
USA BRANCH
ደሓን ኩን ብጻይና ሻምበል ባሻ !
ሻምበል ባሻ ገብረሚካኤል፣ ብሰንኪ ዝሓደሮ ሕማም ንሓያሎይ ግዚያት ኣብ ሕክምና ክእለ ድሕሪ ምጽንሑ፣ ብ 17 ጥሪ, 2017 ካብዛ ዓለም ክፍለየና ከሎ፣ ኣመራርሓን ኣባላትን ውድብ ደግሓኤ ዞባ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተሰምዓና ሓዘን ወሰን የብሉን።
ሻምበል ባሻ ገብረሚካኤል ቅድሚ ብ1975 ኣብ ተሓኤ ምስላፉ፣ ኣባል ናይ ኤርትራ ፊልድ ፎርስ ፖሊስ ኮይኑ እንዳሰርሐ ምሸታዊ ትምህርቲ እንዳተኸታተለ 2ይ ደረጃ ትምህርቲ ክውድእ ከኣለ። ናይ ምውስዋስ ኣካላት (ኣክሮባቲክስ) ክእለት ከምኡውን ብመልክዕን ቁመትን ግርማ ዝነበሮ ስብ ብምንባሩ ኣብ ፖሊስ ኦርኬስትራ ኣባል ብምኻን ኣብ ኣገዳሲ ምርኢትን በዓላትን ሰልፊ እንዳመርሐ ንተረኽቦታት ዘማዕርግ ዝነበረ ሰብ ኢዩ። ብጻይና ሻምበል ባሻ ገብረሚካኤል ኣብ ተሓኤ ተሰሊፉ ንሸውዓተ ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ዘካየዶ ቃልሲ ፣ ንኡድ ዝኾነ ኣገልግሎት ኣወፍዩ ኢዩ። ሓደ ካብቲ ብዙሕ ተጋዳላይ ዝዝክሮን ዝገርሞን ፣ ኣብ ማእከላዊ ክፍሊ ሕክምና ኣብ ባርካ ተመዲቡ ከሎ ብሳላ ፍሉይ ሜላኡ እቲ ቦታ ብነፈርቲ ውግእ ኣስጦብያ (ኢትዮጵያ) ከይተረኽበን ከይተደብደበን ምጽንሑ ኢዩ።ተጋደልቲ በብክልተ ወይ በብሰለስተ ወዘተ ናብቲ ቃልዕ ቦታ ከይወጹ’ሞ ነፋሪት ከይትርእዮም ብምጥንቃቕ ፣ ነይሩ ነይሩ ኣገርህ ኣቢሉ “ይርእየካ ኣለኹ !!! ተመለስ!!! ተመለስ’የ ዝብለካ ዘለኹ!!! እንዳበለ ብመጉልሕ ድምጺ፣ክዛረብ ከሎ፣ እቶም ዝርእየና የብልናን ኢሎም ናብ ርሕቕ ዝበለ ጽላል ክኸዱ ዝሓሰቡ ፣ ንዓና ኢዩ!! ርእይና ኣሎ!! ኢሎም ይምለሱን ከይርእየና ብምባል ከኣ ካብ ምንቅስቓስ ይቑጠቡን ።
ድሕሪ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተደፊኣ ካብ ሜዳ ኤርትራ ምውጽኣ ከኣ ብሱዳን ኣቢሉ ምስ ክብርቲ ብዓልቲ ቤቱ ብጸይቲ ለተኪዳን ገብረመድህንን ደቆምን ብወርሒ ሰነ, 1983 ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድሕሪ ምምርሑ’ውን ፣ ትምህርትን ጥበብን ብምውሳኽ ደሓን ዝኾነ ናይ መነባብሮ ደረጃ ብምጥራይ ዕውት ዝኾነ ስድራቤት ክሃንጽ ክኢሉ ኢዩ።
ብዘይካ’ዚ ኣብ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራን ገድላዊ ይኹን ሓርነታዊ ቃልስታቱ ፣ ዘይተደናገረ ብንጹር ዝኾነ ደሞክራሲያውን ፍትሓውን ኣረኣእያን ናይ ቃልሲ መርሖን ብዘየወላውል መንገዲ ክምክት ዝጸንሐ ብጻይ ኢዩ። ንመስመር ህዝባውን ደሞክራሲያውን ዕላማን ኣገባብ ቃልስን ብዕምቆትን ብስፍሓትን ዘለለየን ካብ ስምዒትን ዝምባሌን ነጻ ኮይኑ ኣብ ጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን ነቕ ዘይብል እምነትን ኣረኣእያን ዝወነነ ሓርበኛዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ፣ ብሕማም ተደኒሱ እንዳሃለወ ከይተረፈ ክሳብ’ዛ ዕለት ዕረፍቱ፣ ተስፋ ከይቆረጸ ጽንዓቱን ተወፋይነቱን ዘርኣየ ኢዩ።
ብዓሚቕ ፍቕሪ ናይ ህዝቡን ባህሉን ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ዝልለ ብጻይና ሻምበል ባሻ ገብረሚካኤል ሌላን ጉሌላን ብዘይብሉ ኣገባብ ኣብ ፈቐዶ መርዓታት ናይ ኤርትራውያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተረኺቡ ፣ ባህላዊ ብዝኾነ ኣከዳድና ክስዕስዕን ክድብልን፣ ቀልቢ ናይ ኩሉ ሰብ ብዝምስጥ ኣገባብ ውራያት ዘማዕርግ ሰብ ነበረ።
ኣባላት ደግሓኤ ዞባ ኣመሪካ፣ ንስውእ ብጻይና ሻምበል ባሻ ገብረሚካኤል ፣ መንግስተ ሰማያት ንክብርቲ ብዓልቲ ቤቱ ብጸይቲ ለተኺዳን ገብረመድህን ምስ ደቃ ከኣ ጽንዓትን ራሕስን ክህቦም ንምነ።
ደግሓኤ ዞባ ኣመሪካ
ጥሪ, 2017