
ካብ ስዓት 06:00 ( Berlin Time ) ኣብ ርእሰ ከተማ ሃገር ስዊዘርላን ( Bern ) ዓቀብቲ ሕግን ማዕከናትን ዝሳተፍዎ ክፉት ኣኼባ ንምዕጋት ሓገዛት ዲክታተርያዊ ስርዓት ህ .ግ.ድ.ፍ ክኸይድ እዩ ::
ኣብዚ ኣጋጣሚ ኣቦና ኣቶ ግርማይ ኪዳነ ( ወዲ ፍሊፖ ) መርትዖ ዝሓዘ መግለጺ ክህብ ምዃኑ ንሕብር ::
1. ምሕያር ( ናይ ገዛ እሱር ) ፓትሪያረክ ኦርቶዶክሳዊ ክርስትያን ኣቦና ኣንጦንዮስ ከምኡ እዉን ብስርዓት ህ .ግ.ድ.ፍ ዝዋፈር ተሃጊሩ ዘሎ ቤተክርስትያናት ኣብ ኤውሮጳ ይኹን ኣመሪካን ኣውስትራልያን ተሓቢሩ ኣዚ ምህጋር እዚ ንዓለምለኻዊ ምእመና ክርስትና ከስዕበሉ ዝኽእል ሳዕቤናት ::
2. ብሓተቲ ዑቕባ ዝነብሩ ክሳዕ ናይ እቲ ዝቕመጡሉ ሃገራት ዜግናት ዝወሰዱ እሞ ሰውራን ተዋፈርቲ ህ .ግ.ድ.ፍ ኩሎም ምቅላዕ ::
3. ቤተሰብን መቕርብን ናይ እቶም ኣብቲ ስርዓት ሰበስልጣን ኮይኖም ህዝቢ ኤርትራ ዘከላብቱ ዘለዉ ዑቕባ መሕተቶም ክንጽርን ግቡእ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊኦም ክወስድን::
4. መንግስቲ ስዊዘርላን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህ .ግ.ድ.ፍ ሓገዝ ተመባጺዕሉ ዘሎ እቲ ሓገዝ ንምንዋሕ ህላዌ ዲክታቶር ጥራሕ ከምዘርብሕ :: እዝን ካልእ ብተሳተፍቲ ክብርከት ዝኽእል ሓበሬታ ክህልው ስለዝኾነ ኩሎም ኤርትራውያን ብዉድባዊ ይኹን ማሕበራዊ ከምኡ ዉን ዉልቃዊ ዉክልና ተዋሂቦም ክሳተፉ ብኣኽብሮት ንዕድም :: ምስ ናይ ሰላምታ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ተግባራዊ መኸተ ጸረ ህግድፍ ኣኼባ ዝጅመረሉ
ስዓት 06:00 ድሕሪ ቐትሪ ኣኼባ ዝግበረሉ SANSTRASSE 5 , 3302 MOOSSEE DORF , BERN
ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣቶ ነጋሲ ሰረቐ ተወከሱ 0041764504146