ዘሕዝን ዜና

ኣብዛ ዝሓለፈት ሰሙን፡ ማዕከናት ዜና ነርወይ ሰለስተ ደቀንስትዮ ኣብ ራምሶስ ኦስሎ ኣብ ዝርከብ ገዝአን ሞይተን ከምተረኽባ ገሊጸን። እተን ዝሞታ፡ ኣደ ጓል 69 ዓመት፡ ዓባይ ጓለን ጓል 35 ዓመት፡ ንእሽቶ ጓለን ድማ ጓል 28 ዓመት ከምዝነበራ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ። መርበብ ሓበሬታ ናትና ምስዚ ጉዳይ ቅርበት ካብ ዘለዎም ወገናት ካብ ዝረኸበቶ ሓበሬታ፡ እዛ ስድራቤት ኤርትራዊ መበቆል ከምዘለዋ ንምርግጋጽ ተኻኢሉ ኣሎ።
ፖሊስ እዚ ኣዝዩ ዘይንቡር ኣማውታ ሰለስተ ነፍሲ ኣብ ሓደ ገዛ፡ እቲ ጠንቂ ምስ ገበን ዝተተሓሓዘ ናይ ምኻን ተኽእሎኡ ትሑት’ዩ ኢሎም ኣለው። እዛ ስድራቤት ድኣ እንታይ ቀተላ፡ ዝብል ዓቢ በዳሂ ሕቶ ማዕከናት ዜና እዛ ሃገር የልዕላ ኣለዋ።
ሓንቲ ገነት ኣድሓኖም ዝተባህለት፡ ናይ ቀረባ ቤተሰብ እዛ ስድራቤት ንማዕከን ዜና NRK ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ‘’እዛ ስድራ ቤት ምስ ሕብረተሰብ ፍጹም ርክብ ብምቊራጽ፡ ርእሰን ኣግሊለን ከምዝጸንሐ ኣረዲአ። ብዘይካ እዚ NRK ንኻልኦት ቀረብቲ ብዛዕባ እዛ ስድራቤት ኣብ ዝሓተተሉ፡ ‘’ዋላ ማዕጾ ካሕኪሕና እኳ ፈጺመን ኣይከፍታናን እየን’’ ዝብል መልሲ ከምዝረኸበት ኣፍሊጣ።
ገነት ብወገና፡ ሓያለ ግዜ ቴሌፎን ብምድዋል ደሃየን ክትረክብ ፈተነታት እኳ እንተካየደት፡ እንተኾነ ግን ፈጺመን ከምዘየልዓልኣ ትገልጽ። ሓደ እዋን ገነት ነታ ዝነኣሰት ጓል 28 ዓመት፡ ኣብ ከተማ ሃንደበት ረኸበታ’ሞ፡ ከመይ ከምዘለዋ ምስ ሓተተታ ግን፡ ከይመለሰትላ ረጊጻታ ከምዝኸደት ተረድእ።
ብዘይካ እዚ ገነት፡ ኣብቲ እታ ጓል 28 ዓመት ትመሃረሉ ኮለጅ ብምኻድ፡ ደሃያ ክትፈልጥ ፈቲና ነይራ። “ንመምህራና ደሃያ እንተለዎም ሓቲተዮም፡ እንተኾነ ግን ምስኣ ዋላ ሓንቲ ርክብ ከምዘይብሎም መሊሰሙለይ ትብል። ድሒሩ ከምዝተፈልጠ ግን፡ እዛ መንእሰይ ትምህርታ ኣቃሪጻቶ`ያ ነይራ።
ገነት በቲ ኣብዛ ቤተሰባ ኣጋጢሙ ዘሎ ድንገት ሞት፡ ኣዝያ ከምዝሓዘነት ብምግላጽ፡ እዛ ስድራቤት ግዳይ ስርዓተ ምሕደራ ነርወይ ኢያ ኮይና ክትብል ግን ትወቅስ። ‘’ንሰብ ገንዘብ ጥራሕ ምሃብ ኣኻሊ ኣይኮነን፡ ብቐረባ ምክትታል’ዩ ክግበረን ነይርዎ።“
እዛ ስድራቤት ኣብ ብኮሙነ ዝውነን ገዛ ክትነብር ከምዝጸንሐት ክፍለጥ እንከሎ፡ ካብ መንግስቲ እንታይ ካልእ ሓገዛት ይረኽባ ነይረን ግን ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር የለን።
መርመራፖሊስ
ፕሊስ ብወገኖም ብዛዕባ እዛ ስድራቤት ንጎረባብትን መቕርብን ብምሕታት ከምዝረጋገጾ፡ እዘን ደቀንስትዮ ካብ ሕብረተሰብ ገዛእ ርእሰን ኣግሊለን ከምዝጸንሓ፡ ካብ ኩሎም ዘዘራረቦም ተመሳሳሊ መልሲ ከምዝረኸቡ ኣረዲኦም።
ፖሊስ ስለምንታይ እዛ ስድራቤት ብሓደ ክትመውት ክኢላ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ሰለስተ ክልስ ሓሳባት ኣማዕቢሎም ኣለው። እዛ ስድራቤት ብመርዛም መግቢ፡ ብሕማም ወይ ብጥሜት ክትመውት ክኢላ ክትከውን ኣለዋ። ብጥሜት ድየን ሞይተ ንምፍላጥ ኣዝዩ ኣሸጋሪ’ዩ ምኽንያቱ፡ ካብ ዝሞታ ሓያለ ኣዋርሕ ኣሕሊፈን ስለዝተረኽባ ይብል መርማሪ ፕሊስ ሙኤን።
እቲ ካልእ ክልስ ሓሳብ ድማ ዝተመረዘ መግቢ ብምብላዕ ሞይተን ኪኾና ይኽእላ ኢየን ዝብል ኢዩ። እዚ እቲ ናይ ብሓቒ ጠንቂ ከምዝነበረ ንምፍላጥ ድማ፡ ናይ ክኢላታት ሓካይም መርመራ ይግበር ኣሎ። ፕሊስ ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛ ኣብ ዝገበርዎ መርመራ፡ ኣሰር ዝተመረዘ መግቢ ኪረኽቡ ከምዘይከኣሉ ግን ይገልጹ። እቲ ጠንቂ ብመርዚ እንተኾይኑ ንምፍላጥ፡ እቲ መርመራ ሓያለ ኣዋርሕ ኪወስድ ከምዝኽእል ተሓቢሩ ኣሎ።
“እቲ ነዛ ስድራቤት ዘጋጠማ እንታይ ምኻኑ ንምፍላጥ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኢዩ“ ይብል ፓሊስ ሞአን።
ፕሊስ እዘን ደቀንስትዮ ብሓንሳብ ድየን ሞይተን ወይ ኣብ በበይኑ ግዜ’ውን ዛጊት ዝፈልጥዎ የብሎምን።
እዛ ስድራቤት፡ ኣብ ክረምቲ ከምዝሞተት ክፍለጥ እንከሎ፡ ብሰሪ እቲ ማሕበራዊ ርክብ ዘይምንባረን ግን፡ ድሕሪ ክልተ ሰለስተ ወርሒ ሬስአን ክርከብ ክኢሉ። እቲ ሞተን ዝተፈልጠ ድማ ሓንቲ ሰራሕተኛ መንግስቲ ርክበን ስለዘቋረጻ፡ ደሃይ ናይዛ ስድራ ክትገብር፡ ናብቲ ገዛ ምስ ከደት ዝኸፍታ ስለዝሰኣነት ንፕሊስ ድሕሪ ምሕባራ’ዩ እቲ ሞት እዛ ስድራቤት ክግሃድ ተኻኢሉ።
እዘን ኣደ ንኽልቲአን ደቀን ካብ ክልተ ዝተፈላለዩ ሰብኡት ከምዝወለድኦም ክፍለጥ እንከሎ፡ ምስ ክልቲኦም ወለደን’ውን ደቀን ኣዝዩ ልሕሉሕ ርክብ ከምዝነበረን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እዛ ስድራቤት ነርወጃዊ ዜግነት ከምዝነበራን፡ እታ ጓል 28 ዓመት ኣብ ነርወይ ከምዝተወልደት’ዉን ብተወሳኺ ተፈሊጡ።
መርበብ ሓበሬታ ናትና፡ ንስድራቤት መወትቲ ጽንዓት ይሃብኩም ትብል።