![]()
ጭፍራ ህግደፍ ዶብ ክሰግሩ ንዝርኣዮም ነርብዓን-ትሽዓተን (49) ኣቕሽቲ
ክቐትል ተዂሲ ከፊቱ
ትማሊ ብባሕቲ መስከረም ዝተጀመረ ሰውራ ኣብ ዓወት በጺሑ፣ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ ሃገሩ ነጻነት የስተማቕር ኣሎ ብዘስምዕ ቃና ናይ ይምሰሉ ተዋስኦ ክገብር ከም ዝወዓለ ትዕዝብቲ ተወሲዱ ኣሎ። ይኹን እምበር “ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብረ-እሙ” ክምዝበሃል መራሕቲ ጭፍራ ህግደፍ ግን ህዝቢ ፋሕ ከም ዝብል እንዳገበሩ፣ ዓቕሎም ጸቢብዎም ሃገር ክንገድፈልኩም እምበኣር ኢሎም ሂወቶም ንኸድሕኑ ክወጽኡ ንዝፍትኑ ብሚእቲታት ዘይኰነስ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ዜጋታትና ከም ዘለዉ ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።
መራሕቲ ጭፍራ ህግደፍ ግን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወጠንዎ ናይ ጥፍኣት መደብ ብዝሓየለ መገዱ ይቕጽልዎ ከም ዘለዉ ርኡይ ጉዳይ ኰይኑ ኣሎ። ሎሚ (02-09-2017) ካብ’ቶም ሃገር ክንገድፈልኩም ኢሎም ናብ ስደት ናብ ጐረብት ሃገር ኢትዮጵያ ኣምሪሖም ክሰግሩ ዝፈተኑ ኣርብዓን ሸውዓተን (47) ኣቕሽቲ ዝርከብዎምናይ’ቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ኣስመራ ናይ ዶብ ሓለውቲ ዝበሃሉ ኣብ ልዕሊ’ዞም ኣቕሽቲ ክትቀትል-ተኩስ ዝብል ፖሊሲ ህግደፍ ከተግብሩ ተዂሲ ከፊቶም። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ክልተ (2) ኣቕስቲ ሂወቶም ክስእኑ ከለዉ፣ እቶም ዝተረፉ ኣርብዓን-ሸውዓተን (47) ኣቕሽቲ ግን ገበን ክፍጸም ከሎ ስቚ ኢሎም ንኽርእዩ ሕልንኦም ዘይገበረሎም ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዝገበርዎ ናይ ምክልኻል ግብረ-መንሲ ድሒኖም ካብ ኤርትራ ናብ ዛላምበሳ (ኢትዮጵያ) ብሰላም ከም ዝተሳገሩ ካብ እሙናት ምንጭታትና ዝበጽሓና ሓበረታ ተረጋጊጹ ኣሎ።
እዚ እዩ እምበኣር ህግደፍ። ነዚ ዕላውነት ባዕሉ ወሲዱ ናይ ሽፍትነት ስራሕ ዝሰርሕ ዘሎ ጭፍራ’ዚ ተሪርና ብውዱብ መልክዕ ክንቃለሶ ይግብኣና። ዘይተወደበ ስራሕ፡ ዕማም፡ ቃልሲ ወዘተ ኣይዕወትን እዩ። ሃየ ተወዲብና ክንቃለስ ንቀዳደም።
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!
ዜናን ባህልን ቤት ጽሕፈት
ግሃድኤ-ሕድሪ
02-09-2017