ERITREAN NATIONAL SALVATION HIDRI

መግለጺ መሪር  ሐዘን

 

ንፍትሒ ብጻይና ገዛኢ ኪዳነ ካብ ግዜ ንእስንቱ ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ሓርነታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ንምእንቲ ነጻነትን ሓርነትን ክብል ምስ ደሞክራስያዊት ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብምስላፍ ሃገራዊ ተራኡ ዘበርከተ ተባዕ ተቓልሳይ እዩ ነይሩ። ብድሕሪ ምርግጋጽ መሬታዊ ነጻነት ኤርትራ’ውን እንተኾነ ነቲ ብጊሓቱ ዘስተበሃለሉን ዝኣመነሉን ፍትሓዊ ቃልሲ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንምፍታሕ፡ ብምሉእ ዓቅሙን ክእለቱን ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ክቃለስ ዝጸንሐ ሓርበኛ ተቓልሳይ እዩ ኔሩ።

ሕጂ ውን ከምቶም ዝሓለፉ ጀጋኑ ብጾትና ሓደ ወዲ ህዝቢ ነቲ ዝተቃለሰሉ ፍትሓዊት ኤርትራ ከይረኣየ ካባና ብመስዋእቲ ምፍላዩ፡

ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ንብጠቅላላ ስድራቤቱን ናይ ቃልሲ ብጾቱን ጽንዓት፡ ንክቡር ተቃላሳይ ንፍትሒ ጅግና ስውእ ብጻይና ገዛኢ ኪዳነ ከኣ መንግስተ ሰማያት ከዋርሶ ንትምነ።

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

ዝኽርን ክብርን ንሰማዕታት ኤርትራ!!ሓርበኛ ተቓልሳይ ክቡር ብጻይና ገዛኢ ኪዳነ  ድሕሪ ነዊሕ ሕማምን ብግቡእ ክእለ ድሕሪ ምጽንሑን

ብዕለት 19 ስነ 2018 ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ ካባና ብምፍላዩ መሪሕነትን ጠቅላላ መስረታትን ውድብ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ መሪር ሓዘን ይስመዓና።

ስዉእ ተቓልሳይ ገዛኢ ኪዳነ

ፈጻሚ ኣካል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *