ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI ( ኣሰቃቂተግባርህግደፍኣብከተማካስል)

 

hidri

 

ኩሉ ኤርትራዊ ከም ዝፈልጦ ህግደፍን ደገፍቱን ንኸድዎ ዘለዎ መገዲ እንተተዓዘብካ ኣዝዩ ዝገርም እዩ። ሓደ ብሓቂ ንህዝቢ ደው ዝበለን ዝሓስብን ስርዓት ህዝቢ ክመሓደረሉ ዝግባኣ ፖሊሲታት በብግዜኡ ምስ ኲነታት እንዳኣዛመደ የመዓራሪ ንቡር እዩ። ህግደፍ ግን ቀንዲ ዕላምኡ ንህዝቢ ምብትታትን ስለ ዝዀነ መንእሰያትና ሃገሮም ገዲፎም እግሮም ናብ ዝመርሖም ይነፍጹ ኣለዉ። ንሱ ጥራሕ’ውን ከይኣክል ደድሕሪ ህዝብና እንዳ ከደ ወይ’ውን ብደገፍቱ ገይሩ ህዝቢ ኣብ ዘዘለወሉ ቦታታት እንዳተኸታተሉ ሞራሉ ክወድቀሉ ዝኽእል ሜላታት እንዳተኸተሉ ናይ ምብትታን ዕላማታቶም ከረጋግጹ ከይሰልከዩ ይሰርሑ ኣለዉ። ነዚ ከም ኣብነት ዝዀነና እዚ ስዒቡ ዝቐርብ ሓበረታ ንመልከት፡-

 ኣሰቃቂተግባርህግደፍኣብከተማካስል

 

ብዕለት 25/05/2017 ኣብሃለኖርድሃውዘን ዝበሃል ናይ ኣኼባ ቦታ ኣብ ካስል ለይቲ ናብ ሰንበት ዘውግሕ፣ጃንዳ ህግደፍ ኣብ’ቲ ናይቲባርነት ዝኾነ ነጻነት ኢሎም ኣብዘዳለውዎ በዓል ሳዕሳዒትን ዳንከራን ርእዮም፣ ትሕቲ ዕድመ ዝዀኑ መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ዓገብ ህዝብና ኣብምንታይ ኩነታት ኣሎ ክብሉዝኣተዉ፡እዚበዓልዚምስቲ ኩነታት ህዝብና ዘለዎ ዝሳነ ስለዘይኮነ ኣቋሪጽዎ በልዎም።

ድሕሪ ባይታ ናይ’ዞምሓሙሽተመንእሰያትንምፍላጥ እንተዀይኑ ካብ’ቲጨካን ምሕደራ ህግደፍ ኣምሊጦም ምድረበዳሱዳንልብያን ሰንጢቖምን ማእከላይ ባሕሪሰጊሮም ዝመጽኡ እዮም። ብፍላይ ሓደ ካብዚኦም ሰመረ ዝተባህለ ትሕቲ ዕድሜ ወዲ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ካብቶም ኣብ ላምፓዱ ዛብዕለት 03/10/2013 ክሳብ 359 ዝጠሓሉ ብድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ሰዓትን ፈረቓን (4.30) ምሕንባስ ብረድኤት ሓይሊ ጣልያን ካብ ሞት ዝወጸ ታሪኻዊ ህጻን ኢዩ።እዞም ሃገሮምን ህዝቦን ገዲፎም ክስደዱ ዝተገደዱ መንእሰያት ኣብቲ በዓል ህግደፍ ተረኺቦም፡”ኣቱም ህግደፍ መንእሰያትና ኣብ ባሕሪ ብኣሽሓት እናጠሓሉ ከለዉን፡ህዝብና ኣብ ትሕቲ ሕሱም ኩነታት እንከሎን ንስኹም ኣብዚ ጓይላ  ንሳዕሲዕትን ተራእዩኩም?ካንዶኣይትሓፍሩንኢኹም?” በልዎም።

እቶም ህግደፍ ነዞም ልቢ ዘዕበዩ መንእሰያት ክተሃራረሙ ጀመሩ። ንትሕቲ ዕድሜ ዝኾነ መንእሰይ ሰመረ ብጥሩሙዝ ኣብርእሱ ሃሪሞም ኣውደቕዎ። ቀጺሎም ኣንስትን ኣሰብኡትን እናተባራረዩ ብጫማኦም ከይተረፈ እናረጋገጹ ደሙክሳብዝውዳእ ገበርዎ።ብድሕሪዚ ሓደኣ ብኡ ዝነበረ መንእሰይ ንሰመረ ጨፍጪፎም ምስ ኣውደቕዎ፣ ኣንታ ከይመተኩም ግደፉ እናበለ ተሸኪሙ ካብቲ ውሽጢ ገዛ (ኣደራሽ) ንደገ ኣውጺኡ ናይ ሕክምና(ኣቡላንስ) ቀዳማይረደኤትን ስርዓት ተቘጻጸርቲ ሃገረ ጀርመን (Kranken wagen:Police) ጸውዒሉ።

ኣካየድቲ ሕክምና ቀዳማይ ረድኤት ሰመረ ከቢድ ማህረምቲ ወርዱዎ ከምዘሎ ምስተገንዘቡ ብህጹጽ ኣብትሕቲ ሂወትኣድሕን (ኢንተንሲፍ) ክጸንሕ ንሆስፒታል ከምዝኣቱ ገይሮም ኣለው።እቶም ነቲ ትሕቲ ዕድሜ ዝኾነ መ ንእሰይ ሰመረ ዝሃረምዎ ዳርጋ ኩሎም ልዕሊ ኣርባዓ ዝኾኑ ህግደፋውያን ብዕድሜኦም ልዕሊ 50 ዓመት ዮም ነይሮም።ካብቲ ዘሕዝን ድማ ሓንቲሰበይቲ ነቲ ትሕቲ ዕድሜ ዝኾነ መንእሰይ ሰመረ መለስ ወዲቑ ከሎ እናተጻረፈት ብእግራ ከምዝረገጸቶ ተፈሊ ጡኣሎ።ብዝኾነ ብወገን ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ተጸዊዖም ኣብዝኸድሉ ሰዓት ቲኩነታት ድሕሪ ምዕዛቦም ኣስማት ናይ ገለ ሰባት ኣመዝጊቦም ከይዶም ምህላዎም ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ታሪኻዊ መንእሰይ ሰመረ ግንትሕቲ ዕድሜ ስለዝኾነ ጉዳዩ ኣብትሕቲ መንግስቲ ጀርመን ስለዝቕመጥ በቶም ናይ መንእሰያት ሓለፍቲ (Jugendamt) ይጽናዕ ኣሎ።እንተ እንዳ ህግደፍ ብጀካ ግፍዒን ምቕታልን ምንድንጋርን ጓይላን ሳዕሲዒት ንዝፈልጥዎ ስለዘየለ ካብ እከይ ንኮቦሮ ንክቑጠቡ ንክልብሙን ኢልካ ምጽባይ እሞ! ዕሽነት ጥራሕዩክኸውን ዝኽእል።ህዝቢ ኤርትራ ይሃሉ ኣይሃሉ ኣይግደሶምንኢዩ። ኢሰያስ ንጉጅለኡን ጥራሕ ይሃሉወልና በሃልቲኢዮም።ስለዚ ደለይቲ ፍትሒ ንኹሉ ኣረሜናዊ ተግባራት ህግደፋውያን ኣብ ቅድሚ ሕግን ስርዓትን ኣቕሪብና ንምቕልዖም ግደናይኹን።ክወግሕ ድማ ኢዩ።ኩነታት ሰመረ ብቐጻሊ ክንሕብርኢና።

ምስሰናይሰላምታ።

ደለይቲፍትሒከተማካስል  04/06/2017.

 

እዚ ብደለይቲ ፍትሒ ከተማ ካስል ዝቐረበ ሓበረታ ህዝብና ክፈልጦ ስለ ዝግባኣ ብከም’ዚ ኣገባብ ብምቕራቦም ከነመስግኖም ንደሊ!

 

ህዝብን ሃገርን ምድሓን ልዕሊ ኩሉ!

ዜናን ባህልን ቤት ጽሕፈት

ግሃድኤ-ሕድሪ

03-06-2017

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *