ብግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ–ሕድሪ ኣብ ሃገረ ሲውዘርላንድ ከተማሉዘርን
ኣገዳሲ ህዝባዊ ሰሚናር ተኻይዱ
Switzerland Lucerne

እቲ ኣቀድም ኣቢሉ ብመራኸቢ ብዙሃን ተሓቢሩ ዝነበረ ህዝባዊ ሰሚናር ብዕለት 01/10/2016 ኣብ ሃገረ ሲውዘርላንድ ከተማ
ሉዘርን ከምዝተኻየደ ካብቲ ቦታ ዝመጸና ርጡብሓበሬታየረድእ
እቲ ብ ብጻይ ፍስሓጽዮን ገብረ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ወኪል ክፍሊ ውደባን ወጻኢ ጉዳይን ዞባ ኤውሮጳ ግሃድኤ–
ሕድሪን ብብጻይ በርሀ ተኽልዝጊ ኣባል ኣሳናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ግሃድኤ–ሕድሪን ዝተማእከለ ኣገዳሲ ሰሚናር ውሽጣዊ
ኩነታት ውድብ ግሃድኤ–ሕድሪ ከምኡ ውን ሓፈሻዊ ኩነታት ደንበ ተቓውሞን ኣመልኪቱ ዝዘተየ ሰሚናር ምንባሩ ውሃብ
ቃል የረጋጊጽ
እቲ ሰሚናር ምርድዳእን ምክብባር ዝዓሰሎ ኣገድሲ ትምህርቲ ዝተቀስመሉ ሰሚናር ኣብ ርእሲ ምንባሩ ብኣኼበኛታት
ንዝቀረቡ ሕቶታት ኣዕጋቢ መልሲን መብርህን ከምዝተዋህበ ተሓቢሩ
ኣማእከልቲ ሰሚናር ካብ ኣኼበኛታት ዝቀረበሎም ለበውን ርእይቶን ብምቅባልን ብምምዝጋብን ብሓድ–ሕድ ምንእኣድን
ብልዙብ ምርድዳእን ሰሚናር ምዝዛሙ ኣብቲ ሰሚናር ብዝወዓለ ውሃብ ቃልተሓቢሩ
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!
03/10/2016
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ– ሕድሪ ዞና ኤውሮጳ