ቃልስና ብቐጻሊ ሓደሽቲ ተረኽቦታት ዝፈጥር ደኣምበር፡ እሱር ናይ ዝተፈጥሩ ተረኽቦታት ክኸውን የብሉን

democrasia.org

 

ብስነ-መጎታዊ ሓቂ፡ ውጹዓትን ምዝሙዛትን ዘልዕልዎ ናይ መሰል፡ ክብረትን ረብሓን ፍትሓውን ደሞክራስያውን ሕቶ፡ ነዊሕ ግዜ ይወስድን ብዙሕ መስዋእቲ የኽፍልን’ምበር ምዕዋቱ ኣየጠራጥርን። ይኹን’ምበር ነዊሕ ግዜ ወሲዱ ብዙሕ ሰብኣውን ነገራውን ሃብቲ ከይሓትት ዝሓጽረሉ ኣገባብ ሃሰስ ምባል፡ ስለዚ ከኣ ኣብ ሓጺር ግዜ ምልኣት ዘለዎ ዓወት ብምጉንጻፍ፡ ካብ ምልክን መለኽትን ንምግልጋል፡ ኣረኣእያኻ ናብኡ የብጽሕ ኣየብጽሕን ፈትሽካ ምስትኽኻል፡ ስጉሚኻ ዘግምታዊ እንተነይሩ ክቕልጥፍ ምግባር የድሊ። ስለምንታይ’ሲ ውጹዕ ስለዝኾንካን ሕቶኻ ፍትሓዊ ስለ ዝኾነን ጥራሕ፡ ንቃልስን ለውጥን ነብስኻ ከየዳለኻ፡ ኣብ ዓወት ዘብጽሕ ስትራተጂን ስልትን ከይሓንጸጽካ፡ ናይ ስራሕ ባህሊ ከይፈጠርካ፡ ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ካብ መንበረ-ስልጣኑ ክወርድን እቲ ዝድለ ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ተጣይሱ፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ብፖለቲካዊ ኣረኣእያን ሕጋዊት ትካላዊ ኣሰራርሓን ውሕስነት ረኺቡ፡ ምሉእ ናይ እፎይታ መድረኽ ክመጽእ ኣይክእልን።

ሓደ ህዝባዊ ቃልሲ ክዕወት፡ ዝተጸንዐ ዘዐውት ስትራተጂን ስልትን ክረክብ ኣለዎ። ነዚ ስትራተጂን ስልትን መሪሑ ዘዐውት ተነጻጻሪ ፖለቲካዊ ብቕዓት፡ ህዝባዊ ወገናውነት፣ ተወፋይነት ዘለዎ መሪሕነት ክረክብ ኣለዎ። ዝተቐርጹ መደባት ኣብ ባይታን ኣብ እዋኑን ንምትርጓም፡ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ባህሊ ስራሕ ከውነን ኣለዎን ይግባእን። ኣረኣእያታት ካብ ምድውዋስ ጸርዩ ህዝባዊ እንተኾይኑ፡ ብቕዓትን ተወፋይነት ዘለዎ መሪሕነት እንተረኺቡ፡ ክትግበሩ ዝተወጠኑ መደባት ናይ ምትርጓም ባህሊ እንተማዕቢሉ፡ ኣብ ዝተሓተ ብርኪ ዝነበረ ውድብ ድዩ ግንባር ጽልዋኡ ክሰፍሕ፡ ስጉሙ ክቕልጥፍ፡ ኣብ ልዕሊ ደመኛ ጸላኢኡ ራዕዲ ክፈጥር፡ ስለዚ ከኣ ዕለተ ዓወቱ ክቐርብ ባህሪያዊ’ዩ። ከምኡ ክኸውን ግን፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ክንጸር፡ ንመሰል ውጹዓትን ግሉላትን ብዘይ ዝኾነ ኢንታ ዝድግፍ፡ ንተግባራውነቱ ዓቕሙ ጸንቂቑ ዝረባረብ ፖለቲካዊ ሃዋህው ክረክብ ኣለዎ። ብሓጺሩ እቲ ህዝባዊ ቃልሲ እሱር ናይ ዝሓለፈ መድረኻትን ዓወታትን ካብ ምዃን ድሒኑ፡ ማዕባሊ ክኸውን ኣለዎ።

ቀዳማይ ጸላኢና መንግስታዊ ጉጅለ፣ ኣምለኽቱን ወድዓውያን ተሓባበርቱን ጠንቂ ናይ’ዚ ንሓልፎ ዘለና ፖለቲካዊ ሕምስማሶ ንሶም ባዕሎም ክንሶም፡ ተገልቢጦም ነዚ ዝሩግ ፖለቲካዊ ባይታ ከም ኣብነታዊ ሰላም፡ ደሞክራስን ቁጠባዊ ልምዓታዊ ገስጋስን ኣምሲሎም ዝገብርዎ ዝነደየ ፕሮፖጋንዳዊ ነፍሕታት ንጎኒ ገዲፍካ፡ እዚ መድረኽ’ዚ ከም መድረኽ ኣዝዩ ተኣፋፊ፡ ኣዝዩ ድማ ንለውጢ ዝበሰለ፡ በብመዓልቱ ናብ ምሉእ ዓወት ዘብጽሕ ሓድሽ ምዕባለታት ወይ ተረኽቦታት ክፈጠረሉ ዝኽእል ምቹእ ኩነታት ምዃኑ ብልክዕ ምምዛንን ምስኡ ምኻድን መርኣያ ፖለቲካዊ ብስለትን ተወፋይነትን’ዩ። ኣብ ዓውደ ፖለቲካ ሰብ ዝፈጥሮ ሓድሽ ምዕባለ ደኣምበር፡ ባዕሉ ሰብ ዝፈጥር ተኣምራታዊ ምዕባለ ኣይተራእየን። ስለዚ ነዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ዝፍትን ፖለቲካዊ ሓደጋ ብብቕዓት ክንሰግሮ እንተደኣ ኮይና፡ ሓንሳብ ብዘመዝገብናዮ ዓወት ክንዓግብ፡ ናቱ እሱራት ኮይና ዓመት መጽአ ንዕኡ እና ዘከርና ክነብር ኣይግባእን።

ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ጎሊሑ ዝረአ ምስ ናይ ጸላኢ ዝመጣጠን ወተሃደራዊ ሓይሊ ሚዛን ክህሉን፡ ኣብ ልዕሊ ዝተመርጸ ዕላማታት ጸላኢ ብዝውስደ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ድማ፡ ቀቀልጢፍና ዜና ዓወት ክንሰምዕ ነይሩና። እዚ ግን ብዝተፈላለዩ ባዕላውን ወድዓውን ኩነታት ንግዜኡ ኣይተረኽበን ወይ ኣይተኻእለን ኣሎ። ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክግበር ዝከኣል ጭቡጥ ስራሕ፡ ብመራኸቢ ብዙሓንን ፍርያት ስነ-ጥበብን ኣቢልካ ነቲ ብጉጅለ ህግደፍ ዝተበከለ ናይ ባዶ ትምክሕቲ ብሓደ መዳይ፡ ኣነ ኣይክእልን ካልኦት ይግበርዎ ዝብል ተስፋ ዝቖረጸ ኣተሓሳስባ ድማ በቲ ካልእ መዳይ ብቐጻሊ ስራሕ ክግራሕ ምግባር’ዩ። ከምኡ’ውን ንጸረ-ህዝቢ ደርባዊ ፖለቲካዊ ባህርን ፋሽስታዊ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ምቅላዕ፡ መደባቱ ምምካን፡ ደላዪ ሰላምን ደሞክራስን ዝኾነ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ሓቂ ፈሊጡ ኣብ ጎኒ ውጹዓትን ፍትሕን ደው ክብሉ ዘኽእል ጭቡጥ መረዳእታ ሒዝካ፡ ብመልክዕ ኣኼባ፣ ሰሚናር፣ ሰላማዊ ሰልፊ ..ወዘተ ብወግዒ ምቅላስ’ዩ።

እዚ ሓደ ካብ’ቲ ኣንጻር መላኺ ጉጅለ ክግበር ዘለዎ ሜላ ናይ ቃልሲ ከም ሓሳብ ቅቡል’ዩ። ቅድሚ ሕጂ ድማ ኣብ በበይኑ ቦታታት ተገይሩስ ናቱ ዝኾነ ኣወንታዊ ታሪኽ ኣመዝጊቡ ሓሊፉ’ዩ። እዚ ንባህርን ተግባርን ጸላኢ ኣብ ምቅላዕን ቁጠባዊ ምንጭታቱ ኣብ ምድራቅን ወሳኒ ግደ ዝጻወት ጥበብ ቃልሲ ክንሱ፡ ከም ዑፍ መስከረም ኣብ ዓመት ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ተራእዩ፡ ኣብ’ዚ ኣትዩ ከይተባህለ ሃለዋቱ ዘጥፍእ ምዃኑ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ’ዩ። ብብዝሒ ተሳተፍቱ፡ ብርዝነት ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ብምድጋፍ ዝተኻየደ ድሙቕ ሰላማዊ ሰልፍታት ብኣብነት ዝጥቀስ’ዩ። እንተኾነ እቲ ረስኒ ቀጻሊ ኣብ ክንዲ ዝኸውን ናይ ሓደ ውሱን መድረኽ ኮይኑ ብምቕሃሙ፡ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብሓፈሻ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ድማ ብፍላይ፡ ቀጻሊ ተአረኽቦታት እናፈጠሩ ንቕድሚ ኣብ ክንዲ ዝግስግሱ፡ ሳሕቲ ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ኣብ ዓመት ኣብ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ ብምስታፍ እሱራት ናይ ተረኽቦታት ኮይኖም ምህላዎም ዘይከሓድ ሓቂ ኮይኑ ኣሎ።

ኣኼባታት ዝጠልብ፣ ክልተኣውን ካብኡ ንላዕልን ዘተ ዘድልዮ፣ ኣብ ሓደ ቦታን ሓደ እዋንን ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ብዙሕ ቦታን ብቐጻልን ሰላማዊ ሰልፊ ክግበረሉ ዝግባእ ሓጋዚ መድረኻት እናሃለወ እሱራት ናይ ዝሓለፈ ብምዃን ንዕኡ ጥራሕ ምጽባይ ሓድሽ ነገር ክትፈጥር ናይ ዘይምኽኣል መርኣያ’ዩ። ስለዚ ዕድመ መንግስታዊ ጉጅለ ክሓጽር፡ ዕለተ ዓወትና ድማ ክቕልጥፍ እንተደ ተደልዩ፡ እሱራት ናይ ዝሓለፉ መድረኻት ካብ ምዃን ተገላጊልና፡ ፈጠርቲ ዘየቋርጹ ናይ ቃልስን ለውጥን መድረኻት ክንከውን ኣለናን ይግባእን።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 26-12-2016

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *