
“ዋና ዘይብሉ ነገር ጥፉእ ማሕለኻ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ”
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተፈላለዩ ማዕበላት ተኸሲቶም ከም ዝነበሩ ይፍለጥ። ቅድሚ ማሪያ ተባሂሉ ዝተሰምየ ብዙሓት ሰባት ዝቐተለን ንብረት ዘውደመን ማዕበል ነይሩ። ንሱ ድማ ሃርቪ (Harvey) ተባሂሉ ዝተሰምየ ብፍላይ ኣብ ኣከባቢ ሁስተን ተክሳስ (Houston- Texas) ናይ ሰብ ህልቀትን መሬት ብማይ ኣጥለቕሊቑ ናይ ንብረት ብርሰትን ከም ዘውረደ ኣብ ናይ ዓለም ናይ ዜና ማዕከናት ሃጊጉ ዝውረ ዝነበረ እዩ። ዋናታቱ ከኣ ንማዕበል ዝወረዶም ዜጋታቶም ክሕግዙ ክጓየዩ ርኢና።
ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ድማ ቀዳማይ ስሙ ሃርቪ (Harvey Weinstein) ዝተባህለ ኣመሪካዊ ኣብ ሓንቲ “ፊልም” እትሰርሕ ትካል ብሓላፍነት ደረጃ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ይንገር። ከም ደቂ-ተባዕትዮ ቡዙሓት መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ከም ተዋሳእቲ ኰይነን ኣብቲ “ፊልምታት” ክሰርሓ ብእኡ ኣቢለን ድማ ክፍለጣ እሞ ሂወተን ከመሓይሻን ክልውጣንዝደልያ ይቑጸራ እየን። ሃርቪ ነቲ ዝነበሮ ስልጣንን ሓላፍነትን ተጠቒሙ ንሓጺር ውልቃዊ ስምዒቱ ንምርዋይ ኢሉ ነተን መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ይዕምጽ ከም ዝነበረ ናይ ዓለም ናይ ዜና ማዕከናት ብዝሃገገ መልክዑ ክዝንይኦ ይርኣያ ኣለዋ። ብርግጽ ዓመጽ ደቂ-ኣንስትዮ ክኹነን ዘለዎ ተግባር እዩ። ስለ ዝዀነ ድማ ንጓል ኣንስተይቲ ብዘይድልየታ ዝዓመጸ ከም ኣህጉራዊ ገበን ተራእዩ ዝዀነ ነቲ ጉዳይ ክርእዮን ቅኑዕ ፍርዲ ክህበሉን ተገይሩ ኣሎ ኣብ’ዚ ዘለናዮ እዋን ፍሉጥ እዩ።
ብዝዀነ ግን “ሰብ ዘለዎ ኣራፊዱ ይመውት” ከም ዝበሃል፡ እዘን ሕጂ እንዳቀረባ ተበዲልና ዝብላ ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ ብውሕዱ ንሳተን ብዝበልኦ ጥራይ ሰሚዑ ኩሉ ሰብ ነቲ ናይ ሃርቪ ባህርን ስራሕን ይኹንኖ ኣሎ። ሕጂ ድማ ዝምልከቶም ዋናታትን ወከልቲ እቲ ህዝብን ፍትሒ ንኸረጋግጹ ይጽዕሩ ኣለዉ።ንሕና’ውን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንከም’ዚ ዓይነት ስራሕ ንኹንኖ።
ኣብ ሓደ ዓዲ ሓደ ወዲ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ “ኪዲ ፈሪዕ” ኢሉዋ ይበሃል። ንሳ ድማ እንታይ ማለት እዩ ፈሪዕ ኢላ ምስ ሓተተቶ፡ ንሱ ከኣ ምልስ ኢሉ ወሓለ ማለት እዩ ኢሉ መለሰላ። ንሳ ድማ ንዓይ ግዳይ እንታይ ርኢኻ ፈሪዕ ካልኦት ኣለዋ ብዙሓት ፈራሪዕ ኢላቶ ይበሃል። ሕጂ ከኣ ገና እንታይ ርኢኹም ዓመጽን ናይ ሃርቪ ተግባርን ባህርን። ካልኦት ኣለዉ ብዙሓት ሃርቪታት ኣብ ኤርትራ። ስልጣኖምን ጽልውኦምን ተጠቒሞም ንደቂ-ኣንስትዮና ትረፍዶ ክጣበቑለን ናይ ባርነት ስራሕ ክሰርሓ ምግዳድ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ካብ ዝለዓሉ መራሕቲ ጭፍራ ህግደፍ ክሳብ
ዝተሓቱ ንደቂ-ኣንስትዮ ብዘይ ድልየተን መርወዪ ስምዒቶምን መሐጐሲኦምን መጻወቲ ገይሮም ይጥቀሙለን ኣለዉ። እዚ ተግባር እዚ ከም ባህሊ ኰይኑ ክኸይድን ክስርሓሉን ከኣ ተገይሩ ኣሎ። እዚ ፖለቲካዊ ጸለመ ዘይኰነስ ብኣህጉራዊ ደረጃ ከይተረፈ ዝተረጋገጸ ጉዳይ እዩ። “ዋና ዘይብሉ ነገር ጥፉእ፡ ማሕለኻ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ”ዝብል ምስሎኣ ኣበው ኣለና።
መሲልኩም እንታይ ኣምጺእኩም ከም ዝበሃል፡ ጉዳይ ወጽዓ ደቂ-ኣንስትዮ ሃገርና ኤርትራ ካብ’ዚ ናይ ሃርቭን ካልኦትን ዝገብርዎ ብ1000 ግዜ ዝተዓጻጸፈንዝኸፍአን ከኣ እዩ። ዓው ኢልካ ዘይብከዮ ሞት ሕጹይ ከኣ ኰይኑ ኣሎ።ብዘለውኦ ማሕበራዊ ቦታ ዘጋጠመን ኩሉ ክዛረባ ከም ዘይክእላ ፍሉጥ እዩ። መዳርግቲ ዘይብሉ ወጽዓ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮና ግን ይወርድ ኣሎ። ብርግጽ ነታ ኣደ፡ ጓል፡ ሓፍቲ፡ ሓፍቲ ኣቦ፡ ሓትኖ ወዘተ ዝዀነት ጓሎ ኣንስተይቲ ክሳብ ክንድዚ ክትድፈር ኣይግባእን። ኣቦታትና ስቚ ኢሎም ኣይኰኑን “ኣብ ርስቱን ሰበይቱን ዘይመውት የለን” ዝበሉ። ቀጺሎም ናይ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ዘለዋ ቦታን ከምኡ’ውን ተራንኣብ ልዕሊኣ ዘሎ ጸቕጥን ብምርኣይ፡ ብምዕዛብን ብምስትብሃልን “ጓል ኣንስተይቲ ኣፋ እዩ ምስክራ” ዝዀነ ወዲ-ተባዕታይ እየ ዝብል ከኣ ክከላኸለላ ይግባእ ይብሉ። እዚ ኣብ’ቲ “ድሑራት እዮም፡ ኣይሰልጠኑን” እንብሎም ኣቦታትና ኰነ ኣቦ-ሓጎታትና ዝነበረ እዋን ጸገም ጓል-ኣንስተይቲ ምርዳእ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ጠፊኡ እንተተባህለ ዝጋነን ኣይኰነን።
ከም ዝፍለጥ ናይ ሃርቪ ዓመጽ ዋናታት ስለ ዘለዉዎ ገና ብናይ ኣመሪካን እንግሊዝን ፖሊስ ኣብ መርመራ እዩ ዘሎ። ጭብጥታት ክደልየ ከኣ ይሰርሑ ኣለዉ። ድሕሪ’ዚ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ይኽእል። ናይ ኤርትራዊት ወጽዓ ግን ዋና ስለ ዝሰኣነት ትረፍዶ ክጽናዕን ክምርመርን እቲ ብኣህጉራዊ ትካላት ተጸኒዑ ዝቐረበ እንዳሃለወ’ውን በደል ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ ዝኣምንን ዘይኣምንን ኰና ኣለና። ስለ’ዚ ነቲ ብጭብጢ ዝተሰነየ ወጽዓ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ፍትሒ ከነረጋግጽ ብትብዓትን ጽንዓትን ንቃለስ።
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!
ዜናን ባህልን ቤት ጽሕፈት
ግሃድኤ-ሕድሪ
12-10-2017