
ስርዓት ህግደፍ ሎሚ ዓመትውን ኣብታ ናይ መጀመርያ መዕቆቢት ስደተኛታት ኣብ ጀርመን ዝኾነትን፣ ንህግደፍ ብናይ ከተማ ፓርላመንት ደርጃ መጀምርያ ዝኾነነትን ከተማ ጊሰን ፣ ፍሹል ፈስቲቫሉ ካብ ዕለት 7-9/07/2017 ክገብር ኣብ መሽብሻብ ይረከብ። እዚ በቶም ውሑዳት ንቑጻት ሰዓብቱ ጥራይ ዝሳተፉዎ ፈስቲቫል ኮይኑ ኣብ ናይ ብሕቲ ክራይ ኣዳራሽ ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ክስራ ካብ ቆንስል እናተሸፈነ ኣለኹ ገና ኣይመትኩን ዝብለሉ ፈስቲቫል እዩ።
ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ምስቲ ዘይሕለልን ኣብ ጎድኒ ስደተኛታትን ኮይኑ ዝቃለስን ኣብ ጊሰን ቀንዲ መንኮርኮር ጸረ ዲክታቶራት ዝኾነ ዶክተር ግሮተን ከምኡውን ከንቲባ ጊሰንን ካልኦት ወከልቲ ኮሎም ፓርትታት ከተማ ጊሰን ኮይና ሰላማዊ ሰልፊ ከምቐደምና ክንግብር ተዳሊና ኣለና። ስለዚ ኩሉኹም ደለይቲ ፍትሒ እብ ኩሉ ቦታታት ዘለኹም ዝገደፍኩም ገዲፍኩም ኣብዚ ኣገዳሲ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ክትሳተፍ ብኽብረት ንዕድም።
ነቶም ኣብዚ ፈስቲቫልዚ ብሽም ጓይላ ይኹን ካልእ ተመሳሳሊ ምኽንያት ክትሳተፍ ትሓስቡ ኤርትራውያን ፣ ነቲ ኣብ መገዲ ሞት ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ግዝያዊ እስንትፋስ ምሃብ ምኻኑ ተረዲእኩም ከተቛርጹዎን ኣብ ጎድኒ እቲ ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ መከራን ሓሳርን ስደትን ዘሎ ህዝቡኹም ደው ክትብሉ ንጽውዕ። ዲክታቶርን ሰዓብቱን ብገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ኣብ ናይ ዓለም ቤትፍርዲ ንምቅራብ ኣብ መስርሕ ከምዝርከቡን ህዝባዊ ማዕበል የሰንዮ ከምዘሎ ናይ 2016 ናይ ጀነፋ ደሞስንትረሽን እኹል መስክር እዩ። ጽባሕ ንግሆ ታሪኽ ውጹዕ ህዝብኹም ክሓተኩም ምኻኑ ተረዲእኩም ናብዚ ፈስቲቫል ህግደፍ ካብ ምኻድ ከተቋርጹ ደጊምና ጸዋዒትና ነቅርብ።
ሰላማዊ ሰልፊ ዝግበረሉ ቀዳም ዕለት 08.07.2017 ኣብ ጊሰን ሀሰን ሃለን ካብ ሰዓት ክልተ ክሳብ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ኣዩ። መራኸቢና ከምቲ ብዙሕ ጊዘ ዝተራኸብናሉ ኣብ ሽላኽት ሆፍ ብየማናይ ሸነኽ ናይቲ ኣዳራሽ ኣዩ።
Demonstration am 08.07.2017 gegen Festival EPDJ in Giessen
Uhrzeit: 14:00 bis 17:00 Uhr
Treffpunkt: Schlachthofstrasse / An der Hessenhalle Gießen
ብሰላም የራኽበና ህዝባዊ ምልዕዓል ፍራንክፈርትን ከባቢን