

ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኣረሜናዊ ስርዓት፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ፡ ኣብቶም ባዕሉ ኣብ ዝኣጎዶ ኲናት ምስ መንግስቲ ጂቡቲ ንዝተማረኹ ኣባላት ሰራዊት ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ ምስቶም ካብ ጂቡቲ ዝማረኾም ምሩኻት ኲናት ተላዊጡ ሓራ ከውጽኦም ይትረፍሲ፡ ከም ኒቡር ዋላ ንማለቱ ብመንግስቲ ጂቡቲ ዝተቐየዱ ምሩኻት ኲናት ከም ዘለዉዎ ተኣሚኑንንህዝቡ ኮነ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ወግዓዊ መግለጺ ሂቡ ኣይፈልጥን። እቶም ኤርትራውያን ምሩኻት ኣሕዋትና ግን ንዝሓለፉ 8 ዓመታት ሰብኣዊ መሰላቶም ተገፊፉ፡ ብሕሱም ክሳቐዩ ጸኒሖም። ከም ውጽኢቱ’ውን፡ ገለ ካብኣቶም፡ ኣካላዊን ስነ ኣእምሮኣዊን ናይ ጥዕና ጸገማት ኣጋጢሙዎም እዩ።
በዚ ከይተወሰነ፡ ኤርትራውያን ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ነጻ ክልቐቑን ከም ኩሉ ስደተኛ ጉዳዮም ብዉድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ክተሓዝ ንዘቕረበቶ ተደጋጋሚ ምሕጽንታ ብመንግስቲ ሃገረ ጂቡቲ ተቐባልነት ስለ ዘይረኸበ፡ ወይዘሮ ኤልሳ ጭሩም ኣብ ኣፍደገ ኤንባሲ ጅቡትን አፍደገ ቀጽሪ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኮምሽን ስደተኛታት፡ ኣብ ጀኔቭ ብወርሒ መጋቢት 2014 ብዘካየደቶ ናይ ሰለስተ ምዓልቲ መግቢ ምሕሳም ተቓውሞ እቲ ጉዳይ ኣህጉራዊ ኣቓልቦ ረኺቡ፡ ከም ውጽኢቱ፡ መንግስቲ ጂቡቲ ነቶም 267 ኤርትራውያን እሱራት ነጻ ክለቆም ዕድል ከፊቱ።
ወይዘሮ ኤልሳ ጭሩም ጻዕራ በዚ ደው ኣየበለትን። ምሩኻትና፡ ዋላ እኳ በቲ ንሞት ዝለኣኾም ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ስርዓት እንተተረስዑን እንተተኻሕዱን፡ ንሕና ከም ህዝቢ መጠን ስቅያት ኣሕዋትና ክንርስዕ ስለ ዘይብልና፡ ብቐጻሊ ካብ ማእሰርቲ ሓራ ንምውጸኦም ከይተሓለለት ክትዓዪ ጸኒሓ፡ እንሆ ድማ ናቱ ውጽኢት፡ 19 ኤርትራውያን ምሩኻት ፕረሲደንት ሃገረ ጂቡቲ እስማኤል ዑመር ጕሌህ ብዝሃቦ ምሕረት ነጻ ክወጹ ክኢሎም ኣለዉ።
ፕረሲደንት እስማኤል ዑመር ጕሌህ ንኣሕጉራዊ ማሕበር ቐይሕ መስቀልን ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ስደተኛታትን ብሓላፍነት ክርከበኦም ወግዓዊ ጻውዒት ብምቕራብ፡ ነቶም ንኣስታት 8 ዓመታት ከም ምሩኻት ኲናት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሑ 19 ኤርትራውያን ነጻ ክልቀቑ ብዝሃቦ መምርሒ መሰረት ድሮ ተግባራዊ ኮይኑ ናይ ሓርነት ንፋስ ኣዱንያ ከስተንፍሱ በቒዖም ኣለዉ።
ከም ድዝከር፡ ኣብቲ ብ2008 ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡትን ዝተኻየደ ዶባዊ ኲናት፡ ካብ ወገን ኤርትራ 20 ወትሃደራት ክማረኹ ከለዉ፡ ሓደ ብኸቢድ ተውጊኡ ስለዝነበረ፡ ሸዑ ተሰዊኡ ኣብ ጅቡቲ ተቐቢሩ። ካብ ወገን ሃገረ ጂቡቲ ድማ 20 ወተሃደራት ተማሪኾም ኔሮም። ካብዚኦም፡ እቶም ክልተ ኤርትራውያን ብዝገበሩሎም ምትሕብባር ካብ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሞም ናብ ሃገሮም ብሰላም ክምለሱ ከለዉ፡ ሓደ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሰዊኡ። ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ብሸምጋልነት ሃገረ ቐጠር ነጻ ክልቀቑ ክኢሎም። 13 ካልኦት ምሩኻት ኲናት ደቂ ሃገረ ጂቡቲ ገና በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ተቐይዶም ከም ዘለዉን ንህላዊኦም ኣመልኪቱ ካብቲ ስርዓት ዝተዋህበ ሓበሬታ ከም ዘየለን ኩሉ ዝፈልጦን ኣሻቓልን ጉዳይ እዩ።
እምበኣርከስ፡ መንግስቲ ሃገረ ጂቡቲ፡ ምሩኻት ኲናት ዜጋታቱ ብምልኦም ነጻ ኣብ ዘይተለቐቕሉን ህላወ ናይቶም 13 ገና ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዘለዉ ምሩኻት ኲናት ኣብ ዘይተዋሕሰሉን እዋን እዩ ፕረሲደንት ሃገረ ጂቡቲ፡ ክቡር እስማኤል ዑመር ጕሌህ፡ ን19 ኤርትራውያን ምሩኻት ኲናት ካብቲ ንዝሓለፉ 8 ዓመታት ተቐዪዶም ዝጸንሑሉ ቤት ማእሰርቲ ነጋድ ነጻ ክልቀቑ ወሲኑ ዘሎ።
በዚ ኣጋጣሚ፡ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት፡ ንህዝብን መንግስትን ሃገረ ጂቡቲ፡ ክብ ዝበለ ምስጋና የቕርብ። እዚ ሰናይ ተግባር እዚ፡ ብሃገረ ኤርትራን ህዝባን ወትሩ እናተዘከረ ከምዝነብርን ኣብ መጻኢ፡ ህዝብታት ኤርትራን ጂቡትን ኣብ መንጎኦም ዘሎ ሰናይ ጉርብትና ብዝያዳ ዘሐይልን ከም ዝኸውን ድማ ጥርጥር የብልናን።ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ
By, Elizabeth Chyrum
President Afwerki of Eritrea Demands that the Underlying Causes of the Migration of Refugees be Addressed.
President Isaias Afwerki of Eritrea made a statement on 8th November 2016, about the plight of refugees: http://shabait.com/…/22878-president-isaias-urges-for-conce…
He said that migration and the movement of refugees had “become rampant globally”. Particularly to be noted was the fact that he stressed “the need for the underlying causes and driving factors to be fully and comprehensively addressed.”
It is most certainly relevant and urgent for the world to identify the causes of the mass exodus of refugees from particular countries. But it is especially ironic that the leader of the regime in Eritrea, which is currently causing the most extraordinary and most numerous exodus of refugees in Africa, should call for the “underlying causes and driving factors” to be addressed when the prime responsibility rests with the very government which he himself leads.
President Afewerki claims to want “A sober diagnosis of the underlying causes” of the flood of refugees leaving his country. He lays great emphasis on “human trafficking” and the traffickers as the unaddressed problem, never mentioning why his countrymen and women become vulnerable to such traffickers.
It is essential that the world’s attention be focused on the true cause of their vulnerability: their desperate need to escape the appalling dangers and repression in their own country stemming from the policies and actions of his own government. As explicitly elucidated by the UN Commission of Inquiry, egregious human rights violations, the lack of rule of law, and the effective policing of human rights mean Eritrea is a country where there is no political or religious freedom, and people are routinely imprisoned and tortured, and may disappear or be executed extra-judicially. Without a free media or recourse to legal protections, anyone opposed to government policies is in extreme danger. But above all other “driving factors” forcing young Eritreans to flee the country and become refugees is the universal and indefinite National Service. Those entering such service can remain quasi slave-labour in the military, the agricultural sector, or mining industries, with no a foreseeable end or hope of escaping.
There is no need to seek for other “underlying causes” or “driving factors” of the 60,000 people who escape their country every year, or the 47,000 Eritreans who sought asylum in Europe in 2015.
The dangers facing them in their own country are all too immediate for them to take any other actions.
President Afewerki’s government is directly responsible for this mass exodus. Without this desperate stimulus to leave their own homes, Eritrean refugees and asylum seekers would never be in danger from people traffickers outside the country.
Human Rights Concern – Eritrea (HRCE)
15 November 2016
hrceinfo@gmail.com
www.hrc-eritrea.org
http://hrc-eritrea.org/president-afwerki-of-eritrea-deman…/…