አመል ክሳብ መግነዝ

 

እንሆ ድማ ሎሚ ቅነ ፖለቲካ ጎላጉል ኤርትራ፡ ክልተ ሓደስቲ ኣጋይሽ ክቕበል ይሸባሽብ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ንሱ ከኣ ከምቲ ልሙድ ዕለተ ዑደቱ ኣኺሉዎ፡ ምስ ግዜ ኣብ ምቅድዳም ይርከብ ኣሎ። ክቡራት ኣጋዪሹ ከኣ ኣባላት ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝመርሑዎ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝብ ኤርትራ ኢዮም። ኣቶ ጋህዲን ኣቶ ሽፍንፍንን ተባሂሎም ድማ ይፍለጡ። እቲ ጋህዲ ብዝብል ስያሜ ጸውዐዮ ዘለኹ ሸነኽ፡ ነቲ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጽሑ ንምሉእ ሰልፊ ዝሳጸየ፡ ብልሽው ባህርያት መሪሕነቱ፡ ዘመልክት ኮይኑ፡ ናይ መፈጸምታኡ መጀመርያ ብኣቶ ወልዱ ነጋሲ ዝምራሕ ናይ ዞባ ሽማግለ ሰልፊ ደሞክራሲ፡ ብኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ተንጠልጢሉ ኣሎ። እቲ ዘሕዝን ነገር ግን፡ እቶም ኩሉ ዓይነት ፈተነታት ተጻዊሮምን መኪቶምን ዕድሚኦም ምሉእ ብሓባር ዝተቓለሱ ብጾት፡ ብሰንኪ እቲ ብሕጋዊነት ዝዝምር ንሕጊን ኣሰራርሓ ዘየኽብር ብልሹው (ኮራብትድ) መሪሕነት፤ ኣቶ መንግስተኣብን መሽርኽቱን፡ ዝባኖም ክወሃሃቡ ተበዪኑሎም ኣሎ።

እቲ ካልኣይ ኣቶ ሽፍንፍን ከኣ ባይቶ ናይቲ ኣቶ መንግስተኣብ ዝመርሖ ትካል ኮይኑ ኩሉ ዝቐረበሉ ንድፊታትን እማሜታትን፡ ብዘይዝኾነ መጽናዕቲን ሕቶን፡ ካብ ምጽዳቕ ሓሊፍካ ካልእ ዕማም ዘይምልከቶ ገይሩ ነብሱ ዝሓጸረ መሪሕነት ሰልፊ ዘርኢ ኢዩ። እቲ ዝገርም ነገር እንተልዩ፡ ውድብ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኢናራኣየ እንከሎ ተሓላቒ ሓድነት ወይ ከኣ ታሓላቒ ናይ ሓባር ስራሕ ክመስል፡ ትማል ዘካፍኦምን ዘናሽዎምን ዝነበረ ውድባትን ስቪል ምንቅስቓሳትን ምሳኻትኩም ሓቢረ ክሰርሕ ተዳልየ’ሎኹ ክብል ይስማዕ። ምናልባት ቀድመዮ ብምዝራበይ ደኣ ከይጽገም እምበር፡ ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር፡ ምእንቲ ሓባራዊ ስራሕ ንምዕዋት እየ፡ ሰልፊይ ፈንጢሐ፡ መጽኤኩም ዘለኹ ክብል ኣየሕፍሮን’ዩ። ስለዚ እማሜ መርሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ፡ ”ጽምብላሊዕ ኮፍ መበሊኣ ዘይኸደነትስ ምድሪ ከደንኩ በለት”፡ ዝብል ምስላ ኣበው የዘኻኽረካ።

ሎሚ እቲ ቀንዲ መልእኽተይ ኩነታት ሰልፊ ኣበይ በጽሑ ከምዘሎ ንዝምልከቶ ህዝቢ ንምሕባር ዘትኮረ ስለዝኾነ ክንዮኡ ሓሊፈ ዝብሎ ነገር የብለዪን። እንተ ኣብ ሰልፊ ዝተራእዩ ብልሽውናን ውሽጣው ሕጽረታትን፡ ስለምንታይ ዘይእለ ስለ ዝበልና፡ ኣበይ ከይበጽሑ ዝገብሩዎ ነገር የለን ኢልካ ዝውሰድ፡ ኣግላሊ ውሳኔ ንእምነትና ከቕይሮ ኣይክእልን’ዩ። ቁጽርና ሽዱሽተ ድዩ ስሳ መርገጽና ብቑጽሪ ኣይቅየስን። ቅድመና’ውን ኣቶ ወልደየሱስ ካብ ጉባኤ ውጽእ ምስ በልና ፡ ኣማኒኤል ካብ ዕስራ ዘይበዝሑ ሰባት ሒዙ ክኸይድ ኢዩ፡ ክምዝበለ ምጥቃሱ ኣገዳስነት ኣለዎ፡፡ ሳዕቤኑ ድማ ብዘየማትእ ተራኢዩ። መራሕቲ ሰልፊ ደሞክራሲ ርኡይ ነገር ከተማሓድሩ ዘይምድላኩም ሕቡእ ጉዳያት ስለዘልኩም ምዃኑ ዝሳሓት ኣይኮነን። መዐቀኒ ቅንዕና ኣንተደኣ ቁጽሪ ኣባላት ኮይኑ ኣቶ ወልደየሱስ አንታይ ይገብር ኣሎ ዝፈልጥ ኣይመስልን።

27.06,2017

ተኣምራት ተኸስተ

togorba.com

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *