ናይ ኣለክሳንደር ፑሽኪን ሓወልቲ እንዳጸላእናስ። ሓወልቲ ጦር ሰራዊት???(ብ ኢዮብ ጞጃለ በይን)

Image may contain: 1 person, text

ሰላም እታ ቅድሚ ኩሉ ነገር ቁልፊ ኮይና ናብ ጎደና ስልጣነ ምዕባሌን እተምርሕ ጥዋፍ ኢያ: ሰላም ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝብህግጋን ዝደልያን ኮቶ የለን:: እዞም ሻለቃ ዳዊት ግን ብጉልባብ ሰላም ተሸፍኖም ነቶም እንቢ ያለ ሰው ጥይት ኣጉርሰው እንዳበሉ ጡብ ኣዴታትና ዝቆረጹን ኣዳራሽ ህድሞታትና ዘቃጸሉን ብጃምላ ዘህሉቁና ዝነበሩ:

ሓወልቲ ክንሰርሓሎም ኣሎና ክብሉ ኸለውስ ክሳብ ክንደይ ብምዓር ዝተሸፈነ መርዚ ኢዮም ኣዳልዮም: እቶም ኩሎም ዝሃለቁ ወታሃደራት ንህዝብና ከጥፍኡ እንበር ንህዝብና ሓርነትን ናጽነትን ከምጹኡሉ ምዓስ ሞይቶም :

ኣብ 2ይ ኪናት ዓለም ኣብ ኖርማንዲ መሬት ፈረንሳይ ንፈረንሳይ ሓራ ንምውጻእ ብዙሓት ወታሃደራት ኣሜሪካ ከም ቆጽሊ ረጊፎም ኢዮም ነዚኦም ኣሽሓት ወታሃደራት ኣሜሪካ ኣብቲ ቦታ መቃብሮምን ሓወልቲ ተነቢሩሎም ቤተሰቦም ይኹን ቱሪስት ብኹርዓት ይበጽሕዎን ሕቋፍ ዕንባባታት የንብሩሉን:

ንዓና ንምድምሳስ ዝወፈረ ሰራዊት ግን ሓወልቲ ዘግብር ምኽንያት የብልናን ኣብቲ ዓዶም ኣብኡ ሓወልቲ ይግበሩሎም:: ማዕረ እቶም ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮም ሓራ ንምውጻእ ብጅግንነት ዝተሰውኡ ኩቡራት ስውኣትና ማዕሪኦም ኣይንርኢዮምን ኢና :ክቀትለካ ኣብ ገዛኻ ኣትዩ ዝቀተልካዮስ ኣብ ገዛኻ ሓወልቲ ግበረሉ ኣይዘረባን: ንዓይ ነንጭዋስ ናብ ሎቆታ ተፋሊጥና ኣለና።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *