“ነጻነት ኤርትራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ!”By micheal embaye aranchi

ሓደ ዘደንጹ ብህሎ ብተደጋጋሚ ክበሃል ካብ እንሰምዖ ነጻነት ተጨውያ ዝብል እዩ። ወረግ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ክዝረብ ዝሰማዕኩዎስ: ፍጹም ዘደንጹ እዩ። “ነጽነት ኤርትራ ተጨውዩ እዩ ይብሉኻ። መን ብኸመይ ጨውይዎ ኢልካ ምስ እትሓቶም መልሲ ስኢኖም ጥርቅም ይብሉ። ነጻነት ዘይነበሮ ሽፍታ ገድሊ ከመይ ቢሉ ነጻነት ክምጥው ? ህዝቢ ኤርትራ ሽፍትነት እምበር ዘካየዶ ገድሊ ይኹን ቃልሲ ብፍጹም የለን። ህዝባዊ ግንባር ካብ ሳሕል ናብ ኣስመራ ባርነት ኢዩ ሒዙ ኣትዩ። 24 ግንቦት መዓልቲ ባርነት ኤርትራውያን እያ። 24 ግንቦት ናይ ህዝባዊ ግንባር ናይ ህግደፋውያን እምበር ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነትን። ስለ ዝኾነ ክነብዕላን ክንዝክራን ብፍጹም ኣይግባእን።” ዘደንጹ ኢዩ!!! እቲ ምንታይ ንናጽነትን ልዑላውነትን ሃገረ ኤርትራ ጠሪሹ ዝኽሕድ ስለ ዝኾነ።

እቲ ብህሎ ብፍጹም ዘይ ሓላፍነታውን ቅድሚ 26 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ህይወት መስዋእትን ዓውው ብዝበለ ሕቡር ድምጹን ዝሰዓሮ ደርጋዊ ኣስገዳዲ ትምክሕቲ እዩ። ከምቲ ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን ዝብል ናይ ቅትለትን ጽንተትን ትምክሕቲ። ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ፍጹም ጸቢብዎ ኣብ ዝሃለወሉ ናይ ጽልግልግ ግዜ: ፈኸም ክብል ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና: ባዶሽ ግን ድማ ኣዝዩ ሓደገኛ ከራሚ መርዚ’ዩ። ኣዝዩ ኣዝዩ ረቂቕ ጥጅእ ውን’ዩ። ንኤርትራውያን ኤርትራውነቶም ከም ዝጸልኡ ጌርካ ኤርትራን ኤርትራውነትን ንምድምሳስ ዝተኣልመ ከንቱ ሃቐነ።

እቲ መደረ ንሓቅን ክውንነትን መሰረት ዘይገበረ ኣብ ርእሲ ምኻኑ: ንቓልስን ኣዝዩ ከቢድ መስዋእትን ህዝቢ ኤርትራ: ብፍጹም ዝኽሕድን ስለ ዝኾነ: ኣብቲ ብቐደሙ እውን ስዑር ናይ ቆይቂ መኣዲ ኢደይ ክመልስ ኣይደልን። እቲ ምንታይ ከምቲ ኣምሓሩ ክምስሉ ” የቆጡን ኣወርድ ብላ የብብትዋን ጣለች!” ዝብልዎ ኮይኑ እዩ ዝስማዓኒ። ዝጨበጥናዮ ነጻነት ኣሚናን ሒዝናን ድኣ ነቲ ገጢሙና ዘሎ ዓማጺ ምሕደምራ ሱር መሰረቱ ቦንቂስና ንኣልዩ እምበር: ኣብ ደረት ምዕራፉ በጺሑ: መዓልቦ ተገይሩሉ ዝተወደአ: መዝገቡ ኣብ ዝተዓጽወ ጉዳይ: ብማልና ንቃመረሉ ዕሽነትስ ብፍጹም የብልናን።

ሰላም ኩቡር ህዝቢ ኤርትራ። ሰላም ኩቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን። ሰላም ኩሉኹም ደለይቲ ጽቡቕን ተቓለስቲ ንፍትሕን መፍቐርትን ፈተውትን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ። ብመጀመርያ እንቃዕ ናብ መበል 26 ዓመታት ዕለተ ልደት ነጻነት ኤርትራ ኣብጽሓና። መበል 26 ዓመታት ዕለተ ልደት ነጻነት ኤርትራ ኣብ እንዝክረሉ ናይ ጽልግልግ እዋን: ነቲ ዘየፈላሊ ፍልልያትና ኣውጊድና: ኩሉ ውልቃውን ውድባውን ድሌታትና ኣወንዚፍና: ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ሰሪዕና: ብዘይ ወዓል ሕደር ንኹልና ዝጥርንፍ: ደርማስ ማዕበል ፍትሒ: ኣብ መላእ ዓለም ክንፈጥርን ከነተንስእን ግዜ ኣፍ ኣውጺኡ የድህየና ምህላዉ እናኣስተባሃልናን እናሓሰብናን ክኸውን ይግባእ።

