ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI መግለጺ ብዛዕባ ህሉው ኲነታት ኤርትራ

Image result for ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT logo images

ቅድሚ ምልኪ ጭፍራ ህግደፍ ኣብ ዝባን ህዝቢ ኤርትራ ምውጥሑ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢኤርትራ ዝወረድ ዝነበረን ዘሕለፎን ጸገማትምግላጽ ንካልእ ግዜ ገዲፍና፣ እዚ ካብ መዓንጣ ህዝቢ ኤርትራ ዝወጽአ ገባቲ ስርዓት ጭፍራ ህግደፍ ብኢደ-ወነንኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ተወጢሑ ዛጊት ካብ ርብዒ ክፍለ-ዘመን ንላዕሊ ዝኣክልንኽትገልጾ ኣስካሕካሒ ዝዀነ በደላት ክፍጽም ጸኒሑን ይፍጽምንኣሎ። ስነ-ስርዓት ይኹን ኣገባብ ከምኡ’ውን ንህዝቢ ሕጊ ከይሃበ ቃሕ ብዝበሎ ኣገባብ ብሕግን ሕጋውነትን ዘይኰነስ ብኣዋጃት ጥራሕ ሃገር ክመርሕ ይርአ ኣሎ። ብርግጽ ከኣ ንኽትቈሮ ይኹን ንኽትግምግሞ ዘሸግር ክሳብ ብኣህጉራዊ ደረጃ ከይተረፈ ብብሩህ ዝተገልጸ ኣህጉራዊ ገበናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራክፍጽም ርይአ ኣሎ። እዚ ኩሉ ገበናት እንዳተፈጸመ ከሎ ህዝቢ ይርድኦዶ? ይፈልጦዶ ኣይፈልጦን? ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ዝኣክል ብርግጽ ህዝቢ ይፈልጦን ዕጭኡ ከይኑ ዝነብሮ ዘሎን ኣሕዛኒ ተርእዮ ኣሎ። ግን ከኣ ይመሓየሽ ይኸውን ብዝብል ልቦና ብዝዕሰሎ ኣተሓሳስባ ብትዕግስቲ ክጽበዮ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ ከሎ ግንበብግዜኡን መድረኹን ብዝተፈላለየ ኣገባባትን መገድታትን ምልክታት ናይ ተቛውሞ ተራእዮም እዮም። ንሳቶም ከኣ ካብ ውሽጢ’ቲ ውድብ ህግሓኤ ብኣድማ ተጋደልቲ ዝፍለጥ፣ ብም,ንቅስቓስ ስንኩላን ዝግለጽ፣ ብጉጅለ 13 ከምኡ’ውን ጉጅለ 15 ዝፍለጡ፣ ብስም ወዲ-ዓሊ ዝልለ ኣድማታት ናይ እምቢታ ተቛውሞታት ሓሊፎም እዮም። እዚኦም ኩሎም ካብ ውሽጢ’ቲ ህግሓኤ ዝነበሩ ዝተገበሩ ምንቅስቓሳት ኰይኖም፣ ነዞም ተረኽቦታት እዚኣቶም ግንዝተፈላለየ ዝተሰመመመርዛም ኣስማት እንዳኣጠመቐ ክቘጽዮም ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ።

ቀጺሉ እዚ ገባቲ ስርዓት ጭፍራ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ምቊጽጻሩ ብዝልዓለ ደረጃ መታን ከረጋግጽ ኣብ ውሽጢ እምነታት ህዝቢ ኣትዩ ብዙሕ ኣዕናዊ ተግባራት ክሰርሕ ጸኒሑ።ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ጉዳያት ህዝቢ እንዳኣተወ ናይ ምብትታን መሳርሕታቱ ዘርጊሑ ብዙሕ በታቲኑ እዩ። ኣብ ዓለም ተሰሚዑን ተገይሩን ዘይፈልጥ ሃይማኖቶም ኣይቀየሩ፡ ካልእ ገበናት ኣይገበሩ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ሃይማኖት ፓትሪያርክ ዝኣክል ደፊሩ ክሳብ ምእሳር ደረጃ በጺሑ ንህዝቢ ኣቐይሙን ኣቕሒሩን እዩ። እዚኣቶምን ካልኦትን ተረኽቦታት ከይተፈትሑ ይሓልፉ ስለ ዝነበሩ እንዳተጸፍጸፉጸኒሖም እዮም።

እኩብ ድምር ናይ’ዞም ኩሎም በደላትን ኣዕናዊ ፖሊሲ ጭፍራ ህግደፍን ዝደረኾ ጅምላዊ ህዝባዊ ተቛውሞ ዝገልጽ ናይ መንእሰያት ስደት ኣስዒቡ፣ ህዝቢ ደቁ ስኢኑ። ናብ ስደት ዘምርሑ ደቂ-ህዝቢ’ውን ንኣደዳ ኩሉ ሽግራት ከም ዝሳጥሑ ምኽንያት ኰይኑ እዩ።

ሕጂ’ውን ይተካእ ይለቀም ህዝቢ ባዕሉ ዘቖሞምንህዝቢ ስሉጥ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት (ከም ቤት ትምህርቲ)፣ ጭፍራ ህግደፍ ከፍርሶ ስለ ዝተወጣወጠ፡ ህዝቢ ዘሕለፎም ትዕግስትታት ካብ መጠን ንላዕሊ ስለ ዝተመጠጠ ይኣክል ብምባልህዝባዊ ምንቅስቓስን ምልዕዓልን ኣብ ኤርትራ ብግልጺ ፈሊሙ ኣሎ። ድሮ’ውን ሓንቲ ኣበሳ ዘይብሎም ንጹሃት ኤርትራውያን ብደረጃ ሰለማዊ ሰልፊ ጉዳዮም ናብ ዝምልከቶ ኢሎም ዝሓሰብዎ ብምሕሳቦም ጥራሕ መስዋእትታት ተኸፊሉ ኣሎ። ክፍለጥ ዘለዎ ነገር እዚ ናይ ሕጂ ምንቅስቓስ ካብ’ቶም ናይ ቅድም ዝተፈጸሙ ናይ ተቛውሞ ምንቅስቓሳት ዝተፈልየ ናይ ሲቪል ዝዀኑ ተራ ህዝቢ ምልዕዓል እዩ። እዚ ህዝባዊ ቁጥዐ ዘንቀሎ ምንቅስቓስ እዚ ክሳብ ሸቶኡ ዝሃርም ጠጠው ዝብል ምንቅስቓስ ከም ዘይኰነ ፍሉጥ እዩ። ስለ ዝዀነ ነዚ ቅኑዕ መሰረታዊ መሰሉ ንምዕቋብ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ እዚ ኩሉ ኤርትራዊ ክድግፎን ክሳተፎን ግሃድኤ-ሕድሪ ጸዋዒቱናብ ኩሉ ኤርትራዊ ብኽብሪ የቕርብ።

ጭፍራ ህግደፍ ከም ልማዱ ህዝቢ ክፈላልን ክጠራጠርን መታን እዚ ሃይማኖታዊ ለኸ ዘለዎ ምንቅስቓስ ገይሩ ክገልጽ ክፍትን’ዩ። እምበኣረይከስ ህዝብና ኣይትተሃመል፡ ኣይትሰከፍ። እዚ ናይ ዝተበደለ ህዝቢ ምልዕዓል እምበር ናይ ሃይማኖት ምልዕዓል (ሃይማኖተይ ካብ ሃይማኖትካ ይበልጽ ዝብል ምንቅስቓስ) ከምዘይኰነ ክበርህ ይግባእ። እዚ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓል ብኣጠቓላሊ ነቲ ካብ ነፍስ-ወከፍ ሰብ ክንጸል ዘይግብኦ መባእታዊ ዝዀነ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰሉ ንምሕላውን ንምርግጋጽን ዓሊሙ ዝቃለስ ዘሎ ህዝቢ እዩ።ስለ ዝዀነ በዚ ኣጋጣሚ እዚ  ግሃድኤ-ሕድሪ ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባ ጠለብን ምንቅስቓስ’ዚ ከም ናቱ ተቀቢሉ ኣብ ጐድኑ ደው ክብልን ኣካል ናይ’ዚ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት’ዚ ኰይኑ ዝከኣሎ ክገብርን ክድግፎን ክከላኸለሉን ምዃኑ ክገልጽ ከሎ ባህታ ይስምዖ።

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

ዜናን ባህልን ቤት ጽሕፈት

ግሃድኤ-ሕድሪ

30-10-2017

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *