Page Liked · September 25, 2015 ·

እቲ ፈያር ጽሕፍቶ ኤርትራውያን ንክገሃድ ኢሉዎስ፡ መስራቲ ሰልፊ ናጽነት ዝነበረ ኣብራሃም ተወልደ፡ ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ እግሪ ተኽላ እንከላ ተሰዊኡ። ኢሳይያስ ሰሚሙ ዝቐተሎ ቀዳማይ ግዳይ ወዲ ህዝቢ፡ ኣብራሃም ተወልደ ኢዩ ነይሩ።
ኣብ ጉዳይ ኢሳይያስን ዓላን፡ ገና ብናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ምፍሓር ዘድልዮም ከበድቲ ምስጢራት ኣለዉ። መስዋእቲ ኣብራሃም ከም ገንሸል ያዕቆብ ብሞት ኢሳይያስ እንተዝቕየር’ከ? ኣብ ምምስራት ህዝባዊ ሓይልታት ኢሳይያስ ከም ዕቡድ ከልቢ፡ ጎየየን ነብሐን። ንቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ጓዕጺጹ ተቖጻጸሮም። ንካልኣይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ናብ ሳንጥኡ ከቲቱ ተቖጻጸሮም።
ከደ…ከደ’ሞ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1972 ንበይሩት ገይሹ’ውን ንዑስማን ሳልሕ ሳበን ንኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ኣደስከሎም። እቲ ኩሉ ዕንክሊል ተኣልዩ፡ ሎሚ ኣብራሃም እንተዝነብርሲ ሂወት ኤርትራውያን ከመይ’ኮን ምሃለወ? እታ ኢሳይያስ ናብ ጉጅለ ዓላ ዝተጸንበረላ ግናይ መዓልቲ ተኾሊፋ እንተትኸውሲ፡ ሎሚ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ መልክዕ ምሃሎና?
ገለ ሰባት ኣምላኽ የዛርቦም ኢዩ። ሓደ ኣቦ ብዙሕ ግዜ ናብ ዓላ ዝመላለሱ ዝነበሩ፡ መስዋእቲ ኣብራሃም ተወልደ ሰምዑ። ጅግና ስለዝጠፍአ ከኣ ብዙሕ ሓዘኑን ጉሃዩን። ድሕሪ ገለ እዋን ናብ ዓላ ተመልሱ’ሞ፡ “ደቀይ ሃባርም! ብድሕሪ ኣብራሃም ደኣ መራሒኹም ንመን ኢኹም መሪጽኩም?” ክብሉ ሓተቱ።
ሓደ ካብቶም ገዳይም ተጋደልቲ፡ “ኣቦይ ዓቢ! ብድሕሪ ኣብርሃም፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኢዩ ተመሪጹ ዘሎ” ኢሉ መለሰሎም።
“ኣበይ ደኣ ኣሎ እዚ ኢሳይያስ ትብሎ ዘለኻ ወደይሲ!” ኢሎም ሕቶ ደገሙ።
“ኦ…ቲ ኣብታ ገረብ ኣጽሊሉ ዘሎ ኢዩ ኢሳይያስ” መለሰ ገዲም ተጋዳላይ።
“ኦ…ይ! ወይለቦኻ!! እዚስ ቅዱው መራሒ ኣይክኸውንን ኢዩ። ብቀዳማይ በዚኣ ክሓልፍ እንከለኹ፡ ኣብታ ገረብ ንበይኑ ነይሩ። ሎሚ ድሕሪ ክንደይ መዓልታት ተመሊሰ ድማ ከም ባልዋይ ንበይኑ ኣብኣ ኮፍ ኢሉ። ኣይግድን’ዞም ደቀይ! ካብ ሎሚ ዝሓከለስ መራሒና ኣይኹን” ኢሎም ንመንገዶም ቀጸሉ።
እዞም ኣቦ ኣብ 1970 ዓ.ም. ዝተነበይዎ እምበኣር እነሆ ሎሚ እቲ ትንቢት ሎሚ ሓቂ ኮይኑ።
ስለዚ ህዝበይ! ሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ ከይከውንሲ፡ እዚ ካብ 1970 ዓ.ም. ኣትሒዙ ናብ ማእከልና ዝኣተወ ተኹላ ከመይ ኣቢልና ንመንክሎ? ኢልና ንሕሰብ። እወ ሕጂ’ውን እንተተኻኢሉስ ካልእ ምተገብረ። ግና ሎሚ’ውን ካብ ንሓዋሩ ጥፍኣት ህዝቢን ሃገርን ብዘይካ ንኢሳይያስ ብቀጭ-ሕርሙ ምንጽጻር፡ ካልእ ፍታሕ የለን።
ኣንቱም ሳዕሳዕቲ፡ ‘ኣሓስ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ’ ከም ዝበሃል፡ ን44 ዓመታት ከም ዛርቲ ኣሳዕሲዑ ገና’ውን የጉርዓኩም ኣሎ’ሞ፡ ብሽራራ ጨንገር ተሸረጡ። ይዋእ መሳኪን! ብእግርኹም ዝጀመሮ ምቑርማም፡ ቀስ ብቐስ ሎሚ ናብ ከብድኹምን ኣፍ- ልብኹምን፣ ምስ ምዕንታር ደምህት ድማ ናብ ጎሮሮኹም በጺሑ ኣሎ’ሞ፡ ኣያ ዓንደጼን ኢለ፣ ብድርብ ሽራራ ተሸረጡ!!
ሞት ክናና ንኢሳይያስ! —
gereger.com