ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT(HIDRI)

ኣብ ክፍለ-ሰራዊት 49 ዝጀመረ ሕቶ ደሞወዝ ብናህርን ወጥርን ናብ ካልኦት ኣሃዱታት ይልሕም፡

ህግደፍ ንልዕሊ 17 ዓመት ዝዕድሜኦም መንእሰያት ካብ ማኣዲ ትምህርቲ ናብ ማኣዲ ባርነት የሰልፍ።

 

ቅጥዒ ዘለዎ ምዕሩይ ምሕደራ ክኽተል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሉ ስርዓት ህግደፍ፡ ብሰንኪ ዝኽተሎ ተሓታትነት ዘይብሉን ሓላፍ-ዘላፍ ኣካይዳን፡ ብኹሉ መሓውራቱ ተዳኺሙ’ኳ እንተሃለወ፡ ነቲ ዘለዎ ዓቕሚ ሚዛናዊ ኣሰራርሓ ኣይኽተልን፡ በዚ መሰረት ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ኣዋርሕ ኣብ ምኒስትርታት(ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ወጻኢ) ብኸፊል ዝገበሮ ወሰኽ ደሞወዝ ኣብ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 49 “ንምንታይ ንዓና’ኸ ወሰኽ ደሞወዝ ዘይግበረልና?” ዝብል ሕቶ ተላዒሉ ድሕሪ ምቕናይ፡ ናብ ካልኦት ክፍላተ-ሰራዊት ልሒሙ ኣብ ክፍለ-ሰራዊት 27 ነቲ ዝወሃቦም ዝነበረ ወርሓዊ ደሞወዝ ናብ ዘይምቕባል ኣድማ ዓሪጉ ምህላዉ፡ ምንጭታትና ሓቢሮም። እቲ ክሳብ ብደረጃ መራሕቲ ብርጌዳት ዝተላዕለ ሕቶ ኣብ ክፍለ ሰራዊት 39ን ክፍለ-ሰራዊት 29ን’ውን ዝተላዕለ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ስርዓት ነቲ ምልዕዓል ንምዝሓሉ  ከም’ቲ ልሙድ ውሽጣ ውሽጢ ኣብ ምፍርራሕን ንገለ ኣዘዝቲ ኣብ ምጥባርን ተዋፊሩ ከምዘሎ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

 

እዚ ከም’ዚሉ ከሎ፡ እቲ ብቕዓት ስርዓተ-ትምህርቲ ሃገረ ኤርትራ ኣዳኺሙ መጻኢ መንእሰያት ዘጸልምት ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ልዕሊ 17 ዓመት ዝዕድሜኦም መንእሰያት ግድን12 ክፍሊ ኮይኖም ኣብ ሳዋ ክወርዱ’ምበር ትሕቲኡ ዘሎ ደረጃ ትምህርቲ ንኸይማሃሩ ዝእዝዝ መምርሒ ብደረጃ ሃገር ብምውጻእ፡ ነቶም ትሕቲ’ዚ ዝተጠቕሰ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ስሩዕ ቤት-ትምህርቲ ክማሃሩ ዝጸንሑ ተማሃሮ ኣባሪሩ፡ ድሌትን ዓቕምን ዘለዎም ንሓደ ሰሚስተር ማለት ካብ ወርሒ መስከረም ክሳብ ወርሒ ጥሪ 1600 ናቕፋ እናኸፈሉ ምሸታዊ ንኽማሃሩ ድሕሪ ምፍቃድ፡ ዕለት 12-14 ጥቅምቲ 2016 ብደረጃ ሃገር ሃንደበታዊ  ጽዑቕ ግፋ ብምክያድ ናብ ኩርመናዕ  ዝተባህለ ማዓስከር ታዕሊም ወሲዶሞም ከምዘለዉ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት፡ ኩርመናዕ ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ዝርከብ ልዑል ምቖት ዘለዎ ቦታ ኮይኑ፡ኣብ’ቲ ማዓስከር ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ብለበዳ ኮሌራ ብብዝሒ እሱራት፡ ተዓለምትን ሰራዊትን ይሞቱ ምህላዎም ይፍለጥ፡ ብስግረ-ዶብ ዝተጠርጠሩን ካልእ ዘይንጹር ምኽንያታት ዘሎዎም እሱራትን ግፉፋትን ዝዳጎኑሉን ዝዕለምሉን ወታሃደራዊ ማዓስከር እዩ።

 

እቲ ብዘይ እዉጅ ኣገባብ ዝገብሮ መንእሰያት ናይ ምግፋፍ መስርሕ ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፡ እቲ ስርዓት ኣብ 2005 ዓም’ውን ልዕሊ ዕድመ ዝብል ስያመ ብምሃብ ካብ ማኣዲ ትምህርቲ ኮሊፉ ናብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ናብ ዊዓን ክሌማን ዝባሃል ቦታታት ኣሽሓት መንእሰያት ብምጉራት ኣብ’ቲ ብስም ሃገራዊ ኣገልጉሎት ዝግበር ናይ ባርነት ወፍሪ ከምዘሰለፎም ይዝከር።

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!

ክፍሊ ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ፡

18 ጥቅምቲ 2016፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *