
R.I.P To Our beloved Brather and Freinds always remember You love you, your in Our heart & you always will be for life it just not the same with out you .♡
♥♡
♥
♥
♥♡መልቐስ ወድና ዓወት ተኽለብርሃን ዮሴፍ
ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝተነበ
ዝኽበርኩም ስድራን፡ ቤተ ሰብን፡ ፈተውቲ መሓዙትን፡
ብሓቂ ሎሚ ኣብ ዘሕዝን ኣጋጣሚ ሓደጋ ሞት ንእሱ ወድና ዓወት ተኽለብርሃን ዮሴፍ ከም ሰቡ ክመስል ማሰ ክንብለሉ ንጽበዮ ዝነበርና ግዜ ፡ ካልኣይ ዘይብሉ ሞት ሕሱም ኮይኑ መጺኡ ወየ ወየ ልቅሾ ኮይኑና። ኣብ ምፍናው ዓወት ብኣካል ክመጽእ ብዘይምኽኣለይ ከኣ በዛ ሓጻር መልቐስ መልእኽቲ ክፋነዎ መልእኽተይ የመሓላልፍ።
ዓለም ዝብልዋስ ……….
እንታ’ዛ ዓለም ዝብልዋስ ክንደይ ትጭክን ከይተሰዓዓምናስ ደሓን ኩን ዓወት ካን ዶ ኣይትናፍቕን፡
ግሩም መንእሰይ ኮርዒዳ ደኺመ ዘይበለት እግሪ’ዚ ኩሉ ከይዳ ጠለመት ዶ ምስተረኽበ ፋይዳ፡
ወይ ኣነ፡ ወደይ ዓወት ታሪኽኻ ከየዘንተኻስ ንቕሎ ሞት ኣይፋልኻን ንድሕሪት ኣይትጠምት፡
ሞትካ ሰሚዔ ሕልሚ ድዩ ግህዶ ሰብ ዘይረኽቦ ጋዶ ዓወተይ ንዓኒ’ንዶ፡
አርሒቐካ ጠሊመ ጨኺነልካ ሓሲመ ክምልሰካ ክሒሰ፡ ኣልማዝ ሰሊመ፡
ምልኩዕ ጨጕሩ፡ ሃሪ ከደራይ ኣፍሪቃዊ ሕብሪ ሓደራ ታሪኽ ህያብ ፈጣሪ፡
ሰማዕ፡ ተቐባሊ፡ ተጠዓሲ ሕያዋይ ለጋሲ ሞት ኮይኑ የልቦን መምለሲ።
እወ ንድሕሪት ኣይትጠምት ሕሱም እዋን መዓት ሰጊርካዮ’ዲኻ ብትብዓት፡ ኣንታ ታሪኽ፡ ወዲ ጀጋኑ ነደኻ ቃል ነቦኻ ኪዳኑ ሸምገልቲ፡ ፈረዲ፡ ዘይብሉ ደያኑ፡
እሞ ሓንሳብ ዘይትጸንሕ ጸላም ክጸብሕ ጸበባ ክወግሕ፡
ኩሉ ሓሊፍካ ከም ዋዛ ስሓቕ ቀይርካዮ፡ ኣረሲዕኻና ቃንዛ ከይደ ኢልካ ነዚሕካያ ሕንዛ፡
ወላዲትካ ናፊቕኻ ክትስዕብ ኣሰራ ንኡስ ሓውኻ ናፊቕኻ ሞት ክትጽንበራ ተካል ግዜ ሕውኽ ቆጻራ፡
ዓወት ወደይ ታሪኽ ዕርቒ ንደላይ ሓድነት ደላይ ሓቒ ከነዘንትዎ’ና ሕርሕራይ ድንቒ፡
እወ፡ እቲ ዘይነገርካዮ ፈዋሲ ማሕበራዊ ሕማም ደናሲ
ዘይምሕር ዘየናሕሲ፡
ዓወት ዝበሉኻ ሽሞም ትረኽበ፡ ብሓቂ ዓወት ፍቕሪ ክልተ ወለዲ፡ ስኒት ስድራ ቤት ፍቕሪ ሃገር፡ ፍቕሪ ማይ ቤት፡
ዓወት ወደይ ብዙሕ ከይዛረብ ዕድመና ዘይ ዕድመ ሳዕሪ ገረብ ምስ ኣቦይ እዝጊ ሞጎተ ዓገብ፡
እሞ ኣቦይ እዝጊ ሂቡ ካብ ወሰደ መረጻ የብሉን ሓደ ካብ ሓደ ይተዓረቀና ብዝተማህለለ ዝሰገደ፡
ሰላማዊ ዕረፍቲ ዓወት፡ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ፡ ጽንዓትን ኣኻእሎን፡ መላእ ስድራ ቤት ነፍስሄር ኣቶ የሴፍ ህብትዝጊ።
15 መጋቢት 2017
ካብ ሓውኹም ኣንቶንዮ ተስፋይ ሽወደን ኣብ ክንዲ ኩሎም ብጾን፡ መተዓብይትን