ህግደፍ ዝፈጠሮ ሃገራዊ ጸገም ብኸመይ ይፍታሕ
ኣብ ዝዀነ ውግእ ዘለዎ ሃገር ስደት ክስዕብ ባህሪያዊ እዩ ክበሃል ይከኣል እዩ። ውግእ ኣብዘይብላ ሃገር መጠነ ሰፊሕ ዝዀነ ስደት ክርአ ንቡር ኣይኰነን ኣብ ኤርትራ ኣህገርና ግን ይቅጽሎ ኣሎ። ኤርትራ ሃገርና ብህግደፍ ዝተፈጥረ ጸገም ትሳቐ ከም ዘላ ዓለም ምሉእ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። እቲ ሽግር ከኣ ንልዑላውነት ሃገር ዝቘጽን ህዝቢ ፋሕ ዘብልን ሽግር ኰይኑ ብሰንኪ ፖሊሲ ህግደፍ ዝተፈጥረ ምዃኑ ከኣ ንማንም ብሩህ እዩ። ንህዝብናን ሃገርናን ካብ’ዚ ጸገም’ዚ ንምውጻእ ድማ ንኩሉ ግዱስ ዜጋ ዝምልከት እዩ። ንሃገርን ህዝብን ንምድሓን ዝግበር ምንቅስቓስ ድማ ነውሪ ዝበሃል የልቦን። ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ዘዘለዎ ግብኡ ክገብር ከኣ ንቡር እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳ ኤርትራውያን ብዛዕባ ሃገሮም ኣመልኪቶም ንጥፈታት ከካይዱ ቀንዮም ኣለዉ።
ጀርመን
እቲ ሓደ ኣብ ሃገረ ጀርመን ኰይኑ ካይዘርዝላውተር ኣብ ዝበሃል ከተማ ነበረ። ድሕሪ ባይትኡ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ህዝባዊ ዘተ ብዝብል ስያመ ዘተ ተኻይዱ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።እዚ ተበግሶ’ዚ ሎሚ ዓመት’ውን ብምቕጻል ካብ ዕለት 13-16/07/2017 ዘተ ንምክያድ መጸዋዕታ ተገይሩ ከም ዝነበረ ይፍላጥ። ዕላምኡ ድማ ህዝቢ ብዛዕባ ሃገሩ ዘተዩ ኣድላይነት ጥርኑፍ ሓይሊ ብምስትብሃል ንምርግጋጹ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ብምጥቃም፣ ህዝቢ ከመይ ገይሩ ብሓባር ክሰርሕ ይኽእል ዝብል ሓሳብ ንምርግጋጽ እዩ። ነዚ ዘተ’ዚ ዝተኻፈልዎ ኤርትራውያን ዜጋታት ድማ ነይሮም። ኣገባብ ናይ’ቲ ዘተ ከም’ዚ ዝስዕብ ነይሩ።

እዚ ሓደ ካብ’ቶም ዓውዲ-ዘተ ዘካይዱ ዝነበሩ ዘርኢ ስእሊ እዩ።
መጀመርያ ብሽማግለ ሓይሊ ዕማም ዝተዳለወ ኣጀንዳታት ነይሮም። ነቶም ቀልጢፎም ኣብ’ቲ ቦታ ዝተረኸቡ ዜጋታት ብምእካብ ክዝረበሉ ኣለዎ ዝበሃል ኣርእስቲ መታን ከይ ተርፍ ሽማግለ ሓይሊ ዕማም ነቲ ዝተረኸበ ተሳታፋይ ተወከሰት።
እዚ ስራሕ’ዚ ንውሕ ዝበለ ግዜ ወሲዱ እዩ። ቀጺሉ ነቲ ተሳታፋይ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲ ዘተ ብምምቃል፣ ኩሎም ዓውዲ ዘተ ድማ ብዛዕባ ሓደ ዓይነት ኣጀንዳ ከም ዝመያየጡ ተገይሩ። ውጽኢት ናይ ዝተፈላለያ ዓውዲ-ዘተ ከኣ ንኩለን ይንገር ነበር። ዳርጋ ኩለን ዓውዲ-ዘተ ከኣ ዝፈላለያሉ ነገር ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ንኣብነት እቶም ዝተዘተየሎም ዛዕባታት
ሀ. መሰረታዊ ጠንቂ ናይ’ዚ ኩሉ ጸገም ኤርትራ ሃገርናን መፍትሒታቶምን?
ለ. ጸላኢ ሃገርናን ህዝብናን መን’ዩ?
ሐ. ንጸላኢና ንምግጣም ብኸመይ ንወደብ?
መ. ተራ ደቂ-ኣንስትዮ ከመይ ኣሎ?
ሰ. ግጭትን ኣፈታትሕኡን
ረ. ንመጻኢ እዚ መድረኽ ዘተ’ዚ ብኸመይ ይጐዓዝ ወዘተ ዝብሉ ዛዕባታት ይርከብዎም።

እዚ ድማ ኣብ’ቲ ሓፈሻዊ መግለጺ ዝወሃብ ዝነበረ ተሳተፍቲ ክከታተሉ ከለዉ ዘርኢ ስእሊ እዩ
ብዘይካ ብጉጅለታት መቒልካ ዘተ ምግባር ካልእ እቲ ህዝባኢ ዘተ ዝተጠቕመሉ ኣገባብ ብሓባር ኣስተምህሮ ምሃብ ነይሩ። ንኣብነት ኣቶ የማነ ተኽለገርግስ ኣገዳስነት ህዝባዊ ዘተን ሽግራትናን ኣፈታትሕኡን ብዝብል ኣርእስቲ መግለጺ ሂቡ። ቀጺላ ወይዘሮ ሪም ናስር ብዛዕባ ኣበርክቶን ሽግራትን መፍትሒኡን ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ መስርሕ ተሞክሮ ተቓለስቲ ንፍትሒ ብዝብል ኣርእስቲ መግለጺ ሂባ።
ስዒቡ ንኣህጉራዊ ተበግሶ (Global Initiative …) ወኪሉ ኣቶ ተወልደ ስእለ ዕድል ተዋሂቡ ዝሓሸ መገዲ ኣፈታትሓ ጸገማትና ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ተበግሶ ዝወስድዎ ዘለዉ ተበግሶታትን ምዕባሌታቱን ነቲ ክዛተ ዝመጽአ ኤርትራዊ ምትእኽኻብ ክገልጸሉ ክኢሉ ኣሎ።
ቀጺሉ ብዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ ዝቐረበ ሓፈሻዊ ቴማ ኰይኑ ብዛዕባ ሀ. ኣገዳስነት ዘተን መፍትሒ ጸገማትና ለ. ተሞክሮ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ሃገራዊ ዕርቂ ሐ. ማሕበር ክኢላታት ሕጊ ኤርትራውያን (Eritrean Law Society) ተርኡ ኣብ ቃልሲ ንሓርነት መ. ኮምሽን ኣጻራይት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ተራ ተቓለስቲ ንፍትሕን ንዝመጽእ ክግበር ዘለዎን ኣብ ዝብሉ ርእስታት ሕጽር-ሕጽር ዝበለ መግለጺ ሂቡ። ብተወሳኺ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 17 ዓመታት ክርከቡ ዘይግብኦም ዘጋጠሙ ምፍንጫላት፣ ኣቀልልሳናን ሰማይ ዝዓረገ ትጽቢታትናን፣ ንናይ ሕጂ እዋን ጸገማትና ብናይ ቀደም ኣገባብ ኣቀላልሳ ንኸይድ ከም ዘለናን ዝኣመሰሉ ነጥብታት ኣልዒሉ ኣስተምህሮ ሂቡ።
ሓፈሽኡ ዘተ ጽቡቕ እዩ። ብዘተ ገርካ ምርድዳእን ምቅርራብን ይፍጠር እሞ ብሓባር ምስራሕ ከኣ ይጅመር። ብሓባር ምስ ሰራሕካ ድማ ምትእምማን ይፍጠር፣ ምትእምማን ድማ ብዝያዳ እንዳ ተረረ ከም ዝኸይድ ይከውን። ውጽኢት ናይ ሓባር ቃልሲ ንኹሉ ዘርብሕ ዓወት ይሕፈስ። እዚ ዝተገበረ ዘተ ግን ብዙሕ ሕጽረታት ነይርዎ። ግቡእ ምድላዋት ኣይነበሮን፣ ዝተጸንዑ ወረቓቕቲ ኣይቀረቡን። ክዛተዩ ዝግብኦም ኣካላት ኣብኡ ኣይተረኸቡን። ስለ ምንታይ ኩሉ ኣብ ደምበ ተቛውሞ ዘሎ ክርከብ ዘይተዓደመን ዘይተገልሀ ምስጢር እዩ።
ካልእ ክንቀፍ ዝግብኦ ዝተራእየ ተርእዮ ንተወዲብካ ምቅላስ ሸውሃት ዝቐትል ኣተሓሳስባ ምህላዉ እዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ፖለቲካዊ ውድባትና ኣይነፍዓን ዝብል ነቐፌታታት ኣሎ። ልክዕ ከኣ እዩ። እዚ መሰረት ገርካ ግን ተወዲብካ ምቅላስ ኣየድልን እዩ ብዘስምዕ ቃና ጐስጓስ ክግበረሉ ለባም ኣይኰነን። ኣብ ተወዲብካ ምስራሕ ኩሉ ተቓላሳይ ክኣምን ኣለዎ። ከም’ቲ መእሰሪ ዘይብሉ መኣዶ ከዀስትር ዘይክእል፣ ዘይተወደበ ቃልሲ ድማ ዓወት ከመዝግብ ኣይክእልን እዩ። ኣብ’ቲ ናይ ዘተ መኣድታት ድማ ንውደባ ዘጽልእ ወፈራ ዘካይዱ ነይሮም እዮም። ካልእ ኣብ’ቲ ዘተ ዳርጋ ኩሉ ዝሰማማዓሉ ኣብ ደምበ ተቛውሞ ኰንካ ኣብ ክንዲ ምርድዳእ ንኽሰፍን ዝጸዓር ኣነ ይበለጽ መልክዕ ዘለዎ ምውርዛይ፡ ኣነነት፡ ተጻዋርነት ዘይምህላው፡ ዘይስነ-ምግባራዊ ስራሓት ምምዕባል ካብቶም ንቃልሲ ሓንኰልትን ሃሰይትን ኰይኖም ተረኺቦም ከም ዘለዉ ኣብ’ቲ ናይ ዘተ መኣዲ ተጠቒሶም እዮም።
ኣብ መዛዘሚ እቲ ናይ ህዝባዊ ዘተ ንዝመጽእ ኣወሃሂዳ ብዝማዕበለ ዘተ ክግበር ዘድልዩ ቅድመ ኲነታት እተዳሉ ሓንቲ 5 ቀወምትን 2 ተካእትን ዘለዉዋ ሽማግለ ሓይሊ ዕማም ቈይማ እቲ ናይ ዘተ ስነ-ስርዓት ተወዲኡ ኣሎ።
ሆላንድ
ኣብ ሃገረ ሆላንድ ኣብ ራይዝቫይክ (Rijswijk) ዝበሃል ከተማ ህግደፍ ኣቐዲሞም ዝተዳለውሉ ፌስታ ነይሩ። እዚ ፈስታ እዚ ነቲ ንሃገርናን ህዝብናን ዘጥፍእ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ገንዘባዊ ዓቕሚ ክእክበሉን ፖለቲካዊ ምልዕዓል ንኽግበረሉ ተባሂሉ ዝተገበረ ምድላው እዩ ነይሩ። ኣብ ሃገርና ናይ ህዝብና ኣድማሳዊ ሰብኣዊ-መሰላት ተነፊጉ፡ ፖለቲካዊ መሰላት ተመንዚዑ፡ ፍትሒ ጠፊኡ ወዘተ ዝብል እምነት ዘለዎ በዓል-ሕልና ኤርትራዊ ድማ ነዚ እከይ ተግባራት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ክጠፍእ እምበር ክድገፍ ኣይግብኦን እዩ ካብ ዝብል መበገሲ ንስራሕ ህግደፍ ንምቊራጽ ኣብ’ቲ ቦታ ብምኻድ ሰላማዊ ሰልፊ ተገይሩ ውዒሉ።

ሰላማዊ ሰልፊ ራይዝቫይክ (Rijswijk) ብዕለት 15-07-2017 ኣንጻር ህግደፍ ብጉልባብ ፈስቲቫል ሃገራዊ ባህሊ ንፖለቲካ ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ዝግበር ንምፍሻሉን ምትዕንቓፉን ዝኣመተ እዩ ነይሩ። ሰለማዊ ሰልፊ መኣስን ኣበይን ከም ዝግበር ተፈሊጡ ስለ ዝነበረ ሕጋዊ ፍቓድ ናይ መንግስቲ ሆላንድ ዝረኸበ ኰይኑ፣ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ሰዓት 11 ንጉሆ ተጀሚሩ ክሳብ ሰዓት 6 ተኻይዱ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣርባዕተ (04-2017) ኣብ ፊልድሆቨን (Veldhoven) ኣብ ዝተገበረ ሰላማዊ ሰልፊ ትምህርቲ ዝዀኖም መንግስቲ ሆላንድ ጸጥታ ክሕልዉ ኣዝዩ ብዙሕ ዝዀነ ቊጽሪ ፖሊስ ብኣፍራስን ድሩዓት መካይንን ተሰንዮም ብጽኑዕ ሓለዋ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣሰንዮሞ። እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንጭርሖታትን ስእልታትን ቃለ መጠየቕን ብዓቢ ኣቃልቦን ፍናንን ዝተኻየደ እዩ ነይሩ። ሓንሳብ ሓንሳብ’ውን ሕርቃንን ቊጥዐን ካብ ሰልፈኛታት ይርአ ስለ ዝነበረ፣ ሰልፈኛታት ኣብ ነንሕድ-ሕዶም ይመዓዓዱን ይማኸሩን ነይሮ

ብካልእ ወገን ንህዝብን ሃገርን ዘይኰነ ንናይ ህግደፍ ንፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ኢሎም ድዮም ወላ ንኣባላቶም ከይዝኽትሙ ብማለት ኢሎም ዘውረይዎ ነገር ነይሩ። ንሱ ድማ ምስ ኲነታት ማንኪ ዝተተሓሓዘ እዩ። ዝለመድዎ ኣቡኦም ማንኪ ክመጽእ ስለ ዘይከኣለ ኣልኣሚን ዋና ጽሓፊ ህግደፍ ክመጽእ እዩ ዝብል ወረ ተነዘሑ ስለ ዝነበረ፣ ሰልፈኛታት ድማ እዚ ሓቂ ድዩ ወላ ሓሶት ክረጋገጸልና ንደሊ ኣለና ስለ ዝበሉ፣ ኣብ ሓለዋ ጸጥታ ዝነበሩ ፖሊስ ብወገኖም ውሽጢ ኣትዮም ርእዮም ከም ዘየሎ ኣረጋጊጾም እዮም። ክሳብ ክንድዚ እዩ ነይሩ እቲ ኲነታት ናይ ሰላማዊ ሰልፊ።
ህዝብን ሃገርን ምድሓን ልዕሊ ኩሉ!
ዜናን ባህልን ቤት ጽሕፈት ግሃድኤ-ሕድሪ
24-06-2017
