ፈረንሳ፣ ኩነታት ፓትርያርክ ኤርትራ ኣቡነ እንጦንዮስ ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ

Abune Anto

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኩነታት ናይቶም ንኣስታት 10 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ።

እቲ መንግስቲ ሎሚ 13 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ፣ 89 ዓመት መሊኦም ዘለዎ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ብምዝኽኽር፣ ግቡእ ሕኪምናዊ ክንክን ከምዘይረኽቡ ኣስሚርሉ።

ኣቡነ እንጠንዮስ ዘለዉዎ ኩነታት፣ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ብግሁድ መሰል ሃይማኖት ዝርከቦ መሰረታዊ መሰላት ደቂሰብ ይግህሱ ከምዘለዉ ዘረጋግጽ’ዩ ዝበለ መግስቲ ፈረንሳ፣ እቶም ኣቡን ክፍትሑ ጸዊዑ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዞም ብጽኑዕ ሓሚሞም ንዘለዉ ኣቡነ እንጠንዮስ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዘግዓዞም ዝፍልጥ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ኣምባሳደራት ፈረንሳን ብሪጣንያን፣ ብዛዕባ ሃለዋት እዞም ወዲ 89 ዓመት ኣቦ ደጋጊሞም ከምዝሓተቱ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሬድዮ ኤረና የረጋግጹ።

ካብዚ ብምብጋስ፣ ፈረንሳ፣ ኣብዚ ሎሚ ዘውጽኣቶ መግለጺ፣ መሰላት ሃይማኖታት ይኹን ናይ ውልቂ እምነታትን ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽን ዝኣመሰሉ መሰላት ደቂ ሰብ ከምዘገድስዋ ብምርግጋጽ፣ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዝኸተምሉ ኣህጉራዊ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩ ተማሕጺና።

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ንኣተሓሕዛ ኣቡነ እንጠንዮስን ሓፈሻዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ዝነቕፍ ተሪር መርገጺ ዘውጽእ ዘሎ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣብ ውሽጢ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ’ዩ።

ኣቐዲሙ ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ፍራንስዋ ኦላንድ፣ ኣብ ማልታ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዋዕላ ስደት፣ ኤርትራ ብሰንኪ ዋሕዚ ስደት ዜጋታታ፣ ሞያዊ ዓቕሚ ሰባ ከይትጽንቕቕ ዘስግእ’ዩ ድሕሪ ምባሉ፣ ኣውራ ጠንቂ ስደት ኮይኑ ንዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ኤርትራ፣ ፖለቲካዊ ፍታሕ ከምዘድልዮን ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ጸቕጢ ክግበርን ከምዝተላበወ ኣይርሳዕን።

Radio Erena: 13 June 2017

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *