ኣብ ትሕቲ ዳዒሽ ዝጸንሓ ሸሞንተ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ናጻ ወጺኤን Radio Erena: 19 October 2016

wom ISIS

 

ዳዒሽ ናይ ሊብያ ጨውዩወን ዝጸንሐ ሸሞንተ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ፣ ብሓይልታት ሚስራታ ናጻ ከምዝወጻ ማዕከን ዜና ሊብያ ኦብዘርቨር ሓቢሩ።

እተን ኣብ ሲርተ ተጨውየን፣ ዝነበራ ኤርትራውያን፣ ገላዩ ሓለፍቲ እቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ ኮይነን ምጽንሐን እቲ ማዕከን ዜና ብተወሳኺ ገሊጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሊብያ ኦብዘርቨር፣ ዝተፈላለዩ ሚሊሻታት ሚስራታ ሓይ ብናይ ደገ ሓይልታት እናተደገፉ ኣብ ሲረት ዓስኪሩ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ጉጅለ ዳዒሽ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዶም፣ ኣብ ትሕቲ ዳዒሽ ዝርከቡ ስድራቤታቶምን ቆልዑን ደቂንስትዮን፣ ብውሑስ መንገዲ ክወጽኡ ከምዝክእሉ ብነፈርቲ ወረቓቕቲ ድሕሪ ምዝርጙ’የን እተን ሸሞንተ ኤርትራውያን ክድሕና ዝኸኣላ።

ዳዒሽን ዝተፈላለዩ ሚሊሻታት ሊብያን፣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ናብታ ሃገር ንዝኣተዉ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እናጨወዩ፣ ንገሊኦም ብገንዘብ ክለቕዎም እንከለዉ፣ ንገሊኦም ብጊላነት ከምዝሕዝዎም ዝፍለጥ’ዩ።

ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ናይ ሊብያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራውያን ዝርከብዎም 78 ስደተኛታት ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ብጭካነ ከምዝቐተለ ኣይርሳዕን።

======================

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *