
ንሕና ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ዝነበርና ተጋደልቲ፡ ተመኩሮታትና ዳግመ ክንዋሳኣሉን፡ ንመጻኢ ትውልዲ ከነውርሶን ግቡእናን ግድነትናን ኢዩ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ብህይወት ስለዝተረፍና ኢና፡ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ርኽኽባት ክንሳተፎ ንኽእል ዘለና። እቶም ኣብ ፈቖዶ ስንጭሮን ጎቦን ጎላጉልን ዝወደቑ ብጾትና ግን ነዚ ዕድል`ዚ ክረኽብዎ ኣይክኣሉን። ስለዝኾነ፡ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ዓመት፡ ግዜናን ገንዘብናን እናኣወፍና ታሪኾም፡ ክነግርን ክንስንድን፡ ብውሕዱ ሕድሪ መስዋቶም ምፍጻም`ዩ።
ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ሰፊሕን ክቡርን ስለዝኾነ፡ ክስነድን ክውረሰን ድማ ሓላፍነትን`ዩ። ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ`ዩ። ቀንዲ ዋንኡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ውድባት ወይ ውልቀ-ሰባት ኣይኮኑን። ካብዚ ጽኑዕ እምንቶ ብምብጋስ ድማ ታሪኻዊ ተሞክሮ ተ.ሓ. ኤ ዝተበታተነ፡ ብቀሊሉ ዝደምሰስ፡ ዘዳናግር፡ መርትዖ ዘናዲ ፡ ኮይኑ ሃሳስ መደፋነቂ ተዘክሮታት ኮይኑ ከይትርፍ፡ እቲ ብሳላኣ ዝተሞኮረን፡ ምእንቲ ዕላማኣ ዘትከልን ዝኸርተተን—– ኮታ ታሪኻን ታሪኹን ኣብ ናይ ኤርትራ መጸሓፍቲ፡ ብብሩህን ጉዙፍን ክልለ።
ንመብዛሕትና ገዳይም ተጋደልቲ፡ ምስ ቅድምን ድሓርን ዘሕለፍናየን ዕድመታትና እንክናጻጸር፡ እተን ኣብ ሜዳ ዘሕለፍናየን ዓመታት- ኣብ ኣተሓሳስባና፡ ኣራኣእያናን ይኹን ግንዛቤታትና፡ ማእከላዊ ስሕበት ሒዘን ይርከባ። ናይ ህይወትና መወከሲ ዓመታት እየን`ውን ክንብለን ንኽእል። ስለዝኾነ፡ ዳግመ -ርኽክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ነቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት መጸ ኣብ ዳግመ-ርኽክብ እናተረኽቡ፡ ናይ ሜዳ ብጻይነቶም ዘሐድሱ፡ ዝትርኹ፡ ዝሕብሩ፡ ተመኩሮታቶም ዘቕርቡን ዘበርክቱን መንፈሳዊ ዕግበት ከምዝህቦም ኣብ`ዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ናይ ዳግመ-ርኽክብ ፍጻሜታት ተማሃርናዮን ተረዳእናዮን ኣለና።
ኣብ`ዚ ጉዳይ`ዚ ብዕዘት ክንርእዮ ዘለና ጉዳይ ኣሎ።ታሪኽ ምስናድን ምዕቃብን ይጽናሓለይ ዘይብሃሎ ሓላፍነት`ዩ። ምኽንያቱ ንጹር`ዩ፡-
1. ዕድሜና እናደፍአን፡ ተዘክሮታትና እናሃሰሰን ይኸይድ ብምህላዉ፣
2. ዛጊት፡ ዝኸሰርናዮ ክሳራታት ከቢድ ብምዃኑ፣
3. ስነዳ ታሪኽና፡ በቶም ኣብ`ቲ ውዕሎ`ቲ ዝነበርና ጻዕሪታት ክግበረሉ ግድን ብምዃኑ፣
ኣብ 2017ዓ.ም. ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ ክቃናዕ ተመዲቡ ዘሎ፡ ሓሙሻይ ዳግመ-ርኽክብ፡ ሓላፍነቱ ነቶም ኣብ ኮሎራዶ ዝርከቡ ገዳይም ተጋደልትን ግዱሳት ኤርትራውያን ጥራሕ ክድርበ ኣይግባእን። ናይ ኩሎም ኣብ`ዚ ጉዳይ`ዚ ዝግደሱ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ብኣካል ምርካብን ገንዘባዊ ሓገዝ ምግባርን`ውን የድሊ። ኣብ`ዚ ዓመት`ዚ፡ ዋሺንግቶን ስተይት (ሲያትል)፡ ካሊፎርኒያ፡ ነቫዳ፡ ተክሳስን ኣሪዞናን`ውን ክዕጠቓሉን ክሻባሸበሉን ይርከባ ኣለዋ።
ሕድሪ፡ ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ሰነ 30፡ ሓምለ 1 ን 2ን 2017፡ ኩሎም ገዳይም ተጋደልቲ ክዕጠቕሉን ክውፈይሉን ዘለዎም ስለዝኾነ፡ ብኽብሪ ንጽውዕ።
ክብርን ሞጎስን ንኹሎም ስውኣትናን ሓርበኛታትናን።
Gereger.com