
76 ንጽሃት ኤርትራዊያን የሕዋትና ብሞት ካብዛ ዓለም ብሓደጋ ተፈልዮሙና ኣለዉ።ኣብዚ ወርሒ የካቲት ዕለት 25 / 2017 ለይቲ ሰዓት 4 am ናይ ወጋሕታ ዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ካብ ” ኢትዮፕያ መዓስከር ካምፕታት “ተኣኻኪቦም ብደላሎ ናብ” ሱዳን” ንምስጋር ጠቅላላ 78 ኤርትራዉያን ጽዒና ትጓዓዝ ዝነበረት /FSR/ናይ ጽዕነት መኪና እቶም 51 ብኡ ንብኡ ሂወቶም ክሓልፉ ከለዉ ፡ እቶም 27 ብከቢድን ብፎኪስን ቆሲሎም ናብ ገዳርፍ (ሱዳን) ንሕክምና ከብጽሕዎም እካ እንተፈተኑ፡ እታ ካልኣይቲ ዉን ብዘጋጠማ ከቢድ ሓደጋ ዝተረፉ 25 ሰባት ክመቱ እንከለዉ 2 ሰባት ጥራይ ብሂወት ተሪፎም ኣለዉ።
“ኣብ ሂወተይ ከምዚ ዓይነት ከቢድ ሓደጋ ርእየን ሰሚዐን ኣይፈልጥን” ክብል፡ ነቲ ክብደት ሓደጋ ምኒስተር ኣልዳዉድ ስዒድ መሓመድ ኣልሃሚ ምምሕዳር ጸጥታ ገዳርፍ ገሊጹ።
ኣብዚ ሓደጋ ኢድ ዘለዎም 7 ኤርትራዉያን ኣስገርቲ ምኻኖምን #ዮናታን_ወልደኣብ ቀንዲ መራሒ እዞም ኣስገርትን ደላሎን ኣብትሕቲ ቁጽጽር ጸጥታ ሱዳን ከም ዝተኣስረ እቲ ሓላፊ ይሕብር።
መንግስተ ሰማይ የዋርሶም ኣሕዋትና፡ ጽንዓት ይሃብ ንብምልኡ ስድራቤት ይሃብ ።
ምንጪ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ገዳርፍ ሱዳን።
post time line fenan adal