
ብዕለት 05 ጥቅምቲ 2016 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ጀበርቲ ዶት-ኮም ብቋንቋ ትግርኛ (ንኣባላትና ምክትታል ዝሕግዝ ሚስጢራዊ ሓበሬታ) ብዝብል ኣርእስቲ፡ ኣርማ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝሓዘ ብሽም ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝወጸ ዕለት ዘይብሉ ጽሑፍ ተኽታትልና። እዚ ጽሑፍ’ዚ ብተናጽል ይኹን ብእኩብ ብኣና ከም ዘይወጸን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፍጹም ብዛዕባኡ ኣፍልጦ ከም ዘይብልናን ነረጋግጽ። ኣሰናዳኢት ሽማግለ በዘይካ እቲ ዝተውሃባ ግሁድ ዕማም ምስንዳእ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ብምስጢር እትንቅሳቅስሉ ይኹን እትስርሕሉ ምኽነያት ክህልዋ ኣይኽእልን እዮ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ሞንጎ ተቓለስቲ ሓይልታት ምጥርጣራትን ምቁስሳልን ዝፈጥር ርኹስ ጽሑፋት ከኣ፡ ኣብ ምውጻእ ከም ዘይትኣቱ ጥራሕ ዘይኮነስ ብኣንጻሩ ኣጥቢቃ ተኹኑኖ። ክጽሕፍ ዝድሊ ስብ ወይ ኣካል ስምናን ኣርማናን ካብ ምጥቃም ተቆጢቡ ተብዓት ህልዩዎ ብናቱ ሽም ክጽሕፍ ይግብኡ። ኣብ መደምድምታ ዝኾነ መርበብ ሓበሬታ ከምዚ ዝኣመሰለ ንሓይልታት ዘዋቕዕ ምንጪታቱ ዘይፍለጥ ካብ ምውጻእ ክቑጠቡ ወይ ከጻርዩ ሓላፍነት ይህለዎ። ብፍላይ ነዚ ጽሑፍ’ዚ ዝዘርገሐ መርበብ ሓበሬታ ጀበርቲ ዶት-ኮም ከኣ፡ እቲ ነዚ ጽሑፍ’ዚ ዝለኣኸ ሰብ ወይ ኣካል ነዚ ሓበሬታና’ዚ መሰረት ብምግባር ክትታሓሓዝዎን ንህዝቢ ከቓልዕዎን ኣጥቢቅና ንሓተት። መርበብ ሓበሬታ ጀበርቲ ዶት-ኮም እዚ ክገብር እንተዘይክኢሉ ግን ኣሉታዊ ሳዕቤናት ናይዚ ጽሑፍ እዚ ሓላፍነት ከም ዝስከም ነፍልጥ።
በሺር ኢስሓቕ ኣቦ-መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡
ኢርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደክራስያዊ ለውጢ፡ 06 ጥቅምቲ 2016