መበል 26 ዓመት ነጻነት ኤርትራ: ዋናታቱ ንሕና ባዕልና ስለ ዝኾና እምበር: ንሃልክን ንምድማቕ ዳንኬራ ዓማጺ ስርዓት ህግደፍን ኢልና እነብዕሎ በዓል ከም ዘይኮነ: ዋላ እቶም ብኹሑን ጽልኢ ኣብ ናይ ህልኽን ቅርሕንትን ዓዘቕቲ ዝተሸኽሉ ኣሕዋት: ንእምነትና ብልቦም ከም ዝኣምንሉ ኣይጠራጠርን’የ። እቲ ምንታይ ንሕና ኤርትራውያን ምስ ነጻነት ኤርትራ ዘለና ቃል ኪዳን ናይ ሔማ ኣስኬማ ምኻኑ ኣጸቢቖም እፈልጥዎ እዮም። ብኣንጻሩ ንርእሰ ኩለን በዓላትና ዝኾነት 24 ግንቦት: ንይምሰል ንሃልክን ባጫን ዘብዕል ዘሎ ስርዓት ህግደፍ እዩ። ንመናውሒ ዕምረ ምልኩ ፈንጠዝያዊ ዳንኬራታት ተኺሉ ህዝቢ ብጉሁይ ልቡ ብፍርሕን ኣስገዳድን ዘላህይ ዘሎ ንሱ እቲ ዓማጺ ስርዓት ህግደፍ እዩ። ክኹነን ዝግበኦ እውን ንሱ ስርዓት ህግደፍ እዩ።

ብርግጽ ዳርጋ ንኽልተ ዓሰርተው ዓመታት: ንባዕልና ኣብ ዘይ ምህላዉ እናሃለና: ነቲ ኤርትራዊ ህላውነትና ዘረጋግጽ ክብረ መንነትና ነጻነት ነብዕልን ንዝክርን ምህላውና ኣይከሓድን። መዓልቲ ነጻነት ንምዝካርን ንምኽባርን ግድነት ፈንጠዝያዊ ዳንኬራታት ንግበር ዝብል እምንቶ ውን ብፍጹም የብለይን። ስለምንታይ ዕለተ ልደት ነጻነት ኤርትራ ነብዕሎን ንዝኽሮን ግን ውሽጥና ኣጸቢቑ ዝፈልጦን ዝኣምነሉን ኣብ ከብሕታት ልብና ብደሚቕ ተወቒሩ ዝተጻሕፈን ሓቒቕ ሓቂ ኣሎ’ዩ።

ስለምንታይ ? እንታይ ዝኦሙ ሓቒቕ ሓቂ! ?

ዋናታት ነጻነት ኤርትራ ንሕና ኩልና ኤርትራውያን ኢና።ስርዓት
ህግደፍ ንበሎ: ጽባሕ ኣብ ልዕሊ መቓብር ስርዓት ህግደፍ ክንተኽሎ ኣብ እንሓልሞ ፍትሓዊ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ: እቲ ናይ ባዕልና: እቲ ናይ ኩልና ሓባራዊ ዋንነትና ኣሕዲጎም: ንሶም ጥራይ ዋናታት ነጻነት ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም።

እቲ ምንታይ ኩሎም ስርዓታት እንተስ ሕማቕ ሓደው ጽቡቕ ዝኽሪ ገዲፎም ዝሓልፉ እምበር: ንመዋእል ነበርቲ ኣይኮኑን። ኣብዛ ዓለምና እቲ ህላውነቱ ኣውሒሱ ዝቕጽል ህዝቢ ጥራይ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ: ከም ኩሎም ኣህዛብ ናይዛ ዓለም: መሬት ዋላ ልዕሊ ልዕሊ ኣፍ ዑንቂ ትጽበብ ኤርትራዊ ክብሩን መንነቱን ዓቂቡን ኣውሒሱን ዝቕጽል ህዝቢ ምኻኑ ሕሉፍን ሓቀኛን ዘኹርዕ ታሪኹ መስክሩ እዩ።

ሎሚ ብሰንኪ ዓማጺ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ስለ ዝተበደለ ስለ ዝተገፍዐ ስለ ዝተቐትለን ዝተሞቕሐን ጨኒቕዎ ብነጻነቱ ክቃመር ምሕሳብ ዘይሕለም እዩ። ሰለ ዝኾነ ንስርዓት ህግደፍ ጸሊእና ነቲ ካልእ ፈቲናን ነቲ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልናሉ ኩቡር ነጻነትና ንሓደካ ኣሕሊፍና ኣይንህብን ኢና። ነጻነት ንምድላይ ዘሕለፍናዮ ነዊሕን መሪርን መስገደል ገድሊ: ዝኸፈልናዮ ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት መስዋእቲ መጣልዕን መቃመርን ነዚ ሕጂ ኤርትራውነትና ፍጹም ንኽንጽየኖን ክንፍንፍኖን ዝግበር ዘሎ ነቲሕ ህግደፋዊ ውዲት ክኸውን ኣይክእልን’ዩ።

ኣብዚ ተነጺሩ ክፍለጥ ዘለዎ: ኤርትራውነትና በዚ ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ህግደፍ ይኹን: ጽባሕ ኣብ ርህውቲ ኤርትራ ብዝመጽእ ካልእ ስርዓት: ጸሊኡ ዝኸልኣና: ፈትዩ ከም ገጸ በረኸት ዝዕደለና: ህያብ ኣይኮነን። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኤርትራውነቱ ዓቂቡ ንቐጻላይ ወለዶታት ከውርስን ነጻን ሉዑላዊትን ሃገረ ኤርትራ ኣውሒሱ: ታሪኻውን ሓላፍነታውን ዓሸርኡ ኣንቢሩ ክሓልፍን ገድልን መስገደልን ተሳጊሩ: ብኽቡር መስዋእቱን ሕቡር ድምጹን ኤርትራ ትበሃል ማሕበረ- ሰብ ዓለም ብሕጊ ዝፈልጣ ሃገር ኣብ ካርታ ዓለም ኣስፊሩ እዩ። እዚዩ ድማ ኣብ ከብሕታት ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ከም ሓወልቲ ዝተተኽለ ሓቒቕ ሓቂ። እቲ ገድሊ እቲ ነጻነት ናይ ህዝቢ እዩ። ዋንኡ ድማ ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

ዋና ተኣምራታዊ ገሉን ነጻነቱን ባዕሉ ህዝቢ ክንሱ: ንነጻነት ኤርትራ መንዩ ክጨውዮ ? ብሓቒ ኸ ነጻነት ኤርትራ ክጭወ ንበሎ ዳግማይ ክምንዛዕ ይከኣል’ዶ ይኸውን?

ብስሚዒት መሲሉካ ምዝራብ ካልእዩ። እናፈለጥካ ሰባት ከተጋግን ኣብ ስሚዒት ኣእቲኻ: ኣብ ልዕሊ እቲ ንሶም እውን ዝውንንዎ ነጻነት: ተጠራጢሮም ንኽኽሕድዎ ምፍታን ድማ በይኑ እዩ። እቲ ሓቂ ግን ነጻነት ኤርትራ ብፍጹም ክጭወይ ይኹን ክምንዛዕ ዘይክእል ምኻኑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ክንብል ድንክል ዝብል ወይ ውን ቀላጽሙ ብዘሕበጠ ዓማጺ ዝምንዛዕ ዝጭወይ ዘይኮነ: ንዘንተ እለት ንውሉድ ወለዶ ዝሰጋገር ጽኑዕ መሰረት ዘለዎ ነጻነት እዩ ኣረጋጊጹን ክዉን ገይሩን።

ደጊመ ርሑስ በዓል ነጻነት ኤርትራ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ!
መበል 26 ዓመታት በዓል ነጻነት ኤርትራ ኩሉ እቲ ዘየፈላሊ ፍልልያትና ኣወጊድና ምንሽርና ናብቲ ሓደን ካልኣይ ዘይብሉን ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ነቕንዓሉ መሰጋገሪት መድረኽ ክትከውን እትስፎ። ንህዝቢ ኤርትራ ብዜካ እቲ ክሳዱ ረጊጹ ምስትንፋስ ከሊእዎ ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ህግደፍ ካልእ ጸላኢ የብሉን። ስለ ዝኾነ ንቓልስና ዘስንፍ መባድልቲ ዛዕባታት ገዲፍና ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ቆሪጽና ንለዓል። ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ሓደ ናዕታ ዘለዎ ማዕበል ፍትሒ ሕጂ ነተንስእ።

እንተ እቲ ብመሪሕ ጭሮሖ “ብርሃን ንደርማስ ምዕባለ” ብዝብል ብዓማጺ ስርዓት ህግደፍ ዝገብር ዘሎ: ንሓቅነት ዝጎሰየ: ሓሶታዊ ፈንጠዝያዊ ዳንኬራን ጋዕሮን ግን: ይሬኤና ይሰማዕና ብምባል ዕፉን ብሽፉኑ ክንሓልፎ ይሓይሽ ። በዚ ስርዓት እዚ ዝበርህ ብርሃን ይኹን ዝመጽእ ምዕባለ ብጥራሽ ስለ ዘየለ። 26 ዓመታት እናሓደረ ከጸልምትን ከዕኑን እምበር ንተስፋ እካ ጭልምልም ትብል ብርሃን ክልግስ ኣይረአናዮን። ሕጂ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ጲላጦስ ኢዱ ተሓጺቡ ተናሲሑን ተጣዒሱን ደበሳ እዮብ ክድብሶ ድማ ዘይሕሰብ’ዩ።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!!
ውድቀት ንዓማጺ ስርዓት ህግደፍ!!

ሚኪኤል እምባየ ኣራንቺ
ኣዲስ ኣበባ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *