ህዝባዊ ጻዊዕት ንጽንብል መዓልቲ ሓርበኛታት 2017

Map of 4799 Shattuck Ave, Oakland, CA 94609

ህዝባዊ ጻዊዕት

ንጽንብል መዓልቲ ሓርበኛታት 2017

ንኹልኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ ኣርያ

ኩሉ ኤርትራዊ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ክህልወና ይግባእ እንዳበለ ብውልቀ ኮነ ብእኩብ ክዘራረብ ዓመታት ሓሊፉ። እሞ ሓንቲ መዓልቲ ፈሊና ዘይነብዕል ምስተባህለ ወርሒ ነሓሰ ብታሪኻ ብቕዕቲ ክትከውን ትኽእልያ ዝብል ርእይቶ ምስቀረበ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ነሓሰ ነብዕላ ብድሕሪኡ ካብኡ ዝሓሸ ዕለት እንተተደለየ ክቕየር ይከኣል።

መዓልቲ ነጻነት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ወዘተ…..ክበዓል ጸኒሑ ግን ሓርበኛታት እንዝክረሉን እነመስግነሉን ፍሉይ ወግዓዊ ‘’መዓልቲ ሓርበኛታት’’ የብልናን። ታሪኽ ህዝባዊ ቃልስናን ኤርትራዊ ሓርበኝነትን ተዓቂቡ ናብ ውሉድ ወለዶ ከነሰጋግርን ብዕቱብ ክንሰርሓሉን ግቡእዩ። ኣብ እዋን ተጋድሎ ግቡኦም ዝፈጸሙ ከምኡውን ንሉዕላውነትና ከውሕሱ ግቡኦም ዝገብሩ ዘለዉን ኩሎም ሓርበኛታት ኣዕኑድ ናጽነትና ኢዮም ኢልና ንኣምን። ሞሳ ድማ ይግብኦም። ስሞም ድማ ካብ ውሉድ ወለዶ ብኽብሪ እንዳተዘከረ ክነብርዩ።

በዚ ምኽንይትዚ ምሳና ሓቢርኩም ናይዛ ክብርቲ ዕለት ተሳተፍቲ ክትኾኑ ብኽብሪ ንዕድመኩም። ከተካፍልዎ እትደልዩ ታሪኻዊ ሰነዳት ሒዝኩም ክትመጹ ከምኡውን ተሞክሮኹም ከተካፍሉን ንምሕጸን።

ዕለት።- ቀዳም 8-19-17

ቦታ።- 4799 Shattuck Ave. Oakland CA, 94609

ሰዓት።- 2፡00pm – 5:00pm

ብደሓን ምጹ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *