ኢትዮጵያ መንግስቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ምሕረት ሂባ።

http://hrc-eritrea.org/letter-to-prime-minister-hailemariam-desalegne/

 

Image may contain: 2 people, text

 

ድሕሪ ዳርጋ ናይ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ኣብ ኢትዮጵያ፥ ጋዜጠኛ ተስፋልደት ኪዳነን ጋዜጠኛ ሳልሕ እድሪስ ገማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ መጀመርያ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ተፈቲሖም።

ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ እዞም ክልተ ጋዜጠኛታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ንክወጹ ብዙሕ ጻዕርታት ከካይድ ጸኒሑ እዩ ።

ነቶም እሱራት እንቛዕ ካብቲ ብዘይ ክስን ፍርድን ተኣሲርኩሙሉ ዝጸናሕኩም ጸልማት ብሰላም ብህይወትኩም ወጻእኩም ንብል፥ ንስድራቤት እሱራት ድማ እንቛዕ የሕጎሰኩም።

በዚ ኣጋጣሚ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን፥ ድሕሪ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ነዞም ክልተ ጋዜጠኛታት ክፈትሖም ብምውሳኑ ምስጋናና ነቅርብ።

ኤልሳ ጭሩም
ካብ ሓልዮት ሰብኣዊ መስላት ኤርትራ

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *