ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI

Image result for ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI logo images

ዜና

ዕጡቕ ኣሃዱታት ግሃድኤ-ሕድሪ፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ ዝብል ጭርሖ ተሓንጊጦም ኣብ ቅድመ ግንባር ብተግባር ተሰሊፎም ዝቃለሱ ዘለዉ መንእሰያት ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) መጋቢት 22ን 23ን 2017 ብሰንኪ ሕጊ-ኣልቦ ሃላሊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ኩለመዳያዊ ሕሰመ መከራ መታን ከብቅዕ ምስ ኩሎም ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ዝኾኑ ተቓለስቲ ሓይልታት ኤርትራ ብከመይ ተዋሃሂዶም ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወተሃደራውን ጸጥታውን ግሃድኤ-ሕድሪ ከምዝተዋህበ ዝበጽሓና ጸብጻብ ሓቢሩ፡፡

እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ከምዝሓበሮ ኣብቲ ንክልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ከምዝተሓበረ ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ሎሚ እዋን ብዝኸፍአ ኣገባብ ኣብ ኩሉ ቤት ማእሰርትታት ተዳጒኖም ዝነበሩ ከይተረፉ ናብ ፈቐዶ ግንባራት ወሲዱ ድፋዓት ክሰርሑ የገድዶም ከምዘሎ ዕጡቕ ኣሃዱታት ግሃድኤ-ሕድሪ ብጭብጢ ተንቀሳቒሶም ዘርጋገጽዎ ምኳኑ ተሓቢሩ፡፡

ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብሰላም ክነብር ስለዘይክእል ኩሎም ኣብ ትሕቲኡ ዝርከቡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ናብ ድፋዓት የኽትቶም ከምዘሎ፡ ዓቕምን ኣጋጣምን ዝረኸቡ ኣረጋውያን፡ ህጻናት፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ብዝረኸብዎ ኣጋጣሚ መዓልታዊ ናብ ስደት ይውሕዙ ከምዘለዉ እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ወተሃደራውን ጸጥታውን ግሃድኤ-ሕድሪ ዝበጽሓና ጸብጻብ ሓቢሩ፡፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግሃድኤ-ሕድሪ

መጋቢት 26-2017

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *