመስክር ወረ ገሊኣትናስ ኣንታ ኣብቲ ኣዲስ ኣበባ ኣራት ኪሎ ቤተመንግስቲ ግዒዙ ከይከውን እንዳተጣራጠርና ኢና :
ወዲ ኣፍየ ከይፈቀደሉ መቸም ዶክ ኣቢ ናብ ጥልያን ከይዱ ብዛዕባ ሓዲድ መንገዲ ባቡር ካብ ባጽዕ ተበጊሱ ንኣዲስ ኣበባ ዝኣቱ ምስ መንግስቲ ጥልያን ኣይምተሳማምዔን ::
ከምኡ እውን እዚ ካብ ሱዑዲ ዑረብ ተበጊሲ ንቀይሕ ባሕሪ ቆሪጹ ንኢትዮጽያ ዝኣቱ መስመር ሻምቡቆ ናይ ነዳዲ ብዘይ ፍላጥ ኢሳያስ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ::
እዚ ምቋም ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ
ኩሉ ተዳማሚሩ ነታ ብኽንደይ መስዋእትን ድኻምን ምብትታን ስድራቤታትን ብረዚን ዋጋ ካብ መንጋጋ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ዘውጻእናያ ሃገርና ብጭሉቅ ብዘይወግዓዊ ሓበሬታ ይቆርንዋ ኣለው :
ሎሚዶ ጽባሕ ይትኮስ ዘይተፈልጠ ኣብ ዝተጻወደ ቦምብ ኮፍ ኢላ ዘላ ኢትዮጵያ :ብዋጋ ኤርትራን ህዝባን ህላወ ኢትዮጵያ ክረጋገጽ ኣለዎ :
ብዓል ወዲ ኣፈይ ከም ዝብልዎ ኣብ ግዜ ቃልሲ ብመንጎኝነት ሕብረት ሶቭየት ኣብ በርሊን ምስ ደርጊ ምስጢራዊ ዝርርብ ዝገብሩሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን: ንስኹም ውሑዳት ስለዝኾንኩም ኩሉግዜ ምስ ብዙሕ ህዝቢ ዘለዋን ዓባይ ሃገርን ኢትዮጵያ ኢና ረብሓና ነረጋግጽ ብሰላም ኢድኩም ሃቡ ዝበሉ ሕብረት ሶቭየት ህዝብና ዕጭ ሓንፈፍኩ ኢሉ ክቡር ተዳራራቢ መስዋእቲ ብምኽፋል ናጽነቱ ኣራጋጊጹ ኢዩ::
እዚ ያማማቱ ዝብሃል ኣሜሪካዊ ልኡኽ እንታይ ዝበለ መልእኽቲ ኢዩ ዀን ኣዚዙ ክንድዚ ዞኽዞኽ::
ኢሳያስ ዝርኣየ ዓይኑ ትብራህ
ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ሃገሩ ክሓትትን እዚ ኩነታት እንታይን ከመይን ናበይን ኢዩ ኢሉ ሻቅሎቱ እንዳገለጸ ጸማም እዝኒ ክዋሃቦ ኣይግባእን :ህግደፍ ሰልዲ ክልምን ከሎ መን ከምዚ ጅግና ህዝቢ ኣሎ ኢሉ ክውድስን ክሽሕጥን :ህዝቢ ብዛዕባ መሰሉ ክሓትት ከሎ ከዳዕ ጸረ ሃገር ተባሂሉ ክዝለፍን ክንጸልን ፍትሓዊ ኣይኮነን: መሰልን ጉቡእን ኣብዛ ህግደፍ ዘማሓድራ ሃገርና ጥራይ ኢዮም ተዛቢዖም እንበር ክነጻጸሉ ዘይግብኦም ተማላላእቲ ኢዮም:
ሰብ ኣሓን ይሃድሙ ሰብ ቆራብትን ይዋግኡ ዝዓይነቱ ኢዩ ንደቀባት ኤርትራውያን ካብ ቀይሕ ባሕሪ ነጺልካ ሓደ ዓሳ ጸሚዶም ከይበልዑ ከልኪልካ እቶም ታሪኻውያን ጸላእትና ኣምሓራን የዕራብን ክዕንድሩሉ ምግባር ካብዚ ንላዕሊ ክድዓት የልቦን ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦ ስምምዓት ንጉሆ ንግሆ ይካየድ ኣሎ:
ድርካቦም እቶም ብሕርያ ኢሳያስን ሓለፍቲ ህግደፍን ንይምሰል ዘቆምዎ ባይቶ ንባዕሉ ዝፈልጦ የብሉን ::
በዚ ኣጋጣሚ እቶም ደገፍቲ ህግደፍ ንስኹም ዓው ኢልኩም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ሃገርና ዝኸይድ ዘሎ ክትሓቱን ጸቅጢ ክትገብሩን በዚ ኣጋጣሚ ሕውነታዊ ጻውዒተይ የቅርበልኩም:
እቶም ኢትዮጽጵያውያን ሓድሽ ፍቅሪ ምስ ኢሳያስ ሒዙኩም ብጽሑፍ ትታሃላለኹና ከም ጸረ ሰላም ጌርኩም ትርኢዩና ጸዓዱስ ይፋተው እሞ በብዬትኦም ዓዓድና ሃሃገርና ኣሎና ብዛዕባ ዓድኹም ኣይተዛረብናን ብዛዕባ ሃገርና ክንዛረብ ምሉእ መሰል ኣሎና:
ንኢሳያስ ክትፈትዉዎ ትኽእሉ ኢኹም መሰልኩም ኢዪ ንዓና ግን ዝፈተናዮ ፍተው ኣይትበሉና 27 ዓመት ብዘይ ሕጊ ከም እንስሳ ስለዝገዝኣናን ስድራቤታትና ስለዝበታተነን ይኣክል ኣይንደልዮን ኢና :ንዓኹም ግን ሽፋ ይግበረልኩም ዋላ ንሓዋሩ ውሰድዎ።
ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስውኣትና
ኢዮብ በይን ኣስፍሃ
ዘልኣለማዊ ኽብርን መጎስን ንጀጋኑ ስዋኣትና!!
By Eyob Gogela Bein