መጸዋዕታ ንጉባኤ ህዝባዊ ሽማግለ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን

Image result for german frankfurt city flag

ንቀዳም ዕለት 09.02.2019 ህዝባዊ ጉባኤ ክንገብር ስለዝመደብና፡ ኣብዚ ዝተባህለ ዕለት
ኩልኻትኩም ኣብ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ትነብሩ ደለይቲ ፍትሒን ለውጥን
ንተሳትፎኹም ብኽብሪ ንዕድም። ጉባኤና ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ቅልጡፍ ለውጢ
ኣብዝረኣየሉ እዋን ዝግበር ኮይኑ፣ እታ ዓሰርቴታት ኣሽሓት መስዋእቲ ዝተኸፍለላ
ልዑላዊት ሃገርና ሎሚ መጻኢ ኣንፈቱ ኣብዘይፍለጥ፡ ብውልቀ መላኺ ከምዋኒኑ ዝውሰነኑ
ሓደገኛ እዋን ኢና ኣተኒና ዘለና። ስለዚ ከኣ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ካብ ኩሉ ዝሓለፈ ጊዜ ንላዕሊ
እጃሙ ንኸበርክት ፍሉይ ግዴታ ስለዘለዎ ደጊምና ንተሳትፎኹም ንጽውዕ።
ዛዕባታት ጉባኤ፣
1. ሓፈሻዊ ጸብጻብን ገምጋም ዝሓለፈ ስራሓትናን
2. ምምራጽ ሓዳሽ ሽማግለ
3. መደባት መጻኢ ስራሓትና
ኣኸባ ዝኻየደሉ ግዜን ቦታን
ዕለት: ቀዳም ዕለት 09.02.2019
ሰዓት: ካብ ሰዓት 14:00
ቦታ: ኣዳራሽ ዛልባው ጊርስሃይም
Saalbau Griessheim
Schwarzenlenweg 57, 65933 Frankfurt am Main
ሓበሬታ ብባቡር ትመጹ
ካብ ሃብትባንሆፍ ናብ ሆክስት ገጽ ብኤስባን ቁጽሪ 1 ወይ 2 ኣብ ቀዳመይቲ ሃልትሽተለ
– ግሪስሃይም ባንሆፍ ወርዲኩም ብየማን ዝርከብ ኣዳራሽ እዩ። (F-Hauptbahnhof
mit der S1 oder S1 Richtung F-Höchst an der ersten Haltstelle Griessheim
Bahnhof aussteigen)
ብደሓን ምጹ
ሽማግለ ህዝባዊ ማሕበር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *