ግንባርሃገራዊድሕነትኤርትራ – ሕድሪ

 

hidri

ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI

 

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) ኣብ ነፍስ-ወከፍ ክልተ-ዓመታት ጉባኤክገብር ከም ዘለዎ ብሕገ-ህንጽኡ ግድነታዊ ትእዛዝ ከም ዘለዎ ይፍለጥ። ብእኡ መሰረት ከኣ ኣብ መወዳእታ 2016 ጉባኤ ክገብር ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ-ሕድሪ ኣብ መወዳእታ 2015 ምቅርራብ ክግበር ስራሓት ከም ዘንቀለ ይዝከር። ንጉባኤ እተዳሉ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቆይማ ከኣ ክትሰር ተመዚዛ።

እንተዀነ ግን በቲ ሓደ ወገን እቲ ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ክትግበር ዝነበሮ ምቅርራብ ምሉእ ብምሉእ ኣይተሰርሐን። ብካልእ ወግን ከኣ፣ ብዘይካ እቲ ካብ ዓቕምን ቊጽጽርን ውድብና ወጻኢ ዝዀነ ውድዓዊ ተረኽቦ ካልእ ኲነታት ነይሩ።ንሱ ከኣ ኣብ ውሽጢ ውድብ ቀስ ኢሉ ፈኸም እንዳበለ ዝኸይድ ዝነበረ ብጸየቕቲ ዝተበገሰ ምስ ካብ ውድብ ውጻኢ ምትሕብባርዘለዎ ሽርሕታት ብንጸላኢ ዘተባብዕ ስራሓትክካይድ ስለ ዝጸንሔ፣ እቲ ውሽጣዊ ውድባዊ ኲነታት ጉባኤ ንምክያድ ቅሩብ ከም ዘይነበረ ብሩህ ነይሩ። ብዛዕባ’ዚ ኣብ ውድብ ዝተፈላለየ ኣጀንዳታት ዝነበሮ ብዘገምታዊ መገዲ ዝተኣኻኸብ ዝነበረ ምንቅስቓስ ድሒሩ ክግለጽ ምዃኑ ካብ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ኣካል በሪሁ ኣሎ።

ጉባኤ ንኽግበር ጥጡሕ ባይታ ስለ ዘይተረጋገጸብሓደ ወገን፣ በቲ ካልእ ከኣ ገለ ኣባላት ጉባኤ ዝወሰድዎ ዕረፍቲ ስለ ዝተወድአን ክጽበዩ ከኣ ስለ ዘይከኣሉን፣ ጉባኤ ክመሓላአፍ ከም ዘለዎ ናይ ኩሉ ጉባኤ ክሳተፍ ኢሉ ዝመጽአ ኣባል እምነት ኰይኑ ተረኺቡ እዩ። ብግሉጽ ከኣ ንኹሉ ኣብኡ ዝነበረ ተገሊጽሉስ ኣሚንሉ ዝተዛዘመ ጉዳይ ከም ዝዀነ ይፍለጥ። ይኹን እምበር ኣብ ውሽጢ ውድብ ካልእ ኣጀንዳ ዝጸንሖ ጉጅለ፣ እቲ ዝኣመሞ ዕላማ ስለ ዘይተረጋገጸ ክተዓጻጸፍ ኣይከኣለን። ነቲ ኣባላት ክውክልዎም ኢሎም ዝሃቦም ሓላፍነት ድሕሪ ጉባኤ ክመሓላለፍ ምዃኑ ምስ ተረጋገጸ እቲ ውክልንኦም ውዱቕ ምዃኑ እንዳተፈለጠ፣ ጌና ወከልቲ ኢና ብዝብል ሓንካስ ምኽንያት ብሕቡእን ካብ ሕጊ ውድብ ወጻኢ ብዝዀነን ብሃንደበት ውድብ ፈጢርና ከም ዝበለ ይፍለጥ። “ዘበን ግርንቢጥስያ ማይ ንዓቐብ” ከም ዝበሃል ግን እዚ ዓመጽ እዚ ምስ ፈጸሙ፣ ውድብ ዓሚጹና ዝብሉ ተረኺቦም። ኣብ ውሽጢ ውድብ’ውንምድንጋር ዝሕላገቱ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ብምንዛሕ ነውጺ ክፈጥሩ ፈቲኖም።በዚ ምኽንያት’ዚ እመኣር ኣብ ኩሉ ትካላት ውድብ ዳግመ ስርርዕ ክግበር መምርሒ ስለ ዝመጽአ እቲ ዳግመ ስርርዕ ብኸም’ዚ ዝስዕብ ኣገባብ ይቕጽል ከም ዘሎ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ኣካል ኣፍሉጡ ኣሎ። ኣብዞም ስዒቦም ዝጥቀሱ ቦታታት ዘሎ ውድባዊ ስርርዓት ዳግመ-ስርርዕ ይካየድ ከም ዘሎ ህዝባዊ ውደባ ቤት ጽሕፈት ኣመልኪቱ ኣሎ።

ብመጀመርያ፣ ኣብ ኣውስትራልያ ዳግመ ስርርዕ ተወዲኡ ሓያል ምንቅስቓሳት ይካየድ ኣሎ። ነቲ በታንን ህንዱድን ዝዀነ ናይ ዝተፈላለየ ኣጀንዳታት ዘለዎም ኣብ ውሽጢ ውድብ ኰይኖም ንውድብ ዝጻብኡ ዝነበሩ ወፈራታት ኣቐዲሙ ዘለለየ ጨንፈር ኰይኑ ከም ዝጸንሔ ካብ’ቲ ጨንፈር ዝመጽኣና ሓበረታ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ቀጺሉ፣ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ውደባታትና ድማ ነዊሕን ዕጉስን ክትዓት ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ። እቲ ስራሕ ዳግመ-ስርርዕ ድማ ብቀጻሊ ይሰላሰል ኣሎ። ኣብ ጀርመን ንኣብነት ኣባላት ምርርድዳኣቶም ወዲኦም ዳግመ-ስርርዓቶም ኣሰላስሎም ኣለዉ። እዚ ንጥፈታት እዚ ብቀጻሊ እንዳተኻየደ ኣሎ። ኣብ ዕለት 03-02-2017 ዝተኻየደ ኣኼባ ድማ ብዓቢ ሞራል ጥፈታቱ የሰላስል ከም ዘሎ ካብ’ቲ ጨንፈር ዝመጽአና ሓበረታ ኣረጋጊጽ ኣሎ። ኣብ ካልእ ቦታታት ናይ ኤውሮጳ ከኣ ተመሳሳሊ ስራሓት ይካየድ ከም ዘሎ እቲ ሓበረታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።

ብተወሳኺ፣ ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ድማ ኣገዳስን እኩልን ሓበረታታት ምስ ረኸቡ ተመሳሳኢ ናይ ዳግመ ስርርዕ ንጥፈታት የካይዱ ኣለዉ። እቲ ጨንፈር ጌጋ ሓበረታ ብዝነዝሑ ባእታታት ተዓብሉሊ ከም ዝጸንሐ ሕጂ ግን እቲ ሓቂ እንዳተነጸረ ምስ ከደ ኣባላት ውዳቤታቶም የትርሩ ከም ዘለዉ ካብ’ቲ ቦታ ዝመጸና ሓበረታ ኣረጋግጹ ኣሎ።

ብካልእ ወገን ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ህዝባዊ ስርርዕና ንጥፈታቱ የካይድ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ከተማ መቐለ ዘሎ ስርርዕና ንጥፈታቱ ብግቡእ የሰላስል ከም ዘሎ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ተሓቢሩ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። ብተመሳሳሊ መክልዑ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ካልእ ጨናፍራትና ተመሳሳሊ ዳግመ ስርርዓት የካይዳ ኣለዋ።

ብዓቢኡ ከኣ ኣብ ቅድመ ግንባር ዘሎ ዕጡቕ ሰራዊት ዝተፈላለዩ ስልጠናታትን ክወስድ ድሕሪ ምጽናሕ ነዊሕ እዋናት ዝወሰደ ሰሚናራት ክግበር ድሕሪ ምጽናሕ ናብ’ቲ ልሙድ ስራሓቱ ተዋፊሩ ኣሎ። ብተግባር ከኣ ፖለቲኢካዊ ምልዕዓላቱእንዳቀጸለ እዩ።ከም’ቲ ልሙድ ምስ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ስፍሕ ዝበለ ርኽክባቱን ጽልዋኡን እንዳወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ካብ ወተሃደራውን ጽጥታውን ቤት ጽሕፈት ዝመጽአ ሓበረታ ወሲኹ ከም ዘብርሀ ተፈሊጡ ኣሎ።

 

ህዝብን ሃገርን ምድሓን ልዕሊ ኩሉ!

 

ዜናን ባህልን ቤት ጽሕፈት

ግሃድኤ-ሕድሪ

04-02-2017

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *