ክቡራት ኤርትራውያን ዮሃና! Congratulation to all

ንዳርጋ ሓደ ወርሒ ድሕሪ ምጉስጓስን ምምጓትን፡ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሳልሳይ ኮሚቴ፡ ባይቶ ሰብኣዊ መስላት ኣብ ኒውዮርክ፡ ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ከምቲ ተሓሲቡ ዝነበረ ንዕለት 27 ጥቅምቲ 2016 ንክቀርብ ሎሚ፡ ዕለት 14 ጥቅምቲ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብሙሉእ ድምጺ ወሲኑ ኣሎ።

እቲ ሓድሽ ውሳነ’ውን ኣብቲ ፕሮግራም ክኣትው ክምዝኾነ ውሳነ ተመሓላሊፍ’ሎ።

ብስርዓት መንግስቲ ኤርትራ ምስ ፈተውቶም ክም ብዓል ወከልቲ መንግስቲ ግብጽን ዝኣመስሉ ኣበርቲዖም ክቃለሱ እኳ እንተቀነዩ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ሎሚ’ውን ተሳዒሮም። እቲ ውሳነ ምስ ሓለፈ ድማ እቲ ውሳነ ኣብቲ ፕሮግራም ንከይኣትው ብዙሕ እኳ እንተፈተኑ ኣይተዓወቱን።

እቲ ዝቀረበ ሙግት፡ ኮምሽን ስራሓ ስለዘብቅዕት ጸብጻብ ክቀርብ የብሉን ዝብል እዩ ኔሩ።

እቲ ኩሉ ኮለል ነቲ ጸብጻብ ናይ መርማሪት ኮምሽን ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መስላት ከይቀርብ እሞ፡ ካብኡ ናብ ባይቶ ጸጥታ ንክይሓልፍ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ሽርሒ እዩ ኔሩ። ኮታ ነቲ መስርሕ ናይ ፍትሒ ንክዓግቱ እዩ ኔሩ እቲ ሓሳቦም።

በቲ ሎሚ ዝተወስደ ውሳነ ብዕለት 27 ጥቅምቲ 2016፡ ሺላ ኪታሩት ንክልቲኡ ጸብጻባት ከተቅርብ እያ። እሳ ኣባል ናይቲ ኮምሽን ስለዝኾነት ናታ ዘዳለወቶ ጸብጻብን ናይ ኮምሽንን ከተቅርብ እያ።

መን ኣቅሪብዎ ኣገዳሲ ኣይኮነን፡ እቲ ኩሉ ክፍኣትን ሽርሕታትን እቲ ጸብጻብ ናይ ክንደይ ግዳያት ምስክርነት ዝሓዘ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ኒውዮርክ ከይስማዕን እቲ መስርሕ ንከይቅጽልን እዩ ኔሩ።

ግና ኣይተዓወቱን!

በሉ ዮሃና ክብለኩም ደጊመ

ሕጂ ውራይ ሰላማዊ ሰልፍኹም ግበሩ

የቀንየለይ
ሓፍትኹም ኤልሳ ጭሩም

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *