
ዓላማ ናይ’ቲ ብዕለት 11-ክሳዕ ዕለት 13 ነሓሴ 2017፡ ኣብ ከተማ ሲያትልን ከባቢኣን ዝተኻየደ ናይ ህግደፋውያን ፈስቲቫል፡ ብዝተፈላለየ ድፍኢትን፡ ምፍርራሕን ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ኣብ’ቲ ፕሮግራም ብብዝሒ ብምስታፍ፡ ናይ ቪድዮ ስእልታት ኣልዒልካ፡ ንኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብናን፡ ንመላእ ህዝቢ ዓለምን ፡ መንግስታዊ ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈዎርቂ፡ ምሉእ ደገፍ ናይ ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ዘሎዎ ብሓሶት ኣእሚኑ፡ ዕድመ ናይ’ቲ መንግስታዊ ስርዓት ንምንዋሕ እዩ።
ነዚ ዓላማ’ዚ ንምሕያል ከኣ፡ ቲቪ ኤረ፡ ኣብ ናይ ሰኑይ፡ ናይ ኣስመራ ዕለታዊ ዜናኣ፡ ናይ ኤርትራውያን ፈስቲቫል፡ ከተማ ሲያትልን፡ ከባቢኣን፡ 15,000.00 ዝኣክል ኤርትራዊ ተሳቲፉዎ ክትብል፡ ብጸሊም ሓሶት ገሊጻቶ
ይኹን እምበር ብናትና ግምት፡ ምስ ኩሎም ቆልዑት ደሚርካ፡ ካብ 900.00 ዘይብዝሕ ህዝቢ እዩ ተሳቲፍዎ። ብዝተረፈ፡ ንተዓዛቢ ህዝቢ ንገድፎ ኣሎና?
ሓደ ክበርህ ዘለዎ ዓቢ ነጥቢ ግን፡ እዚ ብሙዚቃን፡ ጓይላን፡ ዳንኬራን ዝተዓብለለ ናይ ሓሶት ፈስቲቫል ብመደብ፡ ኣብ ግዜ’ቲ ብኦሮዶክሳዊት ተዋህዶ ሃይማኖት ዝኽበር በዓል “ጾመ ፍልሰታ” ብምውዓሉ ህግደፋውያን፡ ብዛዕባ ግህሰት ሃይማኖትን፡ ባህልን ኤርትራውያን ፈጺሙ ቅጭጭ ከምዘይብሎም ንህዝብና ብንጹር በሪሁሉ ኣሎ። እቲ ቤተ ክህነት ከኣ ነዝ’ ግህሰት ሃይማኖት፡ ክቃወሞን፡ ክኹንኖን ይግባእ?
ብዝሒ ቁጽሪ ናይ ተሳተፍቲ ብመንእሰያትን፡ ህጻናትን ዝተዓብለለ እዩ ኔሩ፡ ምኽንያቱ ከኣ ኣብ’ዛ ግዜ’ዚኣ፡ ሰማንያን ሓሙሽተን (85%) ካብ ምኢቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጥ ኤርትራውያን ፡ንስርዓት ህግደፍ ኣይድግፎን
እዩ። ብዙሓት ካብቶም ኣብ’ቲ ፈስቲቫል ዝተሳተፉ ኣካላት ህዝብና ከኣ፡ ብፖለቲካዊ ጸቕጥን፡ ድፍኢትን፡ ናይ’ቲ ስርዓትን፡ ባህጊ ናይ’ቲ ባህላዊ ሙዚቃን፡ ከምኡ ኸኣ፡ ምስ ዝደልዩዎም ሰባት ንምርኻብን፡ ደኣ’ምበር፡ ንህግደፍ ንምድጋፍ ወይ ኣብኡ፡ እምነት ሃልዩዎም፡ ከም ዘይኮነ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ስለ’ዚ እቲ ብጉልባብ ፈስቲቫል ዝተኻየደ ፖለቲካዊ ውዲት ንህዝቢ ኤርትራ ይኹን፡ ንህግድፋውያን ዘምጽኦ ጠቕሚ የለን።
ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን፡ ደሞክራሲን፡
ተቐማጦ ከተማ ሲያትልን፡ ከባቢኣን።
የቕንየልና