ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ 10ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣቃኒዑ፡ ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI

Image result for ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI

ዜና ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ 10ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣቃኒዑ፡

 

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) 10ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ካብ ዕለት 01 ክሳብ 02 ጥቅምቲ  2017 ኣካይዱ ከምዝዛዘመ ኣብ ዝለኣኸልና  ዜና ሓቢሩ፡፡ እቲ ዝበጽሓና ዜና ወሲኹ ከምዝሓበሮ 6ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ-ሕድሪ ካብ ዕለት 17-20 ሰነ 2017 ምክያዱን ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣቐሚጡ ምዝዛሙን ኣዘኻኺሩ፡፡

ካብዚ ብምብጋስ ከኣ ካብ ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ሓላፍነት ዝተቐበለ  ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ ኣብዞም ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ስራሕ ተዋፊሩ ብሕድሕድ ቤት ጽሕፈታቱ ዝተኻየዱ ውድብ ለኸ ንጥፈታት ብዝርዝር ገምጊሙን መዚኑን፡፡

ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ ኣብዚ ንክልተ መዓልታት ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ኩሉ ዞባታትን ጨንፈራትን ዝተካየዱ፡ ኣኼባታትን ሰሚናራትን፡ ዝበጽሕዎ ጸብጻባት ተቐቢሉ ብዕምቆት ድሕሪ ምምዛን ኣወንታውን  ኣሉታውን ፍጻመታት ብንጹር መዚኑ ከምዘቐመጠ  ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ፡፡

ኮምኡውን ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ – ሕድሪ ኣብ ኣኼብኡ፡ ኣብ ዓለማውን ከባብያውን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደገኛ  ኩነታት ብዕምቆት መዚኑ፡፡ እዚ ከኣ ነቲ ብሰንኪ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ሃገር ከደን ሓደገኛ ኩነታት ምእንቲ ከብቅዕ፡ ኩሎም ደላይቲ ፍትሕን ሰላምን ዝኾኑ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ፍልልያቶም ኣወንዚፎም  ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ክሰርዑ ከምዝግባእ ከምዝረኣየ፡፡

ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ ኣብ ኣኼብኡ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ኣርባዕተ ውድባትና ልፍንታዊ መስርሕ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብጻሕ ካብኡ ዝጥለብ ዘበለ ኩሉ ከማልእ ምኳኑ ከም ዘረጋገጸ ኣብ ዝለኣኾ ዜናዊ  ጸብጻቡ ሓቢሩ፡፡

ኣብ መደምደምታ ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ ነቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ክግበር ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ውድባዊ ጉባኤ ዕዉት ኮይኑ ምእንቲ ክዛዘም ቀዳምነት ሰሪዑ ክዋሳእ ምኳኑ ብምርግጋጽ 10ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ምዝዛሙ ዝበጽሓና ጸብጻብ ሓቢሩ፡፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግሃድኤ – ሕድሪ

2 ጥቅምቲ 2017

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *