ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI መግለጺ ሓዘን

መግለጺ ሓዘን  (Gone too soon)

 

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ኣብ ልዕሊ እቶም ብዕድሜኦም ውልዶ መንእሰያት፡ ብስነጥባበዊ ፍርያቶም ከኣ ዓበይትን ፍሉጣትን ዝኾኑ፡ ደራሲ-ተዋሳኣይን ዳይረክተር ፊልምታትን ዝነበረ፡ ዮናስ ዮውሃንስን ድምጻዊ መርሃዊ ስብሃትላኣብን ብምኽንያት ሓደጋ ንዘጋጠሞም ዘስካሕክሕ ብዓቢኡ ንሂወቶም ይኹን ንከበርክትዎ ዝነበሮም ሓያል ናይ ስነጥበባዊ ዓቕሞም መኹልፍትን መቑጸይትን፡ ዝኾነ ዕረፍቶም ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ይገልጽ፡፡

በዚ ኣጋጣሚ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ፡ ብሰሪ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ሕሱም ህዝባዊ ምሕደራ፡ ህዝብና ብዘደንጹ መልክዑ ብስደት ይኹን ብማሕዩር ይከላበት ብምህላዉ፡ ብኡ መጠን ድማ ዜጋታትና ብሸነኽ ኩሉ መኣዝናት ዓለም ሂወቶም ካብ ምንጋጋ ስርዓት ህግደፍ ንምንጋፍ ኣብ ዝወስድዎ ነብሲ ወከፍ ስጉምቲ ዝወርዶም ዘሎ ኣካላዊ፡ ሞራላውን ናይ ሂወት ሕልፈትን ደው ንኽብል መላእ ሕብረትሰብ ኤርትራ ኪኖ ዓገብ ምባል ብሓድነት ተርኒዑ ክቃለስ ጸዊዒቱ የቕርብ፡፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

1 / ታሕሳስ / 2016

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *