ናይ ሓዘን መግለጺ
ገዲምሓርበኛ ተጋዳላይ ኪሮስ ወልደኣብ ብሃንደበት ብዕለት 16-10-2017 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና ኣሎ። ኣዝዩ ዘሕዝን ተረኽቦ ከኣ እዩ። ታሪክ ሂወት ኪሮስ ወልደኣብ ክግለጽ እንተዀይኑ ምሉእ ዕድምኡ ንሃገሩን ህዝቡን ኢሉ ብዘይምስልካይ ይቃለስ ከም ዝነበረ ከይተገልጸ ኣይሕለፍን እዩ። ኣብ ቃልሱ ብትብዓት፡ ተወፋይነት፡ ጅግንነት ዝፍለጥ ኰይኑ፣ ነቕ ዘይብል ሃገራዊ ክብርን ስምዒትተሓንጊጡብዓል ጽኑዕ መትከል ዝዀነ ሓርበኛ ተጋዳለይ እዩ ነይሩ።

እንተዀነ ግን ሃገርና ኤርትራ ካልእስ ይትረፍ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ንብምሉእ ልቡ ዝተቓለሰላን ዝሰንከለላን ዝደኸመላን ክትከውን ገና ኣይበቕዐትን ዘላ። ትረፍዶ ከም ኪሮስ ዝኣመሰሉ ሓርበኛታት ንሃገሮም ክኣትዉ፣ ብኣንጻሩ ብሚእትታት ኣሽሓት ዝቚጸሩ ኤርትራው መብዛሕትኦም ንኡስ ወለዶ ዝዀኑ ሃገር ተስፋ ዘይብላ ምዃና ስለ ዝስተውዓሉ ጠንጢኖማ ይወጽኡ ኣለዉ።
ተጋዳላይ ኪሮስ ወልደኣብ ድማ ነዚ ብግቡእ ተረዲኡ ክሳብዛ ዝዓረፈላ ዕለት ከይሰልከየ ክቃለስ ጸኒሑ እዩ። ብተመሳሳሊ መልክዑ መቓልስቱን በዓልቲ-ቤተኡን ዝዀነት ኤልሳ በርሀ (ኣብ ፓልቶክ ብጀብሃዊት ዝብል ሳጓ ትፍለጥ) ኣብዚ ቃልሲ ካብተን ብንጥፈት ዝቃለሳ ደቂ-ኣንስትዮ ሓንቲ እያ። እምበኣረይከስ ንሓርበኛ ኪሮስ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስተ-ሰማዩ ይቀበሎ ንቤተ-ሰቡ ከኣ ጠሊ ይግደፈሎም። ንሓርበኛ ተጋዳሊት በዓልቲ ቤቱ ንኪሮም ወልደኣብ ኤልሳ ከምኡ’ውንደቃ ምስ ምሉኣት ስድራ-ቤት ጽንዓት ይሃቦም።
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!
ዜናን ባህልን ቤት ጽሕፈት
ግሃድኤ-ሕድሪ
20-10-2017