ደምዳሚ መግለጺ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ (ማ. ባ.) ግሃድኤ-ሕድሪ

Image result for ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI logo images

ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI

ማእከላይ ባይቶ (ማ.ባ.) ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ- ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) ካብ ዕለት 30 ሰነ ክሳብ 01 ሓምለ 2018 ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣቓኒዑ። እዚ ኣኼባ’ዚ ክካየድ ከሎ ኣካቢቦምና ዘለዉ ኣህጉራውን ዞባውን ህሉዋት ኲነታት፣ ግሃድኤ-ሕድሪ ብከም’ዚ ዝስዕብ ብዕቱብ ገምጊሙ። ብመጀመርያ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብኣህጉራዊ ደረጃ ክትአ ከሎ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ በይናዊ ስጉምትታት እንዳወሰደት ካብ ዝያዳ ዝቐርብኣ መሓዙት ሃገራት እንዳረሓቐትን እንዳተነጸለትን እትኸደሉ ዘላ እዋን ኰይኑ፣ ንዓለም ንበይና ክትመርሕን ክትቈጻጸርን ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ እንዳወረደት ትኸይድ ከም ዘላ እንዳበርሀ ይመጽእ ኣሎ። ብካልእ ወገን ድማ ንዓለም ክመርሑ ከም ተወዳደርቲ ዝቕርቡ ሃገራት ከም ሩስያን ቺናን መምስ መሓዙቶም ዝቕልቀልሉ ወቕቲ ኢና ዘለና። ሩስያ ብዝያዳ ሓያልነታ እንዳኣርኣየት ኣብ ዝተወሰኑ ቦታታት ዓለም ጽልዋታታ እንዳኣድመቐት ትኸይድ ኣላ። በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ቺና ዝዓበየት ቊጠባውን ወተሃደራውን ሓይሊ ኰይና ክትወጽእ ትሰርሓሉ ዘላ መድረኽ ኣለና። ካልእ ዝርአ ዘሎ ተርእዮ ድማ ብየማን ይኹን ብጸጋም ህዝባዊ ምልዕዓል እንዳተገበረ ነቲ ነባር ትካላት መንግስታት ዝቃወም ምንቅስቓሳት ኣብ ኩሉ ክፍለ-ዓለማት ይርአ ኣሎ።

ኣብ ዞባው ኲነታት ክርአ ከሎ ነቶም ብኣህጉራዊ ደረጃ ተዋሳእቲ ዝጸጋግዑ ንኡሳን ናይ ዞባታት ጐብለላት ላዕልን ታሕትን ክብሉ ይርኣዩ ኣለዉ። ኣብ ወሽመጥ ፐርሲያ (ወሽመጥ ዓረብ) ዝዳወባ ክልተ ዞባዊ ሓያላት ኢና በሃልቲ ሃገራት ስዑዲያን ኢራንን መምስ ደገፍቶም ኣብ ወሽመጥ ፐርሲያ ጥራሕ ዘይኰነስ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ’ውን ጽልዋታቶም ከስፋሕፍሑ ክብሉ ኣብ ናይ የመን ውግእ ብቀጥታ ይኹን ብውክልና ዝሳተፍሉ ዘለዉ ኲነታት ዝኽሰተሉ ዘሎ እዋን ከም ዘለና ግሃድኤ-ሕድሪ ኣስሚርሉ ሓሊፉ ኣሎ።

እዚ ኣብ ዞባናን ከባቢናን ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓሳት ንሃገርና ኤርትራ ብቀጥታ እንዳተንከፋ ይኸይድ ከም ዘሎ ንዕዘብ ኣለና። ብፍላይ ስርዓት ህግደፍ ብዘይ ውግእን ዕግርግርን ክነብር ስለ ዘይክእል፣ ወይ ከኣ ኣብ ናይ ሰላም ሃዋህው ክነብር ስለ ዘይቀስን፣ ሓንሳብ ምስ ጉጅለ ኢራን ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግን ምስ ጉጅለ ስዑዲ-ዓረብ ክሰርሕ ይርአ ኣሎ። ስዑድያ እትመርሖ ዘላ ጉጅለ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቡራከ ዘለዎ እዩ። ስርዓት ህግደፍ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ጉጅለ ስዑድያ ጠቢቑ ስለ ዘሎ ናይ ኣመርካ ደገፍ ኣለዎ። መራሕ ጭፍራ ህግደፍ ኣብ መግለጺኡ እቲ ናይ ቡሽን ኦባማን ናይ ሓሸውየ መድረኽ ሓሊፍና ምስ እዚ ሕጂ ዘሎ ምምሕዳር ኣመሪካ (ምምሕዳር ትራምፕ) ክንሰርሕ ጸኒሕና፡ ክንሰርሕ ከኣ ኢና ዝበለ። ብሓጺሩ ግን ጸጋታት ሃገርና (ከም ባሕሪ ምህላው) እዩ ሓደ ካብ’ቲ ንሃገርና ሓደጋታታ ዘምጽኣላ ዘሎ ክበሃል ይከኣል። እዚ ማለት ኣብ ሓንጎል ሓያላት ንቐይሕ ባሕሪ ንምቊጽጻር መጀመርያ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ምቊጽጻር ዝብል ሓሳብ ኩሉ ግዜ ህያው እዩ።

ኢትዮጵያ ደጋጊማ ንሰላም ምጽውዓ ቅኑዕ እዩ። ካብ’ቲ ዘሎ ኣይሰላም ኣይውግእ ተወጺኡ ሰላም ክሰፍን መርገጽ ግሃድኤ-ሕድሪ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ቀደሙ እቲ ልሙድ ናይ ሰላም ጸዋዒቱ ብዕለት 05 ሰነ 2018 ኣቕሪቡ። ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበ ጸዋዒት ሰላም ኣመልኪቱ ሰላም መተካእታ ዘይብሉ ናይ ደቂ-ሰባት ረብሓ ዝሕሉ ስለ ዝዀነ ግሃድኤ-ሕድሪ ሓንጎፋይ ኢሉ ተቐቢሉ ዘይተቘጠበ ድገፉ ይገልጽ።

ኣብ ኣከባቢናን ሃገርናን ካብ’ቶም ሓደስቲ ተረኽቦታት ዝተቐልቀሉ ሓደ፣ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ተደጋጊሙ ዝቐርበሉ ዝነበረ ናይ ሰላም ጸዋዒት ማለት ዶብ ክሕንጸጽ ምትህድዳእ ክፍጠር ኣለዎ ዝብል እምነት ብተሪር ይነጽጎ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ። ክነጽጎ ከሎ ከኣ ካብ ሒዝኩሞ ዘለኹም ቦታታት ብዘይዘረባ ውጽኡ ዶብ ከኣ ብዘይዘረባን ዘተን ይተሓንጸጽ ዝብል ዝነበረ፣ ሎሚ ከም’ቲ ልሙድ ጸዋዒት ምስ ቀረበሉ፣ ነቲ ንዓመታት ተሓሲምዎ ዝነበረ ጸዋዒት ሕራይ ኢሉ ብዕለት 20 ሰነ 2018 ብመራሒ ጭፍራ ህግደፍ ኣቢሉ ከም ዝተቐበሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትያጵያ ብሕግን ኣገባብን ብህዝቡ ዝተወከለ ምዃኑ ግሃድኤ-ሕድሪ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ብቀዳምነት ረብሓ ህዝቡ ክርኢ ከኣ ባህሪያውን ቅቡልን እዩ። ህግደፍ ግን ሕጊ የብሉ ኣገባብ የብሉ ባዕሉ ኣብ ስልጣን ዝተወጥሐ ኣካል ስለ ዝዀነ ንህዝቢ ወኪሉ ክዛተየሉ ዝኽእል ሕጋዊ ይኹን ሞራላዊ መሰረት የብሉን። ስለ ዝዀነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወላ እኳ ዝፈልጦ እንተዀነ ነዚ ኣብ ግምት ንኸእቱ ለበዋና ነመሓላልፍ። ብካልእ ሸነኽ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣልዒልዎ ዘሎ ነጥቢ መሰረቱ ብዛዕባ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት እዩ። ህግደፍ ከኣ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ስለ ዘይሕሉን ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ኤርትራውያን ዜጋታት ድማ ኣብ ኣዝዩ ጨካን ዝዀነ ቤት ማእሰርቲ ስለ ዝርከቡ፣ ዝተረፈ ኣካል ህዝብና ድማ ኩሉ ኣድማሳዊ ይኹን ዲሞክራስያዊ መሰላቱ ተዓፊኑ ስለ ዘሎ፣ በዚ ምክንያት’ዚ ህግደፍ ካብ’ቶም ብኣህጉራዊ ደረጃ ማዕቀብ ተገይርሉ ዘሎ ጉጅለ እዩ። ኢትዮጵያ ከኣ ኣካል ናይ’ዚ ኣህጉራዊ ኣካል ከም ምዃና መጠን ብዛዕባ’ዚ ግቡኦም ክዋጽኡ ከም ዘለዎም ግሃድኤ-ሕድሪ ምሕጽንትኡ የቕርብ።

ግሃድኤ-ሕድሪ ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ብዛዕባ ባህሪያት ህግደፍ ኣመልኪቱ ዝብሎ ኣለዎ። መጀመርያ ንውግእ ዘበገሰ ዶብ ጥራሕ እንተዝኸውን ነይሩ፡ እሞ ኸኣ ከም’ቲ ዘቐንዝዎ ዝነበረ ንህዝቢ ዝሓስብ እንተዀይኑ፣ ጉዳያት ንምህዳእ በሉ ዘተና ንጅምር ግን ሳልሳይ ኣካል መንጎኛ ኣብ ዘለዎ ንራኸብ ክብል ይግብኦ ነይሩ። ናይ ህግደፍ መልሲ ግን “ልኡኽና ናብ ኣዲስ-ኣበባ ክንሰድ ኢና” ምባሉ ዘስደምምን ዘተዓዛዝብን ነገር እዩ። እቲ ልኡኽ ዝበሃል ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ከደ ከኣ ውግእ ካብ ዝጅምሩ ንደሓር 20 ዓመታት እኳ ከይብል፣ 27 ዓመታት ተፈላሊና ነርና ምባል እንታይ ማለት እዩ? ብተወሳኺ ንቃልዓለም እኳ እቲ ኣባኢሱና ዝብልዎ ናይ ዶብ ጉዳይ ፈጺሞም ክጠቕስዎ ኣይደለዩን ወላ’ውን ጸገም ከም ዝነበረ ክጠቕሱ ኣይመረጹን። እዚ እንተኰይኑ ደኣ ስለምንታይ እዚ ኩሉ መንእሰይ ብስም ዶብና ኣይተሓንጸጸን ንጸላእትና መታን ክንከለኸል ዕድመ ኣገልግሎት ብምንዋሕ፣ ነዚ ነጺጎም ሃገር ገዲፎም ክወጽኡ ከለዉ ስቚ ምባል ንምንታይ ኮን ይኸውን?

ብዝዀነ እምነት ግሃድኤ-ሕድሪ ቃልስና ኣብ ክንዲ ግዝኣተ ሰብ ግዝኣተ-ሕጊ ክነግስ፡ ፍትሒ ክሰፍን፡ ናይ ህዝብና ሰብኣዊ ይኹን ደሞክራስያዊ መሰላት ብግቡእ ክኽበር፡ ሰላም ሰፊኑ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቊጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ከምኡ’ውን ዲፕሎማስያዊ መዳይ ጐደና ልምዓት፡ ብልጽግናን ዕብየትን ተታሒዙ ምስ ጐረባብትና ይኹን ኣህጉራዊ ሕብረተ-ሰብ ብሰላም ክነብር፡ ብዓቢኡ ከኣ ምሉእ ልዑላውነት ሃገርና ኤርትራ ክረጋገጽ እዩ።

እዚ ሕጂ ተጸዊዑ ዘሎ ናይ ዘተ መስርሕ ነዞም ልዕል ኢሎም ዝተዘርዘሩ ጉዳያት ዝፈትሕ ኣይኰነን። ብቀደሙ’ውን ህግደፍ ኣብ ሰላም ዘለዎ ኲነታት ክነብር ስለ ዘይክእል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ውግእ ካብ ዝእውጅ ነዊሕ ግዜ ኣቚጺሩ እዩ። ናይ ውሽጢ ሃገር ፖሊሲኡ ናይ ውግእ እምበር ናይ ሰላም ኣይኰነን። እዚ ናይ ውሽጢ ናይ ውግእ ፖሊስኡ ከኣ ንደገ ከንጸባርቕ ባህሪያዊ እዩ። ስለ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ እዞም ልዕል ኢሎም ዝተዘርዘሩ ክብርታት ክረክብ ኣለዎ። እዚኣቶም ከኣ ብቓልሲ እምበር ብካልእ ክረጋገጹ ስለ ዘይክእሉ ቃልስና ብዕቱብን ክንሕዞ እምነት ግሃድኤ-ሕድሪ እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ እዚ ግሃድኤ-ሕድሪ ዝከኣሎ እንዳሰርሐ እንከሎ እቲ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር ኣትዩዎ ዘሎ መብጽዓ ብዕቱብ ክሰርሓሉ ምዃኑ ይገልጽ። ብተወሳኺ ብዛዕባ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኲነታት ናይ ሓባር ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ንኽህሉ ንመላእ ዜጋታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ምሁራት፡ ኣባላት በርገሳዊ ማሕበራት፡ ስነ-ጥበባውያን፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ንኩሉ ኣዎንታዊ ለውጢ ዝቕበልን ንኣገልግሎት ህዝቢ ኤርትራ ዝተቐረቡን ኣብ ነንሕድሕድ ናይ ዘተ መስርሕ ክካየድ ጸዋዒትና ብዓውታ ነመሓላልፍ። ብዓቢኡ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ንጉዳይካ ባዕልኻ ብዕቱብ ሓዞ። ተቛዋማይ ደጋፋይ ኢልካ ተፋጢጥካ ደው ምባል ትርጉም የብሉን። ህግደፍ ካብ’ዚ ሕጂ ዘለዎ ንላዕሊ ጥርሑ ክወጽእ ኣይክእልን እዩ። ጉዳይ ሃገር ምዃኑ ኣብ ግምት ተወሲዱ ንኹሉ ብጉዳይ ሃገርና ዝግደስ ዘበለ ናይ ቃልሲ ጸዋዒትና ነቕርብ።

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

2ይ ስሩዕ ኣኼባ ግሃድኤ-ሕድሪ

02-07-2018

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *