ከሰላ፣ ኣብ ሓደ መስጊድ ብኻራ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም

 kasala mosque attack

ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን፣ ከተማ ከሰላ፣ መንነቱ ዘይተነጸረ ሰብ ብሰሉስ 27 መጋቢት፣ ኣብ መስጊድ ብዝፈጸሞ ናይ ካራ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ከምዝቐተለ ንፖሊስ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

ሓላፊ ፖሊስ ከተማ ከሰላ ያሒ ሱለይማን ብዝሃቦ ጸብጻብ፣ ካራ ዝሓዘ ሰብ ናብቲ መስጊድ ብምእታው፣ ኣብ ጸሎት ንዝነበሩ ሰባት ክሰምዕዎ ዓው ኢሉ ከምዝጨደረ ይጠቅስ።

እንተኾነ ዝሰምዖ ሰብ ስለዝሰኣነ፣ ኣብ ቅድሚኡ ንዝረኸቦ ብኻራ ክወግእ ከምዝጀመረ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ የመልክት።

ሰለስተ ሰባት ቀቲሉ ሓያሎ ከኣ ድሕሪ ምቑሳሉ ግና ኣብቲ መስጊድ ዝነበሩ ሰባት ብእኩብ ጨፍጪፎም ቀቲሎሞ።

ፖሊስ ከሰላ፣ መንነቱ ይኹን ዕላምኡ ኣይገለጸን።

መንግስቲ ሱዳን፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ዞባ ከሰላ ኣብ ናይ ህጹጽ እዋን ድሕሪ ምእዋጁ፣ ጃንጃዊድ ዝርከብዎም ሓይልታት ሚሊሻን ፍሉይ ኣሃዱታት ሰራዊትን ኣዋፊሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

radioerena.com

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *