ብፖለቲካዊ ንቕሓት ዘይተደገፈ ምንቅስቓሳት ንለውጢ
ኣድማዒ ውጽኢት ከምጽእ ኣይክእልን።
ብኣፍልጦ ብዕግበት ዝኣተኻዮ ዝኾነ ይኹን ስራሕ፡ ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥመካ ብደሆታት ብጽንዓት ሰጊርካ ኣብ’ቲ ዝድለ ሸቶ ከተብጸሖ ሞራላዊ ሓይሊ’ዩ ዝኾነካ። ብኣንጻሩ ኣብ’ቲ ጉዳይ ዕሙቕ ዝበለ ኣፍልጦ ከይሓዝካ ብተራ ድሌት ወይ ይገብሩ ስለ ዘለው ኣነ’ውን ክገብር ብስምዒት ተደፊእካ ምስ ኣትኣትዎ ግን፡ ኣብ’ቲ ዝተደልየ ግዜን ብከም’ቲ ዝተደልየ ኣድማዒ ውጽኢት ኣይህብን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ኮነ ኣብ ካልኦት ፈተውትኻ ዘይተደልየ ዋጋ ከኽፍለካ ይኽእል’ዩ። ስለዚ ኣብ ማሕበራዊ ይኹን ፖለቲካዊ መዳያት እንገብሮ ምንቅስቃሳት ወይ ተሳትፎ ሓደጋ ከይበጽሓናን ከየብጻሕናን ብኣድማዕነት መታን ክንዛዝሞ፡ ምስ’ቲ ድሌት ዓሚቕ ኣፍልጦ ክህልወና ይግባእ። ምኽንያቱ ብዘይ እኹል ኣፍልጦ ብስምዒት ዝተደፍአ ድሌት ካበይ ተበጊሱ ኣበይ ከም ዝበጽሕ ዘርኢ ዝተነጸረ ኣንፈት ስለ ዘይብሉን ብውጥን ስለዘይምራሕን ከይዱ ከይዱ ካብ መኽሰቡ ክሳራኡ’ዩ ዝዓቢ። ስለዚ ብስራሕና ውጽኢታውያን ክንከውን እንተደኣ ኮይና ይንኣስ ይዕበ ኣብ ንዋፈረሉ ስራሕ እኹል ኣፍልጦ፣ዕግበትን ተወፋይነት ክንውንን ይህልወና።
ብፍላይ ኣብ ዓውደ ፖለቲካ ብዘይ እኹል ንቕሓት፡ ምሉእ ናይ ለውጢ ዕግበትን ስጡም ውዳበን ዝግበር ምንቅስቓሳት መጨረሻ ዕጫኡ ከቢድ’ዩ ዝኸውን። ንኣብነት ስርዓት ህግደፍ ልዕልና ህዝብን ሕግን ዘየኽብር፣ ርእሰ ምትእምማን ዘይብሉ ፈራሕ ጨካን መንግስቲ’ዩ። ቅድሚ 1991 ይኹን ድሒሩ ሃገር ብሓይልን ብሕግን ልኡላውነታ ካብ እተረጋግጽ ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ውልቀ ዜጋታት ብተናጸል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ልዕሊ እኩባትን ማሕበራዊ ክፍልታት ብኣስካሕካሕነቱ ኮነ ብብዝሑ ዝፈጸሞን ገናውን ዝፍጽሞ ዘሎን ባርባራዊ ግፍዕታት ኣይኮነን ካብ ሓደ ንነጻነትን ሓርነትን ህዝቢ ተጋዲለ ክቡር ዋጋ ከፊለ ዝብል ዘቤታዊ መንግስቲ፡ ካብ ዝኾነ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይትጽበዮ ብምዃኑ ብርግጽ ዝፈጥሮ ቁጠዐ ከቢድ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣየከራኽርን።
ይኹን ደኣምበር ኣብ ዝባንካን መቕርብካን ዝተፈጸመ በደልን ዝፈጠረልካ ስምዒትን ብዝተነጸረ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ፡ ዝተጸንዐ ናይ ቃልሲ ጥበብ፣ ጭቡጥ ሰብኣውን ነገራውን ዓቕሚታት ኣብ ጸብጻብ ዘእተወ፡ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ናይ ተግባር መደባት ብግቡእ ስኢልካ ወይ ቀሪጽካ እንተዘይ ኣቲኻዮ፡ ስለ ዝተበደልካን ዝተቖጣዕካን ብድሌት ጥራሕ ንጸላኢኻ ከተንበርክኾ ኣይትኽእልን። እቲ ናይ ቅድሚ 1991 ዝነበረ ንታሪኽ ገዲፍና ኣብ’ዚ ዝደሓረ ልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዜጋታትን ህዝብታትን ኤርትራ ዝተፈጸመ ግፍዒ ብዙሕ’ዩ። ኣንጻር መንግስቲ ህግደፍ ተፈጢሩ ዘሎ ህዝባዊ ቁጠዐ’ውን ከምኡ ሓያል’ዩ። እዚ ኣብ ባይታ ዝረአ ዘሎ ዝተወደብን ዘይተወደበን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ተቓውሞታትን ከኣ ካብኡ ካብ’ቲ ምረትን ቁጠዐን ዝተወልደ’ዩ።
ካብ’ቶም በደልቲ ድማ ተበደልቲ ንበዝሕ። ክንስዕር ዘኽእለና ጭቡጥ ዓቕሚ’ውን ኣለና። ምኽንያቱ ለውጢ ንደሊ ዘለና ህዝቢ ኢና። ሓደ ጉጅለ ኣይኮነን። ሓይሊ ህዝቢ ከኣ ኣብ ዝርዝር ከይኣተና ኩለ-መዳያዊ’ዩ። ግን ከም ሽላ ዝረኣየት ኣደ ጨቋዊት ደርሆ መንግስታዊ ጉጅለ ካብ ውሽጥና ሰባት ክኣስርን ክቐትል እንከሎ፡ ብስምናን ልኡላዊ መሬትናን ክዋገ እንከሎ ጫቕጫቕ ካብ ምባል ዝሓለፍ ትርጉም ዘለዎ ግብረ መልሲ ሂብና ክንብደሆ ኣይከኣልናን። ሕሉፍ ሓሊፍናስ ኣብ ክንዲ ንምክቶ ሃገር ገዲፍናሉ ኢና ንስደድ ዘለና። ብርግጽ ብቃል ቃል ዝብል ግዝያዊ ስምዒት ዝተደፍአ ተራ ድሌት እናተመራሕካ፡ “ህግደፍ መደፍ” “ውድቀት ንኢሳያስ” “ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ሕጂ ይፈትሑ” “ቅዋም ይተግባር” “ኣነ ደላዩ ፍትሒ’የ” …ወዘተ ዝብሉ ጭርሖታት ተሓንጊጥካ ክግበሩ ዝጸንሑ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣለው’ዮም። እዚኦም ግን ንግዜኡ ጥራሕ ዘይኮነስ ብቐጻሊ ክሰራሓሎም እንተተገይሮም ጥራሕ’ዮም ውጽኢታውያን ዝኾኑ’ምበር፡ ሓደ ግዜ ተቐልቂሎም ዝቕህሙ እንተኾይኖም ነቲ ቃልሲ ኣብ ዓወት ኣየብጽሕዎን’ዮም። እዚ ኣንጻር መላኺ መንግስታዊ ጉጅለ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ብዓማሚ ብንቕሓት ብስትራተጂን ስልትን ብሓደ መርሆ ዘይምራሕ ምህላው’ዩ ዘመልክት።
መሰረት ፖለቲካዊ ዓወት ካብ ዝበጽሐካ በደል ተበጊስካ ብተርእዮ ናይ ለውጢ ድሌት ጥራሕ ዝምዘን ኣይኮነን። በደልካን በደልትኻን ምፍላጥ፡ ምቑጣዕን ንቃልስን ለውጥን ድልውነት ምርኣይን ኣገዳሲ ነገር’ዩ። እንተኾነ ብፍላይ ኣብ ከም’ዚ ናትና ዝበለ ኣብ ሕብረ-ብሄራዊት ሃገር፡ ህላወ ሕብረ-ውድባዊ ኩነታት፡ እሞ ኣንጻር ዘቤታዊ ጸላኢ ዝግበር ፖለቲካዊ ጥምጥም፡ ከም ክልተ ተደመሮ ክልተ ይኸውን ኣርባዕተ ብዝብል ዝስራሕ ፎርሙላ ቀሊል ኣይኮነን። ጥበብ ጎደና ፖለቲካዊ ዓወት፡ ቀዳማይ ንጹህ ሕልና ክህሉ ይግባእ፡፡ ካልኣይ ኣብ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ካብ ሕነ ምፍዳይ፡ ድሑር ናይ ትምክሕትን ጽበትን ኣተሓሳስባ ሓራ ኮይንካ፡ መን ጸላኢ መንከ ፈታዊ ብዘየዋላውል ብብሩህ ምቕማጥ። ሳልሳይ ንዝለዓሉ ናይ መሰል ሕቶታት ብዘይ ኣድላዊ ደሞክራስያዊ ማዕርነታዊ ኣረኣእያ ንምትእንጋድ ድልዊ ምዃን፣ ራብዓይ ናብ ዓወት ዘብጸሐካ ስትራተጂን ስልትን ምቕያስን ንተግባራውነቱ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ድልውነትካ ምርግጋጽን የድሊ። እዚ ወሳኒ ረቛሒታት’ዚ በረኣእያን ብተግባርን ዕጥቅኻ ከይገበርካ ብድሌት ጥራሕ ዓወት ክትጎናጸፍ ምሕሳብ ግን ምልክት መርሆ ምጥፋእ’ዩ።
ክብሮም ካብ ኣዲስ ኣበባ
ካብ መጽሒት ህዝባዊ ደሞክራሲ ሕታም 15 ጥሪ የካቲት 2017 ዝተወስደ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 01-02-2017
Gereger.com